Friday, November 15, 2019

The Don Dinar Show

ድሕሪ 6 ዓመት’የ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ዝመጽእ ዘለኹ፡ ካሜራታት ንኢሰን ባውዛታት ድማ ጸፊሖምን መጻወቲ መሲሎምን ጸኒሖሙኒ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሰኣላየይን ኤዲተረይን ኪዳነ ንጉሰ Cine Ma Ha Besha ሓንቲ ኣብ ሕቖ እትሕንገጥ ቦርሳ ጥራይ ሒዙ ኣብ ስቱድዮ ምስ ተረኽበ፡ እሞ ቅድመይ ዶ ደኣ ንብረቱ ኣቐሚጥዎ ብምባል ቀልባዕባዕ ክብል ጀመርኩ። ነገር ግን ኩሉ እዩ ደቒቑን ፎኺሱን ጸኒሑኒ።

እንተዘይ ተጋግየ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ትራይፖድ ልዕሊ 10 ኪሎ’ዩ ዝምዘን ነይሩ። እተን ኣብቲ ግዜ ምዕቡላት ዝነበራ SonyBeta Comcorders ዝዓይነተን ቪድዮ ካሜራ ሚዛነን ካብ 7-10 ይበጽሕ ነይሩ። ሕጂ’ኳ ዘመነ 4k ኮይኑ ክንደየናይ ከይህልዋ።

Temesghen Abraha ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ የዕልለሉ ኣብ ዝነበርኩ ግዜ፡ ትቕብል ኣቢሉ፡ እወ ካሜራ ይንእሳ ይራቐቓ ንሕና ድማ ንገዝፍን ንኣርግን ክብል ጨሪቑለይ። ፕሮፈሽናል ኣትለት Mekdes Woldu ነታ Panasonic Lumex s1 ዝዓይነታ ካሜራ ምስ ረኣየታ፡ 'ኣይ እዛ ግናይ ካሜራ ከኣ' ኣብ ግዜ ዓበይቲ ውድድር በዚአን ገይሮም እንዳሰኣሉ መሕብኢ ክሳብ ንስእን ገይሮሙና ዘለዉስ....... ብዝኾነ 'እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ሓራካት ናይ ሞዛይክ፡ ኣይቀናን😂' በለት።

The Don-Dinar Show ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ከምኡ ውን ስነ-ጥበባዊን መጽናዕታዊን መደባት ሒዛ’ያ ክትቀርብ። እዚ ማለት ልዑል ተሳትፎ ካብ ህዝቢ ከምዘድልያ ርዱእ ነገር’ዩ። ዓቕመይ ብዝፈቕዶ ድማ ወድዓዊን መሃሪን ከምኡ ውን ኣዘናጋዒ መደባትን ሒዝልኩም ክቐርብ’ዩ።
ልዝብ መንእሰያት እቲ ቀንዲ ኣተኲረሉ ዘለኹ ጉዳይ ኣብዚ መደብ’ዩ።
ክቡራት ኣዕሩኽተይ፡ ፈተውተይ፡ ላይክ መጋብርተይ ከምኡ ውን ናይ ኮመንት መረጋርግተይ፡ ኣብ Cinema Habesha ሳብስክራይብ ብምግባር ነዛ ሾው ክትስዕብዋ ይምሕጸነኩም።
ምስ ኣኽብሮት ሓውኩም ዲናር ሕሩይ (ዶን)


https://www.youtube.com/watch?v=JWwpw0Cqh5g

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...