ካብ ብንግህኡ ዘይኣመለይ ነታ ሰዓት 7፥00 ኣላርም ሃሪማ ናይ ስራሕ እዋን ኣብ ምእኻሉ'ዩ ኢላ እትሕብር ጻውዒት ሞባይለይ ፡ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዝኸውን ቀዲመያ ተበረበርኩ። ክሳብ ግዚኣ ኣኺሉ ደወል እትሃርመለይ ብስነስርዓት የ ዝሕልዋ። ንሳ ውን ለሚዳትኒ ወይ ተወሃሂድና " ግዲ ኮይንናስ ሕሉፍ ሓሊፉዋ ቀዳመሰናብቲ ውን ከይተረፈ ተዘክረኒ። በቲ ሓንሳብ ዝኣተናዮ ዉዕል" ንሳ ከይትድንጉይ ወይ ቅድሚ ግዜ ደወላ ከይትሃርም፡ ኣነ ውን ብተመሳሳሊ ቃልና ኣዕቢርና ኣይንፈልጥን።ኣብዚ ናይ ሎሚ ንግሆ ዝነበረ ሓዲሽ ባህርን ናይ ስሚዒታት ምቅይያራትን ግን ከየሰከፈኒ ኣይተረፈን። ኣብ ጋራጅ ከም ዝቀነየት መኪና ፡ ልበይን ኣኣሙሮይን ዓጠ-ጠጥ ክብል ተፈለጠኒ። ልበይ ሻቅሎት ክሰቅል ንእለቱ ደቃይቅ ኣይወሰደን። ብዛዕባ ምንታይ ይሻቐል ወይ ይርበጽ ኣሎ ግን ወላ ሓደ ዝፈልጦ ተኣምራት የብለይን ይብል ገሬ እሙን "ዝፈልጦ ሓዲሽ ኩነት ዝተኸስተ ኣይነበረን።ስራሕ ግድን ክኸይድ ክሳብ ዝነበረኒ ከይፈተኹ ከም ዘይተመስሐ ጓሳ ብዕጥይ-ምጥይ ሽሕ'ዃ ንድሕሪት ቀባሕ-ባሕ ይብል እንተነበርኩ" ኣብ ስርሐይ ግን ልክዕ ኣብ ግዜይ ክርከብ ስለዘለኒ፡ ከምኡ ከኣ ገበርኩ።
ስራሕ ተጀሚሩ ምስ መሳርሕተይ ዝኾነ ይኹን ቃል ከየምለቅኩ ወዓልኩ። ነቲ ብዘይ እኹል ኣታዊ(ደሞዝ) ምሉእ ጉልበትና ነፍስሰሉ ዘይሕጋዊ ስርሓና ጭርቃን ኣሰኒና ንሓልፎ ስለዝነበርና፡እሞ ኸኣ ኣብቲ ግዜ'ቲ ዘይምስለይ ተቐቢኤ" ፍሕሹው ትርኢት ገጸይ፡ ሓያል ፍግረመሬት ዘጓኖፎም ኣግራብ እንክመስል፡ ጅማዉተይ ብትሪ ተገቲሮም ክብንጠሱ ዝተሃወኹ መሲሎም ዘስተብሃሉ መሳርሕተይ በብሓደ ኩነታተይ ክፈልጡ ብሕሹኽታ ክሓቱኒ ፈተኑ። ዝህቦም መልሲ ግን ንጸላኢኻ ኣይትምነዮን። በቲ ዝብሎም ዝነበርኩ" ንምሉእ መዋእል ዳግም ክዛረቡኒ ዘይኮነስ ክሪኡኒ ዘሰንብድ ቃል'የ ዝድርብየሎም ዝነበርኩ። ተተሓቢኦም ብሕሹኽታ ብትሑት ድምጺ ክስሕቁኒ ኣስተብሃልኩ። ሕርቃነይ መሊሱ ናህሩ ወሰኸ። ደጊሞም ካባይ ኩዉል ብምባል schwarz (ጸሊም) ክብሉ ብጸጋመይ እዝነይ ተጸናጺነ ከም ሓያል ሰለያ ሰማዕኩዎም። መዓስ ሞ ሰናፍ ኮይነ " ከምዛ ነብሪ ነጢረ ኣብዛ ዝባኑ ክሕንገሮ ሰከንድታት ኣይወሰድኩን። ኣብ ርእሲ ሕርቃነይ ብዓሌትነት ምልዓሎም መሊሱ ሓዊ ተዘርኣኒ። ሓላፊና ተደዊልዎ ብቅጽበት መጽዩ በብሓደ'ዃ ከዘራርበና እንተፈተነ ፡ ብቐሊሉ ክዝሕል ኣይከኣልኩን።ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትጽናሕ ከምዝብልዎ፡ ምእንቲ ንኽብሪ'ቲ ስራሕ ብምባል ሓደግኩሎም።ብይቅሬታ ምሕታትን ብይቅረ ምሃብን ጉዳይና ዓጺና ስርሓና ፈጸምና።
ግዳ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ክምለስ፦ ንልበይ ዝሰበረ ብዂናትን ምሳይላትን ዝዓነወ ኣደራሽ እንክመስል፡ "ሃዶሽዶሽ " ፈደስደስ " ኢሉ ዝዓነወ ጉዳየይ እንከሎኒ ብኣንጾርጹሮት ዝኣክል ክሳብ ካብ ስራሕ ክባረር ቁሩብ ተሪፉኒ ነይሩ ኢዩ። ፍዳሴ ኮይኑ ነናብ እነዕርፈሉ ክፍሊ ኣምራሕና።ቤተይ ብሰላም ምእታወይ ሓደ ዓቢ ሕልሚ ዝጨበጥኩ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ብናፍቆት ንብዓት ዝቛጽሮ ዝነበርኩ ሰብ ከይሪእየኒ ከም ሓዳሽ መርዓት ብድንን ድንን ጸረርታ ማይማዮ ምልክት ሕንቅንቅታ
ንፋጠይን ንብዓተይን ክሕብስ ጀመርኩ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ውን ምናልባት ትቅበላ ዶ ትኸውን ዝብል ዘይሕለል ሓሳብ ኣንቂለ፡ ክድዉል ፈተንኩ። ብሎክ ከም ዝኣተኹዋ ሓበረኒ። ጌጋይ ከይተነግረኒ፡ ብዘይ ብጫ ቀያሕ ካርድ ዘይኮነትስ ካብ ሕጂ ንንዮው እትደሚ (እትቅይሕ) ልቢ ብምውሳደይ ኣብ ኣደባባይ ከሲሰ ከምዘየድሕና ንእለቱ ተፈለጠኒ። ናይቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ስሚዒትን ኩነታት ኣመዛዝናይን እንቖዕ ፊትንፊት ኣይምረኸብኩዋ " ሕጂ ክዝክሮን ክሓስቦን እንከለኹ ዝብሎ'ዩ። ጡፍ ዝበልካዮስ ተመሊሱ ናብ ጭሕምኻ'ዩ ኮይኑኒ። ግን ከኣ ንመን'ሞ? ዝብሉ ዲሒሮም ዝስዕቡ ሕቶታት ንኽምልስ ወላ ውን ክንዲ ጽፍሪ ትኹን ዓቅሚ ኣይክህልወንን ኢዩ። ብድፍረት እንተመለስኩሎም ውን ሕልናይ ክቐጽዓኒ ዩ። መሬት ብንግህኡ መዓልታ ከምዝኣኸለ ጥንስቲ ሰበይቲ ክቐላልወኒ ዘርፈደ'ስ፡ ለካ ቆፎ ምሉእ ንህቢ ብዘይ ሽም (ንግስቲ) ትርጉም ኣልቦ ዩ።

ንጥዑም ቃና ሉስሉስ ቃላትኪ ፡ ኣኣዛነይ፡ ልበይን ካብ ዘይሰምዖ ድሮ ሳልሳይ መዓልትና ንኽኸውን እዛ ትበርቅ ዘላ ጸሓይ ዉዕሎ ሎሚ ትመስክር። ዓበይቲ ዓዲ" ክሊ ወይ ሕዛእቲ ዶም ምስ ገበርሉ፡ ካብዚ ኣይእቶን ኣይፍቀድን ኢዩ። ሓራም'ዩ ኢሎም ብዝመልእዎ ኣእዛነይ ወይ ኣእሙሮይ" ኣብ ቦኽሪ ፍቅረይ ሓራም ድሕሪ ደጊም ምስ ተበሃልኩ "ካብ ምሕራም'ሲ" ምእራም"ባ ንቐይሮ እንዳበልኩ ብቑዘማ ብትካዘ ኣብ እዋን እቶ-እቶ ክሰናበተኪ።
ተኽሉ ተስፋገርግሽ
10-09-2019
ካብ ገማግም ኣትላንቲካዊ ዉቅያኖስ
No comments:
Post a Comment