Wednesday, October 2, 2019

ኣወል ንእስነተይ



        "ተወለድ" እትብል ናይ ኣድንቆት ሞጎስ ወትሩ እናፍቃ መርገምን  ጥንቅሊዒት ኮይንካ ዝሸንካዮን' ተገምጢሎም ናብ ነብስኻ" ኢያቶም  ክብሃል ካብ ዓበይቲ ወለድን ለባማትን ክምሰል ይሰምዕ'የ።ወዲ 35  ዓመት ጎበዝ በጽሒ  ኮይነሉ ኣብ ዝለኹሉ እዋን " መን ኢኻ" ‘ካበይ መጺኻ" ናበይ ኢኻ? ብምባል ዉሽጣዊ መንፈሰይን ሰብኣውነት ዘስረጾ ሕልናይን ንዕዳ ተግባራውነት ንእስነተይ ብእልቢ ዘይብሎም ሕቶታት በብመስርዕ እንዳደራደረ ከዋጥረኒ ጀሚሩ'ሎ። ሂወት ጥዕምትን ንጽህትን ከም ማይ ንግሆ ንወሃባ ፍልይቲ ህያብ ፈጣሪ ኢያ ብዝሃብናያ  ፍረ ዉጺኢት ተግባርና ከኣ ትምቅርን ትዕርዕርን። ሰብ ብሰብ ክስንክል" ሰብ ብሰብ የእሙርኡን ኣንፈት መጻኢኡን ክስሕት ካብ እንከሎ ዘሕዝነኒ ነገር የልቦን። ኩቡር ወላድየይ ከም ዘርኢ ዳጉሻ ብግዜ ዘሪእካ ወይ ሰጢሕካ እትሓድጎ ማይ ምስ ረኸበ ዝቦቁል፡ ኣብ ማህጸን ክብርቲ ወላዲተይ ኣቀሚጡኒ ንናጽነት ሃገር ኣብ 1983 ምስ ብጾቱ ንኲናት ተጸብረ። ኣደይ ነዓይ ንምዕባይ ክንደይ ልዕልን ታሕትን በለት። እቶም ጎረባብትና ሩኹባትን ምሉኣት ስድራን ብምንባሮም ምስ ምሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ይዛወሩን ዝደለዩዎ ይገብሩን ይሓቱን። ኣብቲ ግዜ'  ኣቦይ ገዚኢለይ  ኣቦይ ዘርዩለይ ክብሉ ክሰምዕ እንከለኹ ብቅንኢ  ኣደዳ ብኽያትን ንብዓትን ይኸውን ነበርኩ። 
      
ኣብ ርእሲኡ ውን ዝወርደኒ ዝነበረ ጊፍዒ በቶም መሳቶይን ምዕባየይን መላገጺ ወይ ተለኣኣኻይ ናቶም ሰራሕተኛ ይገብሩኒ ነበሩ። ብፍርሒ ሪዒደ ኣብ ሕልሚ ድቃስ ለይተይ ከይተረፈ ብበትሪ ዝቅጥቁጡኑን ዘፈራሩሑንን ከምዘለዉ ብኣውያት ገዛ ክልተ ይገብራ………..
ኣደይ" ወደይ ተጸሊሉኒ ምበርእቲ ኣነ ዝነግራ  ወይ ከምዚ ገይሮምኒ ዝብላ ብምሒር ኣብ ስራሕ ምጽማዳ ተርክበሉ ይረኣያ ኣይነበረን።
         ጥርዓነይ ክሳብ ዘይሰምዐቶ፡ ዝኾንኩ ኮይነ ኣብ ሎለይ ንዝወርድ በደላት ናተይ ኢለ ተቀበልኩዎ። ከም ዕጫይ ዝበጽሓኒ ጎሲመዮ አስቅጥ። እቶም ዓዲ ውን ንወላዲተይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እንዳ ኣምጽኡ እዚ ዘይብሃል ክሲ የቕርቡላ ነበሩ። ዝሓልፈላን  ብጉዳያ ዝግደስ  ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይነበረን ሓዎቦታተይ ሃፍታማትን ምሉኣት ስድራን' እንተኾኑ፡ ብጸገማትና ዝሕጎሱ፡ ብጥምየትና ስሕቁ'ዮም ዝነበሩ።
Add caption

ብገለ ኣጋጣሚ ምስ "ምስእትስነፍ" ኩሉ ኣብ ልዕሌኻ እሸነልካ። መሬት ከም ዘነኣሰቶም ኣብ ዝባንካ ንኽረግጹ ድሕር ዘይብሉ ድማ’ዮም ዝነብሩ።  ስለዝኾነ ኸኣ' እዚ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ። ልቢ ክሰኲዕ ምስ ጀመርኩ ብዛዕባ ኣቦይ ክሓታን ከጣቅን ፈተንኩ። ድሕሪ ግዜ ግን ምእንቲ ንናጽነት ሃገርን ንሓርነት  ህዝቡን  ዕሸል ንእስነቱ "ንመስዋእቲ" ከምዝወፈየ ንዓኣ ከም ጅግንነት እንዳ-ተሰመዓ ብሓበን ከተበስርነኒ  ብምባል ኩሉ ጸወየትኒ። እንተ ነዓይ ግን ክልተ ሞት ኮይኑ" ድርብ ሓዘን ተሰምዓኒ። ተስፋይን ሕልምታተይን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክሞቱ ተፈለጠኒ። ክኣርዮምን ክጭብጦምን ዓቅሚ ሰኣንኩ። ኣብራኸይ ዓጺፈ፡ መታልሐይ ብክልተ ኣእዳወይ ሒዘ ዋይይይ. .ኣይወለድ  ተወሊደ " ብምባል ንነብሰይ ረጊመ ኣይጸገብኩዋን። ናጽነት ዉሉዱን ክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ዘየውሓሰስ ንናጽነትዞም ጎሓላሉ ሓዎቦታተይን ዞም ዝሪኦም ዘለኹ ገፋዕተይን ክብል ሂወቱ ሂቡ! ብምባል ደጋጊመ ኣዳመጽኩላ።
         
እዚ ወዲ 10 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ  ግዜ ዝኸውን ዘሎ፡ ትምህርቲ ውን ሽዑ ጀመርኩ። ወላ ኣብ ትምህርቲ ዝርደኣንን ንፉዕን' እንተነበርኩ" ኩሉ ከምዘይምልከተኒ ርእሰተኣማንነተይ ኣጥፊአ፡ ደፊረ ነቲ ቅኑዕ መልሲ ይህብ ኣይነበርኩን። በቃ ብኹሉ ተወጺዐ ኩሉ ነገር ክወሃበንን ክንገረንን ደኣ'ምበር" ባዕለይ ዝገብሮ ዘሎኒ ኮይኑ ኣይተሰመዓንን መጻእየይ ተደፊኑ፡ መስሓቅን መጻወትን መታዕቢተይ ኮይነ ንድሕሪት ተደርበኹ። ትምህርቲ ውን መሊሱ ጭንቀት ወሰኸለይ ……. ክገድፎ ውን ወሰንኩ።
ካብ ገዛይ ክወጽእ  ከምዘለኒ በቃ ንቅድመይ ክበርር ከም ዕረብ እንስሳ  መረጽኩ። ነዚ ዘዕበየኒ ህዝቢ ፈንፈንኩዎ። ትምህርቲ ጭካነን ትዕቢትን ብግዴታ ኣብ የእሙሮይ ኣስፊሮምለይ። ኣይሽንዃ' ምስኡ ክነብር፡ ካብ ገጹን ልምጽማጹን ንዘልኣለም ክኽወል መረጽኩ። ሃጽ ኢለ ውን ጠፋእኩሎም።  ዓዲ ዘይብሉ ኣስመራ ዓደይ በለ……. ንኣስመራ ብገለ ጥብ በልኩዋ። ዘይፈልጦ ጎደናታት ኣስመራ ኣዒንተይ ሕውዝውዝ ኣበለለይ። መግረፍቲ ቁርን ጥሜትን ኣብ ዝባነይ  ከም ማሕዘል "ኣደ" ተጸዓነኒ። ኩሉ ዝወርድ ዘዝኸፍአ  ዘዘኒቡ ኣብ ዝባነይ ይጽሒ። ኣብቲ ብጽሬቱ ከም መስትያት ኮይኑ ዝገልግል ዝመስል ጎደናታት ኣስመራ" ፉቁራት ሰተ-ብራሸ ተጠማጢሞም፡ ጀላቶኦም እንዳለሓሱ ምቁር ዕላል ፍቅሪ እንዳኣውግዑ ክኸዱ እንከለዉ ድራር እለት ሲኢነ የዒንተይ ቆርቊረን ንዘላትኒ ረቃቅ ካምቻ ብናይ ንንውሓት ግዜ ምልባሳ፡ ሞላጉማ ዝተበንጠሳ እንዳጸቀጥኩ፡ .....ፈጣሪየይ ፈጢርካኒ ኢኻ ካብ ሰበይ' ኣይትፍለየኒ። "ተወለድ ከይተበሃልኩ" ኣይትወለድ ዝተበሃልኩ ኮይኑ ይስመዓኒ'ሎ። ስለዚ ናተይ ብርሃን ከኣ ይሓተካ ኣለኹ!" ንብዓት በየን ክወጽእ ቀደም ብቁልዕነተይ ነቢዐስ ነቂጸ' እንተ እቲ ፊቅ-ፊቅታ ግን ወትሩ ምሳይ እናሃለወ ንፈጣርየይ ዝለመንኩዎ ዩ።
         
ብድሕሪ' መዕቆቢ ወይ ውን መዐንገሊ ኣይረኸብኩን። ኣብቲ ጎደናታት ብቁርን ጥሜትን ዳተገረፍኩ ዝሓሰብኩዎ እንተነበረ፡ በቃ ንቅድመይ ዝጸገመኒ ወይ ካብ ድሌተይ ዝኸልከለኒ፡ ወይሉኡ እትብል ጥራይ  ነበረት፡ ከምኡ ውን  ኮነ!
 ሽፍትነት ክምሃሮ ግዜ ኣይወሰደለይን። ዝጀመርኩዎ  ሜላ ስርቂ  ጥርዚ ዓወት ሌባንነት ከብጽሓኒ ኪኢሉ። ቡኡ ኣቢለ  ክነብር ውን በቓዕኩ፡ ተመሰለለይ ድማ። ኣይበላዕ ብላዕ ስርቂ ስርሐይ ኢለ ሓዝኩዎ። ጁባይ ከህጥር ከም ቋሕ-ሰም ኮነ። ጉብዝናይ ምስኡ ብቅጽበት ማዕበለ። ተሓዚ ዝሰኣነት ነፍሰይ ሽፍታን ዕዋላን ንክኸውን ብዘይ ትምህርቲ ሰይጣናዊ መንፈስ ሰረጸኒ።ንዝኣበየትኒ ጓል ብገንዘብ የስድዓ፡ ድሕሪ ምርኻበይ ግን ዳግማይ ክሪኣ ኣይደልይን። ሰብ ሰብ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ዝኣዘዝኩዎም ዝገብሩ ናተይ ዓሳክር ብገንዘበይ ኣጥረኹ። ኣብ ኣስመራ ጻዕዳ ክንደይ ሚስጢር ዘይትሓቊፊ" ጌና ብዙሕ ጉዕዞ ስለዘሎኒ" ሓደራኺ ሾተይ ክሳብ ዘመዝግብ ንንፋስ ኣይትሃብኒ ክብል ንፈጣሪ ረሲዐ፡ ርክበይን ጸሎተይን  ምስቲ ጎደናታት ሽፍትነት ኮነ ብዘይ ጓል ኣይሓድርን፡ ኣይውዕልን ውን ክብል ጀሚረ። እቶም ብገንዘብ ናብ ድላየይ ዘብሎም ዓስከረይ ዝኣዘዝኩዎም ንኸምጽኡለይ ዱሉዋት ዮም። ተዘይኮኑ ንጭካነይ ኣብተን ዝሕዝወን ደቀንስትዮ የሪኦም ነበርኩ። ኩለን ባራት ኣስመራ ልክዕ ከም ካንዳፊ ብሚስጢር ክፈርሃኒ ጀመራ። ሓይሊ ጭካነ ብምርኣይን ብገንዘብን ዝበልኩወን ንኽገብራ ድሕር ኣይብላን። ክሰቲ እንከለኹ እቶም ዘሳቅዩኒ ናይ ግዜ ቁልዕነተይ እቲ ጨካም ህዝብን መታዕቢተይን  ቅጅል ይብሉኒ፡ ‘ንዓዲ ኪድ ሕነኻ ፍደ’ ዝብል ትእዛዝ ውን ንእለቱ ብተደጋጋሚ እናመጸ ይርብሸኒ ነበረ።
         
ኣይጸንሓኩን ከኣ ንዓዲ ብምውራድ ጽኑዕ ናይ ስለያ ስራሕ ድሕሪ ምክያደይ በብሓደ ከጽንቶም ጀመርኩ። ሰለስተ መንእሰያት ብሕክምናዊ ክንክን ክሓውዩ እንከለዉ እቲ ቀንዲ ጫካን ጠንቂ ዘርጊ ሂወተይ ዝነበረ" ግን ክቀትሎ ተገዲደ። ዝጥቀመሉ ሜላ ወይ ስልቲ ሕጂ ክገልጾ ኣይደልይን። ንባዕለይ ካበይ ተማሂረዮ  ጠቅላላ  የሰንብደኒ'ዩ። ድሕሪ ነቲ ዘሳቅየኒ ዝነበረ ምቅታለይ" ኣብ 2009 ንስደት ኣምርሓኩ። ኣብ ሊብያ እቲ ቐንዲ ስርሐይ ሰብ ምስቃይን ምግፋዕን ኮነ።  ስሚዒተይ ዘየርወኹላ ጓለንስተይቲ በቲ ዝነበርኩዎ ካምፕ ትሓልፍ ኣይነበረትን። ገለገለ እዋን ግን ሰብኣውነት ይስመዓኒ ነበረ። ብዝያዳ ጡኑሳትን ህጻናትን ክሪኢ እንከለኹ" ነታ ነዓይ ንምዕባይ ላዕልን ታሕትን እትብል ርህርህቲ ወላዲተይ እዝክር ነበርኩ። ኣብዚ ግዜ'  ሓንቲ ካብተን ደቀንስትዮ፡ ሉዋም ዝስማ ቴሌፎን ክትድዉል ናብታ ንእሽቶ ክፍሊ ብምእታው ከምዚ ክትብል ምኽራ ለገሰትለይ፡ ንስኻ ብሩህ መጻኢ እንዳተጸበየካ ሰብ ተሳቂ ‘ሎኻ መንእሰይ እንዲኻ "ናይ ኣጉባዝ ሕሰብ። ዓለም ኣበይ በጺሓ ኣላ! ግን ከኣ ፈቲኻ ኣይኮንካን' መስለኒ፡ ዓቅሚ ገንዘብ ተኾይኑ ኣነ ጓል ሩኹባት ‘የ፡ ዝበልኩዎም  ክሰዱለይ ስለዝኽእሉ፡ ምሳና ነዓናይ ግደፎ ስምስርና ኣንፈት ስድራኻን መጻኢኻን ግበር። ምስ በለትኒ" ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ዝን ምባለይ" ገንዘብ ቀደም ሓርቢቱኒ ነይሩ፡ እዚ ሰብ እንከለኹ ብነኪ ሰብ ዝጨከንኩ።
       
 ሰብኣውነተይ ዝረስዓኩ፡ ልውህና ንዘልኣለም ካብ ሂወተይ ዘባረርኩ ሰብ' ኣነ’ ሕጂ ግደፍኒ እስኪ ጽቡቅ ኣለኹ ብምባል ናብ ቁዘማ ኣተኹ። ኣይተረደኣንን እንታይ ትብል ከምዘሎኻ ኣይሓዝኩኻን።" ገንዘብ እንተሃሉዩካ' ኣብዚ ናይ ደምነት ስራሕ እንታይ ዘስርሕ ኣሎካ? ብምባል ርእሰይ ልበይን ኳሕኲሓ ኣናወጸትኒ።  ዘመድ የብለይ ሓው ውን የብለይን። በቃ ነዓይ ከምቲ ሰብ ክኾኖ ዝግበኣኒ"ይትረፍ ሰብ ክገብረኒ ንዝነበረኒ ጸጋ ትዕድልቲ ፈጣሪ ብሓይሊ ሰብ ዝተመንዛዕኩ  ዉጹዕ ሰብ ኣነ። ሰብ የብለይን ኣነ ብምባል ብዓውታ ነደርኩ። ደሃይ ወላዲተይ ካብ ዘይፈልጥ ድሮ 20 ዓመት ኣቢለ ቆጺረ ኣለኹ። ወዲ 15 ካብ ቤት ማእሰርቲ ማለት ገዛይ ምስ ወጻኹ'የ። ክብል ንኹሉ ሂወተይ ዘርዚረ ነገርኩዋ። ኣግርሞታ ሰማይ ዓረገ፡ ትብሎን ትሕዞን ጨኒቁዋ ምቁጽጻር ሰኣነቶ። ንብዓት ብክልተ መዓጓጉርታ ጸረር ጸረር ክብል ጀመረ። ንእለቱ ስሚዒት ዉዕዉዕ ሓዲሽ መንፈስ ዓሰለኒ። ምስኣ ክነብዕ ውን ጀመርኩ።
         
ሰብኣውነት ዝተስምዓ ልዋም ናብ ንቡር ሂወተይ ንምምላስ ከም ዓቢ ፕሮጀክት ተተሓዘቶ። ከተረድኣኒ ግዜ ኣይወሰደላን።   ከም ስዉር ሞሎኮት  መንፈሳዊ ኣምልኾ፡ ኣብ ዉሽጠይ ክትሰርጽ ደቃይቅ ውን ኣይወሰደትን። ካብቲ ናይ ሰይጣናዊ ስራሕ ብሓይሊ ጥበባን ልቦንኣን ቅንዕንኣን ኣውጺኣ ለውሃትን ድንጋጸን ለጊሳ ሓዲሽ ሂወት ዘሪኣ፡ ኣብ ሃገረ ስዊዝ ኣዕቁባትኒ ትርከብ። ኣብቲ ዉልዶ ዕድመይ ክምሃረሉን ክዕምብበሉን ዝግበኣኒ፡ ንፍርቂ ዕድመይ ኣብ ጨምለቅለቅ ምሕላፈይ፡ "ኣይትወለድ " ኢለ ዝጀመርኩዋ ቃል ነዓይ ዝተደርሰት ኮይኑ እንዳተሰመዓኒ፡ ፍቅሪ ወላዲተይን ቤተሰበይን ሃገረይን ኩቡር ባህሊ ዝሓዘለ ሕብረተሰበይን  ሲኢነን ተሓሪመንየ።   
ስለዚ ኢየ ከኣ ነዛ ድያረይ  "ኣወል ንእስነተይኢለ ዝሰመኹዋ

 
ብተኽሉ ተስፋገርጊሽ
  01-10-2019

ኤዲተር:-  ዲናር ‘DON’ ሕሩይ

7 comments:

  1. ተኪላ ዓርከይ ገለ ዓይበት ቀስቂሳትኒ ድያ ገለ ባእባእ በጃኻ ከምዚታትዩ ተሓሪሙና ደሎ ቀድሎ ኢኻ ዓርኩ

    ReplyDelete
  2. ኣዝያ መሳጢት ታሪኽ ምስ ብሉጽ ዋሕዚ ትረካ ዘለዋ ጽሕፍቲ። ካባኻ ብዙሕ ክንጽበ ኢና ተኽሊኖ።

    ReplyDelete
  3. btami mesatit xhuf teklu arkey .kexlo eka tewhbo kem zeleka eka ab xhufka yrea alo
    dhri gzie wn mexhaf xhifka kem tmexena ayteratern ey

    ReplyDelete
  4. ዓቢ መልእኽትን ትምህርተን ዘለዎ እዩ ዛንታ ጹሑፍካ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ገለ ሓደ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ከምዚታት ኣሎ። እዚ ከኣ ጽቡቅ ኣይኮነን። ካልእ ብኸምዚ ዝዓበየ ሰብ፡ ኣብዘይ ተደለተ ዕዳ ንእስነት ኣትዩ፣ ብሩህ መጻእእዩ ይጽልምት። በዚ ከኣ የሕዝን። እቲ ዝዓበየ መልእኽታ ናይ ጽሑፍ ኸኣ ከለ ገና ተነቃቅሕ (እትምህር) ሙዃናዩ። እዚ ከኣ ብዙሕከርተት ኢልካ ኣብ ሕማቅ ተዋፊርካ፣ እቲ ቅድም ምስ ሰብ እናነበርካ ከምዚ ናይ ልዋም ሓፍትና ጌሩ ካበ ጌጋ መንግታትካ ዝመልሰካ ሰብ ስኢንካ ነይርካ። እዚ ኸኣ ንኸምዚ ዓይነት ሰብ ክንእርሞ ከምዘለና ተነጽር። ብዓቢኡ ኸኣ ነብስኻ ተረዲእካ ካብ ጌጋኻ ምእራምን ምምሃርን እዩ።
    ስለዚ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ንብዙሓት እዩ ዝምህርሞ ኣጆኻ በርትዕ።😘

    ReplyDelete
  5. ኣምላኽ መጻድፎ ይፈጥር ሞ መዳይዪቦ ካኣ ይፈጥር ዝተባህለስ ከምዝ ናትካ አዩ ብጣዕሚ ከድንቀካ ይፈቱ

    ReplyDelete
  6. amazing reflection bro you are moving greatly i really appreciate you

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...