Saturday, December 21, 2019

ንጉስ ንሕማቕ ዜና ሒዝሉ ዝመጸ መልእኽተኛ ይቐትል!


እዛ ኣርእስቲ ምስ ኣምበብኩማ እንታይ ክብል ደልዩ ኢልኩም ትኾኑ
ሎሚ ብዛዕባ ወረ ክዛረብ ደልየ። ሓድሽ ነገር ክንደየናይ ከይከውን፡ ግን ብገለ ኩርናዕ ሒዘ ክዛረብ ስለ ዝደለኹምበር።
ሓደ ካብ ዘድንቖም ጸሓፍቲ Robert Green ኣብታ 48 Laws of Power እትብል መጽሓፉ፡ Never Be the Bearer of Bad News. The king kills the messenger who brings bad news ኢሉ። እዚኣ ድማ ነዛ ከም ኣርእስቲ ኣቐሚጠያ ዘለኹ ጽሕፍቲንጉስ ንሕማቕ ዜና ሒዝሉ ዝመጸ መልእኽተኛ ይቐትል’ ’ ተስምዕ።
ምስ ምስፋሕ ዝርገሐ ማሕበራዊ-ሜድያን ካልእን ሎሚ ዝበዝሐ ካብ ህዝብና ኣኮማሳዒ ዜናን ወረን እዩ ኮይኑ ዘሎ። ከምቲ ሰብ ዘጋንኖ ህዝብና ሕማቕ ኣጣቓቕማ ማሕበራዊ ሜድያ ዘለዎ ኮይኑ ኣይስመዓኒን ግን ኣብ ዝመጸ ዜና ወይ ወረ ናይ ምንፋይ ወይ ምጽራይ ጉድለታት ግን ኣለዎ። እቲ ጸገም ድማ ርዱእዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ደሓን ዝበሃል ኣካል ሕብረተስብ ከይተረፈ ጥዑይን ሕሙምን ወረ ክፈልየሉ ዘይክእል ሓያልን ተፈታታኒን ግዜ ስለዝበጽሐዩ። እንተኾነ ግን ዝኾነ ወረ ወይ ዜና ካብ ነጻ ምንጪታት ብምርካብን ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ብምሕታትን ሚዛናዊ ዝኾነ ርድኢት ክህልወና ይኽእልዩ።  ንሰን ድማ እንታይ፡ መን፡ መዓስ፡ ኣበይ፡ ከመይ፡ ስለምንታይ ዝብላ ሕቶታት እየን። እንተዘይኮይኑ ካብዘን ነጥብታት ዝጎደለ እንተሃልዩ ግን ብቁዕ ወረ ኣይኮነን ማለትዩ። ጸላኢና ወረኛ ይኹን!!
ኣብ ሓንቲ The Secret ዘርእስታ መጽሓፍ ውን፡ ዝኾነ ነገር ንጽቡቕ ምስ ትጥቀመሉ ዝያዳ ውጽኢታዊን ዝያዳ በረኸትን ሒዙ ከምዝመጽእ ትገልጽ። ንኣብነት ጸዓት ኤሌትሪክ ንኹሉ ናብራና ካብ መግብና ክሳብ መጎዓዝያና ንጥቀመሉ ነገርዩ፡ በዚ ጸዓት ብምጥቃም ውን ሰብ ክንቀትል ንኽእል ኢና፡ ስለዚ ዝኾነ ነገር ኣብ ምንታይ ብውጽኢታዊ መልክዑ ኣብ መዓላ ንጥቀመሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ሓቂ ንጉዳይ ወረ ውን ብገለ መልክዑ ይውክሎ’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ሕማቕን ጽቡቕን ወረ ክንመሃር ስለ ንኽእል ንመጻኢ ውን ተመኩሮ ስለ ዝኾነና ንምባልዩ።
  ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ጽቡቕን ሕማቕን መፋጥርቲዮም። ሰብ ግን ብተፈጥሩኡ ኣብ ሕማቕ ዜና ናይ ምግዳስ ባህሪ ኣለዎ። እዝከረኒ ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ፈረንሳ ተለቪዥን ዝሓለፈ ፕሮግራም ነይሩ። ሓደ ኣቦ ንጓሉ ተጋሲስዋ ዝብል ወረ፡ በቃ ምሉእ ፈረንሳ ዋዕ-ዋዕ ኢላ። ነዚ ገበን ፈጺምካ ዝተባህለ ሰብኣይ ድማ ዓሰርተታት ዓመታት ተፈሪዱ። ጋዜጣታት ፈረንሳ ድማ ዓቢን ድሙቕን ኣርእስቲታት ብምጥቃም ነዚ ዜና ኣጋዊሐናኦ። ድሕሪ 13 ዓመት ድማ እቲ ሰብኣይ ናጻ ተባሂሉ።
እቲ ሓቀኛ ኩነታት ከምዚ ይመስል፡ …… እዚ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ስለ ዘይተሰማምዐ ምስ በዓልቲ ቤቱ ናይ ፍትሕ መደባት ነበሮ፡ ሰበይቱ እዚ ኩነታት ደስ ስለ ዘይበላ፡ ነታ ካብኣ ዝወለደታ ህጻን ጓሉ ከምዚ በሊ ችኮላታ ገለ ክገዝኣልኪ ኢላ ጠባቢራታ። እታ ህጻን ጓሉ ድማ ኣቦይ ነዓይ ተጋሲሱኒ ብምባል ብከቢድ ኣፍረደቶ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ቆልዓ ልቢ ምስ ቆጸረት ግን እቲ ሓቂ ኣውጸኣቶ።  ኣቦይ ወልሓንቲ ኣይገበረኒን፡ ካብ ልቡ ይቕረ ክብለለይ ተስፋ ይገብር፡ እንታይ ይገብር ከምዝነበርኩ ዘይፈልጥ ልቢ ዘይቆጸርኩ ህጻን ነይረ ኢላ ኩሉ ሓቂ ኣውጸኣቶ።
ቅድሚ 13 ዓመታት እዚ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ፡ ናይ ፈረንሳ ጋዜጣታት ኣስፊሐን ትንታነ ሂበናሉ፡ ምስ ብዙሓት ክኢላታት ቃለ-መሕትት ኣብ ተለቪዥን ተኻይዱን ካልእን። ንኣዋርሕ ድማ ሜድያታት ሃገር ጉዳይ ቤት-ፍርዲ እንዳተኸታተላ ተዛሪበናሉ። እንተኾነ ግን እዚ ሰብኣይ ካብ ክሲ ናጻ ተባሂሉ ምስ ተፈትሐ፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ጋዜጣ ብደቂቕን ኣዝዩ ሓጺር ኣቀራርባን ‘’ቅድሚ 13 ዓመት ንጓልካ ደፊርካ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝጸንሐ ሰብ እቲ ገበን ከምዘይወዓሎ ስለ ዝተረጋገጸ ነጻ ተባሂሉ እንክብላ ብፈኲስ ሓሊፈናኦ።’’ካብዚ ንመሃሮ ከኣ፡ ሎሚ ኣብዛ ዓለምና ንሕማቕ ወረ ኣጋኒንካን ኮሓሒልካን ዘይኣንፈቱ ብምሓዝ ኣብ የእምሮ ሕብረተሰብ ነውጺ ምፍጣር ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝናፈሱ ጥዑማት ይኹኑ ሕማቓት ዜና ርድኢትና ኣስፊሕና ክንርእዮም ኣለና። ብሓፈሻ ጋዜጠኛታት ከኣ ንዕዳጋ ዘይኮነስ ንክብርናን ሕብረተሰብናን ክንሰርሕ ኣለና።
ሂወት ወዲ ሰብ ብጽቡቕን ሕማቕን ዝተኸበብትያ። ሕማቕ ዜናን ሕማቕ ኣጋጣሚን ድማ ከይሓሰብካዮን ከይጸዋዕካዮን ከጋጥም ዝኽእል ነገርዩ። እንተኾነ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ፡ ‘’ንኹሉ ወግዒ ኣለዎ።’’ ስለዚ ድማ ኣብ ባህልና ንሕማቕ ኣጋጣሚ ብለባማትን ክኢላታትን መዕለቢ ዝግበረሉ።
ኣብ ኤርትራ ሓደ ድንገት ምስ ዝመጽእ፡ ዓበይቲ ተማኺሮም ብትሕትና እቲ ኩነታት ናብ ዝግባኦ የብጽሕዎ። ድሕሪኡ ድማ በዓል ጉዳይ ከምዝጸናናዕ ይግበርን ምኽሪታት ድማ ብመራሕቲ ሃይማኖት ይወሃብ። ኣብዚ ቁሩብ ግዜ ግን ደስ ዘይብል ተግባራት ኣብ ማሕበራዊ-ሜድያ ክቀላቀል ጀሚሩ ኣሎ። ንሱ ከኣ ብዝኾነ ምኽንያት ህይወቱ ናይ ዝሓለፈ ፈላጢኻ፡ ቅድሚ ቤተሰብ ምፍላጦም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ምዝርጋሕ ስእሊ ምስ ዘይተረጋገጸ ወረ ልሙድ እንዳኾነ ይመጽእ ስለ ዘሎ ዕሽነትና ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣነ ብወገይ ሓዘን ከም ፋሽን ምቅድዳም ኮይኑ ስለዝስመዓኒ ልቦናና ንጠቐመሉ ጥራሕ የ ክብል ዝደሊ።
ከም ካልእ ዘስተብሃልኩሉ ነገር እንተሃልዩ ድማ፡ ኣነ ሓቂ ዝዛረብ እንዳበልካ ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ዘረባ ከም ድላይካ ምዝርጋሕዩ። ያኢ ምዕባለ ተቆጺሩለይ! ሓቂ ምዝራብካ ጽቡቕ’ዩ። ግን እቲ ሓቂ ኢልካ ኣሚንካ ትዛረበሉ ዘለኻ ንዓይ ሓሶት ክኸውን ስለዝኽእል ዘይምዝንጋዕ።
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ኤርትራውያን ከነውርዮ ዝደሊ ነገር፡ ዝተፈላለየ ኣብ ቴክኖሎጂ ዘሎ ምዕባለታት፡ ኣብ ሳይንስ፡ ሕርሻ፡ መጓዓዝያ፡ ስነጥበብ፡ ስፖርት፡ ስነ-ልቦናን ካልእ ብዙሕ ንሂወትና ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራትን ምስ መወከሲታቶም ወይ መረዳእታታቶም እናውረና ነዚ መትሓዚ ተሳኢንዎ ዘሎ ወንጫር ፖለቲካ ናይ ሃገርና፡ ኣተሓሳስባና ኣማዕቢልና ርድኢትና ኣስፊሕና ንሃገርናን ህዝብናን ጠቓሚ ዝኾነ ኣበርክቶ ንኽንገብር ወረና ወረ ትምህርትን ምዕባለን ወረ ስራሕን ፍቕርን ወረ ሓድነትን ዕቤትን ክኾነልና እምነ። 
ካብ ሕማቕ ወረ ሒዙ ዝመጽእ መልእኽተኛ የድሕነና። ስለዚ የሕዋተይ ንኹሉ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ብስርዓት ንሽኖ!!
ርሑስ ቅንያት በዓል ልደት!! Merry Christmas !!



No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...