Sunday, September 15, 2019

ባዶ ንምሉእነት፡ ምሁራን ኤርትራ


     ከም ኤርትራዊ ገይሩ ኣብ ምሁር ዝኣምን ሕብረተሰብ የሎን። ዓበይቲ ዓድን ሽማግለታትን ጓልኩም ሃቡና ክብሉ እንከለዉ፡ ወድና ኪኢላ ናይ ከምዚ ዓይነት ሞያ’ዩ፡ ወይ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብከምዚ ዓይነት ዓውዲ ዝተመረቐ’ዩ ‘ዮም ዝብሉ። ብፍላይ ንሕና ናኣሽቱ እንከሎና ወዲ ኩስቶ ‘ኮ ማትሪክ ኣምጺኡ ክበሃል እንከሎ ኣዝዩ ኣደናቒ ነገር’ዩ ዝሕሰብ ነይሩ (ኣብ እዋኑስ ዘገርም እዩ)። እዚ ድማ ናይ ምዕባለ መሰረት ካብ ዘለዎ ህዝቢ ከም ዝኾንና’ዩ ዘርእይ። ብኣንጻሩ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብሉጽነት ናይ ሰብ ብገንዘብ‘ዩ ዝትመን።
Asmara university 
     ንሓደ ዓርከይ ኣዲኡ፡ ወዲ ኩስቶ ተመሪቑ ወይ ድማ ማትሪክ ሓሊፉ ክትሰምዕ እንከላ፡ ምስኪናይ ዓርከይ ዝገበረ ዘይብሉ፡ ጠፍ እንዳበለት ‘ወዲ ኩስቶ ርኢኻዮ ነቨሪስቲ ኣትዩ፡ ንሱን ጽሬቱን ስነ-ስርዓቱን ሰብ ዘዛረበ፡ ኣንታ ዶራን’ እንዳበለት ተዳኽሞ ከምዝነበረት እንዳ ሰሓቐ የዕሊሉኒ። ንሱ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 10 ወይ 12 ዓመት’ዩ ነይሩ። …..  ብሉጽ መጻኢ ዉሉዳ እትምነ ኤርትራዊት ኣደ’ያ። ካልእ ኣይኮነን……..
ኣብ ተስዓታት ዩኒቨርሲቲ ዝኣተወ ሓደ ወዲ ገዛውትና ፡ ፍቕርን ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲን ኢሉ ከዕልል ከሎ ዳርጋ ዝሓተትካያ ጓል ዘይትኣቢ ምንባራ ኣብ ምሁራን ዝነበረ ክብሪ እዩ ዘጉልሕ ኢሉኒ። ብታሴራ ጌርካ ሲቪ ተቕርብ ናይ ፍቕሪ ባይታ ድማ ይጣጥሓልካ ወይ ግዜ……
      ትምህርቲ ኣመዛዚንካ ምሕሳብ፡ ዓሙቊ ግንዛበ ንምህላው፡ ሕብረተሰባት ዘንቅሕን ብሕጊ ክምራሕ ዝገብርን ኣገዳሲ ነገር’ዩ፡፡ ብቀንዱ ድማ ውህሉል ፍልጠትን ሓሳባትን፡ ምህዞታትን ርኽበታትን ብስሩዕን ሓጺርን ኣገባብ ንምጥቃም ባይታ ዝፈጥር እዩ። ትምህርቲ ኣይውዳእ’ዩ፡  ኣብ ኮለጃት ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝምረቑ ኤርትራውያን ንሕና ኣብ ክንድዚ ዓመተ-ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ/ኮለጅ ዝኣተና ወይ ብልሙድ ኣጸዋውዓ ‘ባች’ (Batch) ኢና ኢሎም ከዕልሉ ይስምዑ። ድሕሪኣ ድማ ትምህርቲ ብክንድዚ ዓመተ-ምህረት ወዲአ እትብል ዘረባ የስዕቡ፡፡ ልክዕ ከምታ ዝብልዋ ድማ ናይ ብሓቂ’ዮም ትምህርቲ ዝጽንቅቁ። ዝበዝሑ ድሕሬኡ እትንበብ መጽሓፍ ወይ ዝግበር ምርምር ዳርጋ የብሎምን። በቃ ዲግሪ ምስ ተሰቕለት ተወዲኣ! ኣብ ሳሎን ናይ መመረቕታ ስእሊ ትስቀል፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ከኣ ኣብ ካምፓስ እንከሎና እትብል ዕላል የቃውሱ። ገለ ኣብ ኣእምሮኦም ዝተወቀጣ ጥቅስታትን ቃላትን ኢንግሊሽ እናሓወሱ ድማ ኣብ ሓደ ጋማን ክብሉ ትንፋሶም ይወጹ።
    
Young Eritrean graduate students
ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ብካምፓስ እንከሎና እትብል ዕላል ዘይደኸመ ሰማዒ የሎን። እንተ’ቲ ትምህርቲ ዝቕጽል ግን ኣዝዩ ዉሑድ’ዩ። እዞም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ከም ልምዲ ናይ ናጻ ምዕዶ ከምዝህቡ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዮ። እወ እንታይ ድዩ መሲሉካ ኢሎም ድማ’ዮም ዝጅምሩ……….. ዓውደ- ተራፒ  ሞይታ! ገለ ተጫረቕቲ፡ እዛ እንታይ መሲሉካ እትብል ሓረግ ካብ
First of all I would like to say…….. እትብል ካብ እንግሊዛዊት ናብ ባህላዊት ሓረግ ዝማዕበለት ምዃና ይዛረቡ።
     ገለ መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ብሉጻትን ተወዳደርቲን ከም ዝነበሩ ገይሮም’ዮም ዘዕልሉ። ‘ኣብዚ ስደት እዞም ናኣሽቱ ኣሕዋትኩም ብትምህርቲ ቀዲሞሙኹም።  ዶክትሬይት  መዓርግን ካልእን’ኳ በጺሖም' ኢልካ እንተተዛሪብካ፡ እንታይ ማለትካ’ዩ ኢሎም ኮርነፍ-ነፍ ኢሎም ኣፍንጭኦም ንላዕሊ ብምጋብር ምንሽር ይመስሉ። ነገረ ‘ምሁራን’ ኣይተእኻእለን ሎሚ-ዘበን፡ ወይ ሰብ ደቀይ……..

     ገለ ምሁራን ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ ዓቢ ጸገም ኣለዎም። ትግርኛ ቋንቋ ከም ምልክት ድሕረት እዮም ዝሓስብዎ፡ ኢሂ እንተበልካ መልሲ የሎን። እሞ ብእንግሊዘኛ ጸሓፉልና እንተበልካ ከኣ ግብረ መልሲ የሎን። ገለ-ገሊኦምሲ ወረግ ብትግርኛ ምንባብን ምጽሓፍን ኣይመጸለይን እዩ ይብሉኻ (ብምንታይ ከም ዝሓልሙ እኮ ግምት ኣሎና)፡ እዞም ሰባት ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት (ሶሻል-ሜድያ) ብትግርኛ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ፡ ብድኹም ብቕዓት እንግሊዝ ርእይቶ (ኮመንት) ከቐምጡ ተዓዚብኩም ትኾኑ ኢኹም።

    
Eritrean institute of technology of Mai Nefhi 
ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ‘ኳ ምሁራን ክመርሑና፡ ብዙሓት ዝተዓጽዉ በሪ ክኸፍቱ፡ ነዓኦም ኮይኖም ንህዝቢ ክኾኑ’ዩ ‘ቲ ትጽቢት፡፡ እንተኾነ ‘ዞም መንእሰያት ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፡ ንዝመራመርን ዝሰርሕን ሰብ ኣብ ምድኻም ተዋፊሮም ይርከቡ። ዝተሰርሐት ነገር ወይ ዝፈረየት ነገር ኣበር ምድላይ ሞያ ተቖጺሩ፡ ኣይገርምን? ብፍላይ ቀደም ዝፈልጥዎ ሰብ እንተደኣ ነይሩ፡ እሞ ድማ ኣብ ትምህርቲ ብተርታ (ደረጃ ወይ ነጥቢ) ይቕድምዎ እንተነይሮም፡ እዚ ሰብ ድማ ኣብዚ ግዜ ገለ ብሉጽ ነገር ክገብር እንተጀሚሩ፡ ‘ኩስቶ ደኣ’ኮ ሳክት ‘ዩ ነይሩ’። ‘ነዓኹም ‘ዩ ኮኾብ እምበር ነዓይ’ኮ ወላ ከምታ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ዘይብላ ወርሒ ከማን ኣይኮነን’ እትብል መነኣኣሲት ሓረግ ምድርባይ መን ኢልዎ።
     ገለ ፍሉያት ምሁራት ኢና ባሃልቲ ድማ ሓድሽ መንነት ከናድዩ ምርኣይ ሓደ ዘደንጹ ነገር ኮይኑ’ሎ።  እቶም ገንዘብ እንዳ ተኸፈሉ ከምኡ ዝብሉ ወልሓንቲ ክንብሎም ኣይንኽእልን፡ ጥራይ ስራሕ‘ዩ ኢልና ንሓልፍ። እቲ ዝበዝሐ ሰብ ከም ባጎኒ ተጎቲቱ ዝኸይድ ምሁርን ገለን ግን ንብሎ ጨኒቑና። ናይ ምንታይ መጋበርያ ይበሃል? ኣበየናይ ማይ-ጸሎት ወሲድካ ትፍውሶ? መከራ ዩ።

     በቐዳማይ ሓደ ዶኩመንታሪ ይከታተል ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ንሰማያት ዓለም ሕጊ ትራፊክ ክወጾ ኣለዎ፡ ሳተላይት በዚሐን ክብሉ ሰሚዐ። ፈይስቡክ ናይ ገለ ኤርትራውያን ምስ ኣንበብኩ ከኣ…….. ናብ ጥንታዊ ምዕባለ ክንምለስ ኣሎና? ም…ቕ…ና…ይ… ጥራይ !!
    ኣብ ማሕበራዊ-ሜድያ ዝግበር መብዛሕትኡ ሓድሕዳዊ ክትዕ ኤርትራውያን ምሁራን ኢና በሃልቲ ምስ እንዕዘብ፡ ስምዒት ዝተሓወሶን ናብ ዉልቃዊ ጉዳያትን ጻዕዳ ሽጉርቲን ጉዕላይን ኣዝማሪኖን’ዩ ዝኸይድ።
    ስለዚ ንነብስኹም ኣብ ከምዚ ደረጃ እንተረኺብኩማ፡ ምስታ ኣብ መንደቕ ገዛ ስድራኹም ዘላ ስእሊ ናይ መመረቕታ ጋውን ምስ ቆቢዓ፡ ሓንጎልኩም ሰቒልኩማ ከምዝመጻእኩም ዘክሩ!

ኤዲተር፡ ኣስመሮም በርሀ



No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...