Wednesday, November 20, 2019

ተዘክሮ ሕዳር ጽዮን ማርያም ኣስመረይቲ

Drinking Sawa, Eritrean traditional drink. 
ከመይ ኣለኹም ኢልካ ናብ ጋሻ ንምቕባል ዝተከፍቱ ማዓጹ ገዛውቲ ኣባሻውል ምስ እትቅረብ: እቶ ዝብል ድምጺ’ዩ ዝቕበለካ መን ኢኻ ዝብል ውን የሎን። ምክንያቱ ዘመድ ኩን ጎረቤት በጻሒ ኩን ሓላፊ መገዲ ኣብዛ መዓልቲ ኣብ ዝመረጽካዮ ቤት ኣቲኻ ሽሻይ ናይታ መዓልቲ ክትቋደስ ዕዱም ኢካ። ድሕሪ ኮፍ ምባልካ ድማ መለሊኽ ስዋ ብፍሽኽታ ንኽትዓትር ይቕረበልካ። ርግጸኛ’የ ከም ናይ ኣባሻውል ስዋ ኣብ ምሉእ ኣስመራ የለን! ኣባሻውል ከመይ ድየን ውዱኣት!
ኣብ ኤርትራ ንግደት ሃይማኖታዊ በዓል ጥራይ ዘይኮነ ባህላዊን ሃገራዊን በዓል ካብ ዝኸውን ዓሰርተታት ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ። እዚ ድማ እቲ ብሃይማኖት ብኣውራጃ ወይ ድማ ብስነ-ሓሳብ ክፈናጨልን ክግዛእን ዝተፈተነ ህዝቢ ንኹሉ ኣረብሪቡ ኣብ ባህሉን ልምዱን ከይወጸ ዓቕብዎ ይርከብ።
ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ንግደት ምስ እንርእይ፡ ንግደት ኣቦታትና ንኸይጣፍኡ መራኸቢ ክኾኖም ኢሎም ዝፈጠርዎ’ዩ። ኣብ ንግደት ደሃይ ትተሓታተት፡ ትበጻጻሕ፡ ሓበሬታ ትለዋወጥን ምስ ቤተሰብ ክትላለን ‘ዩ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ። ከምዚ ሎሚ ብቲንደር (ኦን-ላይን ምልላይ/ምቅጣብ) ከይ መጸ እንከሎ ንግደት ኣብ መውስቦ ልዑል ተራ’ዩ ነይሩዎ።
ንግደታት ኤርትራ ድሕሪ ወርሒ ጥቕምቲ’ዩ ዝጅምር። እዚ ማለት ክረምቲ ምስ ጸፈፈ፡ ዓጺድ ምስ ተዛዘመ፡ ቖፎ ምስ መልአ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብዚ ግዝያት ልኻይ ኣሎ፡ እልቢ ዘይብሉ ጸባ ኣሎ፡ እኽሊ ቆፎ መሊኡ ጥራይ ዘይኮነ ሓረስታይ ካብ ኣታዊታቱ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ፡ ንሰበይቱ ቅያር ክዳን ንደቁ ናይ ትምህርቲ ጥራዝውትን መጽሓፍትን ይቕርብ።
ናብ ኣባሻውል ክመልሰኩም፡ ኣብ ሻውለይ-መለይ ንግደት ካብ ድሮ’ዩ ዝፍለጠካ። ከባቢ ሹቕ ብዕዳጋ ሰቲን ብብዝሒ መካይን ዕልቕልቕ ይብል። ዕዳጋ ደርሁ ‘ሞ ብብዝሒ ዓዳጎ መሕለፊ የብሉን። እዚ ብዝሒ ምንቅስቓስ ክሳብ ሜዳ-ኤርትራ መዋፈሪ ኣውቶቡስ‘ዩ ዝበጽሕ።
መዓልቲ ንግደት ድማ ነበርቲ’ዚ ከባቢ ብፍላይ ነበርቲ ኣባሻውል፡ ነቲ ጸበብቲ ናይ ሓመድ መተሓላለፊ መንገዲታት’ቲ ገዛውቲ ማይ ረብሪበን ይኾሳትራኦ፡ ኣባሻውል ተኾሳቲራ ጸፊፋ ክትርእያ እንከሎኻ ፍሉይ መልክዕ’ዩ ዘለዋ። ኣደታት እንዳማርያም ጸሎተን ኣብጺሐን ተሳሊመን ከምኡ ውን ኣቐዲሰን ሓድሽ ሰቲ ካብ ዕዳጋ ቤተ-ክርስትያን እንዳማርያም ሒዘን ድሕሪ ምምጻአን’ዩ ‘ቲ በዓል ዝፍለም። ከም ልምዲ’ኳ ቁርሲ ማርያም ሕዳር ጼን ብሕልበት’ያ፡ ፕሪማ ድዮም ዝብሉ ጣልያን?!

Abashawl, Asmara. A photo by Ghideon Musa Aron
ነጋዶ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ’ዮም ምምጻእ ዝጀማምሩ። እቶም ኣረቂ ናይ ሜሎቲ ሒዞም ዝመጹ ኣፋ ዝተቐደት መጠቕልቅሊ ይጥቀሙ። እዚኦም ድማ ጸብሒ ኣሕፍስ ኣቢልካ ክጽበሓሎም ዝግባኦም’ዮም፡ ነገር ግን ኣብ ኣባሻውል ከምኡ ኣይሰርሕን’ዩ። ኣረቂ እንዳ ብስራት ሒዙ ዝመጽእ ድማ ብሽፍንታ’ዩ ኮፍ የብላ። ሰብ ሽኮር ብወገኖም ትሕዝቶኦም ብኹርዓት እዮም ዘረክቡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሽኮር ክሰኣን ስለ ዝጀመረ፡ ካብ ገዛ ሰፊርካ ምምጻእ ከምዝተለምደ ይዝከር። ሓራይፍ ደቂ-ሻውል ከም ንግጥሞ ሓንቲ ኪሎ ሽኾር በታ ናይ ሊትሮ ናይ እንዳ ካንዘን ጆክ (መስፈሪ) ካብ ላዕሊ ኤ-ትረ ብኣጻብዕቲ (5 cm) ምስ ተጉድለላ ማዕረ ናይ እንዳ ዱካን ትኸውን። ከመይ ዲና…….

ኮተቴ ኣዋልድ (ችክሳውያን) ድማ ናይ ስዊት ካፈ ወይ ናይ ሞደርን ፓስተ ሒዘን ይነግዳ። ናይ ሕማመይ ከም ዝብልዎ፡ ሽዑ እየን ጀዳይድ (ናይ ባኮ) ካብ ገዝአን ዝጥልዓ ይብሉ። ኣብ ኣባሻውል ከም ቻርተር ንነዊሕ ዓመታት ዝተሰርሓሉ ፍሉይ ባህሊ ኣሎ። ቅድሚ ንግደት ዝተባእሳ ጎረባብቲ እንተሃልየን ግድን እየን ዝዕረቓ። ናትና ሽማግለ ኣለዋና፡ ሰብ ሕጊ ኣለዋና ሰብ ልቦና ኣለዋና፡ ኮታስ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላትን ማሕበራትን ዘለዎ ንኡስ ሃገር’ዩ። እዋይ ባህሊ ኣባሻውል ክጥዕም! እቶም ዓበይቲ ድማ ነቶም ናኣሽቱ፡ ጽባሕ ከይተኽፍኡና ከይትሰትዩን ከይትበኣሱን ዝብል ማዕዳ ብልዙብ ናይ ዘቢሄረ ቋንቋ የረድእዎም።
ንግደት ኣባሻውል ድማ ብሰላምን ብፍቕሪን ይሓልፍ። ፋብሪካ መሎቲ፡ ኣስመራ ቢራ፡ ሚኒስትሪ መጎዓዝያ፡ ታክሲ፡ ሙኒችብየ በቃ ኩሉ በሊዑን ሰትዮን ሰሪሑን ይውዕል።
ኣባሻውል ዓለም... ቃዛ ዓለም…..

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...