Saturday, January 25, 2020

ጽቡቕ ኢልኩም ኣይትሕለፉ፡ ንጌጋይ ደኣ ንገሩኒ!!

    ሓደ ብሉጽ ስራሕ ሰሪሐ ኣይብልን፡ ብዝተኻእለኒ መጠን ግን ካብ ክውንነት ዘይረሓቐን ጋዜጠኛዊ ቅጥዒ ዘማልአን ዝተደኽመሉን ስራሕ ናባኹም የብሎ ኣለኹ። እዚ ማለት ግዜኹም ከየጥፍእ ሓጺር፡ ሃለውለወ ዘይኮነ ቅርጡው ክገብሮ ፈቲነ። እቲ ጉዕዞ ነዊሕ’ዩ፡ ሎሚ ድማ ተጀሚሩ’ሎ። ኣነ ግን ሓንቲ እምነት’ያ ዘላትኒ፡ ካብ ናይ መወዳእታ ስርሐይ ዝሓሸት ስራሕ ከቕርብ ምዃነይ’ዩ። ምኽንያቱ ተሞኩሮ ዓቢ ትምህርቲ ስለ ዝኾነ።
    ዝኸበርኩም ደገፍተይን ኣሕዋተይን ካባኹም ሃናጺ ርእይቶን ነቐፌታን ክጽበ እየ። ከምዚ እንዳበልና ድማ ብሓባር ሓደ ብሉጽ ስራሕ ከምንሰርሕ ርግጸኛ’የ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ንቀረጻ ቪድዮን ኣርትዖትን ዘጻፈፎ ኪዳነ ንጉሰን ንኩሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእን ዝተገብረ ኢንተርቪው ቀሪጹ ብፕሮፈሽናል መልክዕ ዝሰደደለይ ጋዜጠኛ ነስረዲን ኣደምኑር ብልቢ የመስግኖም።
@CINEMAHABESHA #THEDONDINARSHOW
https://youtu.be/WPe0fMxlQY0

No comments:

Post a Comment

ሄለን መለስ፣ ንግስቲ ዘመናዊ ደርፊታት ትግርኛ

ሄለን መለስ፣ ድምጻ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝውሕዝ ዘሎ ኮይኑ`ዩ ዝስመዓካ፣ ደርፍታታ ከኣ ኣብ ኣየር እተንሳፍፍ ዘለኻ ኮይኑ ከም ዝስመዓካ ይገብር ... በቲ ሓያልን ፍሉይ ቅዲ ኣደራርፋኣን ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ዘለዋ ጽ...