Thursday, October 17, 2019

ዝተበደለት ጓል ሄዋን!

      ኣብ ሓደ ቦታ ብጠባያ ኩሉ ሰብ ዝግረመላ ጓል ሄዋን ነበረት፡ ኣዘራርብኣ ይኹን ተግባራታ ከምቲ ዕድሚኣ ኣይነበረን፡ ጋል 15 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ኩሉ ኣተሓሳስባኣን ኣካይዳኣን ግን ናይ ዓበይትን ለባማትን'ዩ ዝነበረ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝነበራ ልዑል ክብረት፡ ተማእዛዚትን ትሕቲን ኮታ ንኢድካ ዘይትጽገብ ጓል ሄዋን ‘ያ ዝነበረት። ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ዓይንኺ ትደፈን ዝብላ ኣይነበረን ……… እንትርፎ ዘመስግናን ዝንእዳን። በቃ መን ከም ኤደን ተባህለ!
ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ‘ጓልኩም ሃቡና' ዝብሉ መቑጸሪ ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ ስድራኣ ባዕሎም ሓርዮም ንጓሎም ይኾና ዝበልዎ ኣመርዕዮም ኣበባኣ ክርእዩ መረጹ።

     ንሒደት ኣዋርሕ ምቁር ሓዳር ኣስተማቐረት፡ ድሕሪ ግን ዝነበራ ሕቡእ ወልፊ ክሸግራ ጀመረ……. ሓደ ጽቡቕ ምሸት ምስ ሰብኣያ  ፍቕራዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽምሉ ዝነበሩ ግዜ፡ ብዘይ ንቡር ጸወታዊ ርክብ ንኽፍጽሙ ንሳሚ ሓተተቶ?’
ሰብኣያ ብሕቶ መጻምድቱ ጋን ተሰርሐ! ቅድሚ ሕጂ ለሚዳ ነይራ ከይብል ድንግልንኣ ባዕሉ ወሲድዎ። ኩነታት ናይ ሰበይቱ ምሒር ኣጨነቆ፡ ካብ ዝነበርዎ ምዉቕ ፍቕራዊ ሃዋሁ ተሲኡ ብሕርቃን ንመጻምድቱ ኮግዕባዕባዓላ ጀመረ
‘ስምዕኒ እዚ ሓድሽ ባህሪ ካበይ ዘምጻኽዮዮ?’
ንሳ ብፍርሒ ትዛረቦ ጠፊእዋ ኣብዘላቶ ኣጽቂጣ ስቕ በለት። በሊ ናብ ሕክምና ክንከይድ ኢና። """""" እንታይ ክንገብር? እንታይ' ዄንና ኢና?’

     ሳሚ ዝነበሮ ሕርቃን ብውሽጡ ብምሕባእ፡ ብህድኣትን ላዛን፡ኣካለይ ኣነ ዋላ ሓንቲ ኣይብለክን እየ ዝሓለፈ ሓሊፉዩ፡ ሎሚ ኢኺ ንዓይ ተገድስኒ ከመይ ኔርኪ ኣየገድሰንን ከመይ ኣለኺ እዩ ዘገድሰኒ። ስለዚ ዋላ ሓንቲ ከይሓባእኺ የዕልልኒ በጃኪ። ኣነ ኣቦይ ዝኣተዋ! ኣብ ልዕሌኺ ዝኾነ ዘይፍጽም፡ ሳልሳይ ሰብ ከይኣተዎ እንከሎ ሓዳርና ዘጋጠመኪ ኩሉ ዘርዚርኪ ንገርኒ፡ ኤደን ሰብኣያ ዘውጽኦም ቃላት ንውሽጣ ቀስቂሱ ደፊራ ንኽትዛረብ ማዕጾ ከናፍራ ተራሕወ።
ኢድ ሳሚኤል እንዳሓዘት ‘ይቕረ ግበረለይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ በዲለካ እየ፡ ግን ክነግረካ ስለ ዘሰከፈኒ ነዚ ሕማቕ ዘጋጠመኒ ሓቢአዮ ስቕ ኢለ። ግን እንተነጊረካ ኣይትጠልመንን ኢኻ ምሽ?’ በለት ዓይኑ ዓይኑ እንዳጠመተት።
ሳሚ ትቕብል ኣቢሉ፡ እወ ኣጆኺ ኣነ ኣይጠልመክን ዝያዳ ዳኣ የፍቅረኪ። እስከ ማሓለለይ? ብልቢኣቦይ ዝኣተዋ’ ከይጠልመኪ ቃል ይኹነኒ! ኤዱ ናተይ ኢሉ ኣእመና።

    ኤደን ነተን ኣእዳዉ ዝድህስሳ ዝነበራ የእዳዋ፡ ካብ ኢዱ ኣልያ ንየእዳዋ ቆራዕራዕ እንዳበለት ከተዕልሎ ጀመረት፡ ጓል 15 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ክብሮም ዝብሃል ማሓዛ ነይሩኒ። ካብ መጠን ንላዕሊ ኢና ንፋቶ ኔርና፡ ከምዚ ዓቢ ሓወይ ኮይኑ ዝስማዓኒ ነይሩ፡ ኣብ ገዝኦም ይኸይድ ንሱ ውን ገዛና ይመጽእ ነይሩ።
    ካብ ዕለታት ሓደ ማዓልቲ ግን፡ ሕሉፋ እንዳዘከረት ነብሳ ፈጥፈጥ ክብላ ጀመረ፡ ንብዓት ካብ የዒንታ ወጽዩ ኣብ ምዑጉርታ ኮረር ኣበለት፡ ክብሮም ንገዝኦም ሒዝኒ ከደ፡ ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን፡ ንክብሮም ገዝኡ ናበይ ከምዝኸዱ ሓተትክዎ፡ ክብሮም ውን ከምዝገሹ ሓበረኒ፡ ገዛ ኣቲና ኮፍ ኢልና ጽቡቕ ዕላል እንዳዕለልና እንከሎና ክብሮም ተሲኡ ገዛ ሸገጦ፡ ኣነ ዝኾነ ሕማቕ ሓሳብ ኣብ ውሽጠይ ስለ ዘይነበረ ሕማቕ ኣይሓሰብኩን።
    ክብሮም ግን ገዛ ምስ ዓጸዎ፡ ናባይ ቀሪቡ ሰውነተይ ክተናኽፈኒ ጀመረ። ተግባራቱ ደስ ስለ ዘይበለኒ ዋእ ክብሮም እንታይ ትገብር ኣለኻ ኢለ ተዛረብክዎ፡ ንሱ ግን ንዘረባይ እዝኒ ከይሃበ ብሓይሊ ክዕምጸኒ' ጀመረ፡ ክቃለሶ ብዙሕ ፈቲ ግን ልዕሊ ዓቕመይ ስለ ዝኾነ ዋላ ሓንቲ ክገብሮ ኣይካኣልኩን።እቲ ዝሕዝን ነገር ግን ጸወታዊ ርክብ ብንቡር ዘይኮነ ብመቐመጫይዩ ዝነበረ። ንሽዑ ወዲቐ ሃለዋተይ ኣጥፊአ ድሕሪ ቁሩብ ግን ሃለዋተይ ምስ ፈለጥኩ፡ ዝርዛሕ እንዳነባዕኩ ኣምሪረ ኣእወኹ፡ ክብሮም ጎረባብቲ ከይሰምዑ ፈሪሁ ክእብደኒ ፈተነ……’ እንታይ’ሞ፡ ዝግበር የሎን።
     ‘ኣዝየ ጉህየ፡ ዝሰንከልኩ ኮይኑ እንዳ ተሰመዓኒ ሰላሕ ኢለ ካብ ገዝኡ ወጻኹ፡ እዚ ኩሉ ኣጋጢምኒ ክነሱ ንዝኾነ ሰብ ኣይነገርኩን። ሰባት ከምዚ ከይብሉኒ ስለ ዝፈራሕኩ ድማ ከም ምስጢር ዓቂበዮ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ተጓዒዘ።’……… ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከምኡ ዓይነት ጸወታዊ ርክብ ደስ ክብለኒ ጀሚሩ፡ ብድሕሪኡ ብሕቡእ ምስ ክብሮም እንዳተራኸብኩ ንነዊሕ ግዜ ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ ፈጸምኩ።
    ሳሚኤል ስቅ ኢሉ ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ጅማውቱ ተገታቲሩ የዒንቱ ፈጢጡ ብረስኒ ዝተቃጸለ መሰለ፡ ኣሕ! ሕጂ ኣበይ ኣሎ እዚ ወዲ ሾ**** ኣብዚ ዓዲ ኣሎ?
‘ኖ የለን ወጽዩ እዩ ሕጂ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን እየ።
 እዋይ ክብሮም ዝብሉኻ ሰብ’ሲ ከመይ ወደይ ብርክኻ ተሰበር፡ ዳሓን መሲልዎ እምበር ብኣምላኽ ክረኽቦ እዩ።’ ፍቕረይ  ኣጆኺ ኣነ ኣብ ጎድንኺ ኣለኹ ኣብ ሕቁፊኡ ኣጸጊዑ ኣበዳ…
    ድሕሪ ቁሩብ ማዓልታት ክልቲኦም ተታሒዞም ናብ ሕክምና ከዱ እቲ ምኽንያት ድማ ኣብ ከባቢ መቐመጫኣ ዝኾነ ሕማቕ ቃንዛ ይስምዓ ስለ-ዝነበረ’ዩ። ኣዝዩ ዘሕዝን ውጽኢት ናይ መርመራ ድማ ተረኽበ። ኤደን ናይ መቐመጫ ካንሰር ከም ዝሓመመት እቲ ዶክተር ንሳሚኤል ሓበሮ።
 …….ኣብራኹ ረሸሽ በሎ: ርእሱ ጽሩር ኢልዎ ኣዒንቱ ጩራ ከምዝሳኣና ጭልምልም እንዳበላ ምኽፋት ኣበይኦ ኣብ ዝነበሮ ተረኹምሹ ኮፍ በለ።
ዶክተር ካብ ዝነበሮ ደጊፉ ኣተሲኡ፡ ማይ ርእሱ ሓጺቡ ሓንሳብ ክሳብ ዝረጋጋእ ንፋስ የህረሞ፡ ሳሚኤል ሃለዋቱ በብቑሩብ ምስ ተረድኦ፡
   ዶክተር ህድእ ኢሉ ምኽሪ ክልግሰሉ ጀመረ፡ ….. እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋላ ‘ኳ ካብ ንቡር ወጻኢ እንተኾነ ግን ኣብ ሂወት ዘጋጥም ነገር’ዩ። ስለዚ ንስኻ ኣብ ጎድና ዄንካ ክትሕብሕባ’ዩ ዘለካ። እዘን ተሪፈን' ዘለዋ ዕድመ ንኸተስተማቕረን ሓግዛ ከም ማይ' ውቅያኖስ ዝፍልፍል ንብዓቱ እንዳዛረየ' ሐራይ ዶክተር በለ ኩሉ ነገር ዝንግሪር እንዳበሎ።

     ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብ ሓዳር ወይ ኣብ ፍቅራዊ ሂወት ከጋጥም ይኽእል’ዩ፡ እቶም ብዘይ ንቡር ጸወታዊ ርክብ ትፍጽሙ ከተወግድዎ ፈትኑ፡ መብዛሕትኡ ናይ ከምዚ ዓይነት ድሌታት ንምፍታን ኢሎም ከምዝኣትውዎ ይፍለጥ። እንተኾነ ኣዝዩ ኣወላፊ ነገር’ዩ። ብስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ከምዝተረጋገጸ ውን ብዙሓት ጽሑፋት ይሕብሩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ብቐሊሉ ኦሞሬድዮ rectal-homorrhage ክንጥቃዕ ከምእንኽእልን ብሕማም HIV ልዕሊ ንቡር ጾታዊ ርክብ ክሓልፈና ከምዝኽእል ድማ ክኢላታት ስነ-ሕክምና ይገልጹ።
ተፈጸመ
ብ ሄኖክ ተስፉ

ኤዲተር፦  ዲናር 'Don' ሕሩይ


1 comment:

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...