Tuesday, October 29, 2019

ካብ ገባቲ፡ ገበተ፡ ሓሳዊ ዝብል ደርፊታት መዓስ ኢና ክንገላገል እንዳበልኩ………..


ከም ኣጋጣሚ እዛ ናይ ሰናይ ሓድጉ ደርፊ ፖስተር ምስ ረኣኽዋ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣብ  ሲነማታት ኣስመራ ብዙሕ ሰብ ዝተኸታተላን ዝፈተዋን ፊልም ‘ዓብለል’የ’ ዘኪረ። ይዝከረኒ ኣብቲ ግዜ ሰናይ ቀጢን’ዩ ነይሩ። ካብ ቀደሙ ከኣ ትሑትን ፍሽኽ እንዳበለ ዘረባ ዝውርውር’ዩ። ማክያቶ ናይ ‘ኣልባ-ቢስትሮ’ ድማ ማራ’ዩ ዘዘውትራ ነይሩ።
እዛ ሓዳስ ደርፊ ክሰምዓ ዕድል ረኺበ፡ ልበይ ከኣ ምልስ ኢላ!
እምበር ገባቲ፡ ገበተ፡ ሓሳዊ ክበሃል ቀንዩ። ናይ ሰናይ ፖስተር ‘ኣብ ምጅማርና’ ምስ ረኣኹ፡ ሰኑቺ ከምኡ እንተ ኢሉ በቃ ደርፊ ምስማዕ ከዕርፍ’የ እንዳበልኩየ ነይረ። እዛ ሓሳብ ከይወዳእክዋ ግን……

‘’ ዘመን ተመሊሱ
 ኣብታ ማሙቕ ቤትና ቃንዛ ምፍልላይ
 ኣርሒቁ ካባና ኣይሂ ነቢዑ ዓይንና
 ዘየዕረፈ ከይሓንቀቕናሉ ፍቅርና
ዝተኾለፈ ብኡ ቢሉ ከይተረፈ ተሰዊሩ ይኣኸለኩም ይበለና ጎይታ ባዕሉ’’

ህዱእ ግጥሚ ብምሩጽን ልስሉስን ቃላት ዝተሰርዐ ዘለዋ ጣዕሚ ዜማ ኮይና’የ ረኺበያ። ብናይ ሰናይ ድምጺ’ኳ ተጠራጢረ ኣይፈልጥን’የ፡ ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ ላይቭ ክደርፍ ስለ ዝሰማዕክዎ። ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ዱባይ ሓበሻ ክለብ ምስ ቴድሮስ ሓጎስ (እሩሩ) ኮይኖም ዝገብርዎ ሾው ብላይቭ ክሓልፍ ምስ ተዓዘብኩ’የ ብውህደቶምን ብቕዓቶምን ዝተገረምኩ። ብውሽጠይ’ኮ እዚ ወዲ እንታይ ኮይኑ’ዩ ሓድሽ ደርፊ ዘይሰርሕ እንዳበልኩ’የ………..
ወላ’ዛ ክሊፕ ኣይርኣያ ብዙሓት ብሉጻት ፊልምታት ዘፍረየ ዳይረክተር ተስፊት ኣማኑኤል ዳይረክተር’ዛ ደርፊ ምስ ኣምበብኩ፡ ሕጂ ብሉጽ ስራሕ ክንጽበ ኢና ኢለ።
እምበር ሎሚ ብተመሳሳሊ ቪድዮ-ክሊፕ ደኺምና ኢና።
ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ኣድማስ ኢንተርተይንመንት
ሰናይ ሓወይ በጃኻ በዚ ኣውሮጳ ትዛወረና፡ ጡፍጣፍ ጌርና ገንዘብ ክንልፍጠካ!!! ክክክክ


No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...