Saturday, January 25, 2020

ጽቡቕ ኢልኩም ኣይትሕለፉ፡ ንጌጋይ ደኣ ንገሩኒ!!

    ሓደ ብሉጽ ስራሕ ሰሪሐ ኣይብልን፡ ብዝተኻእለኒ መጠን ግን ካብ ክውንነት ዘይረሓቐን ጋዜጠኛዊ ቅጥዒ ዘማልአን ዝተደኽመሉን ስራሕ ናባኹም የብሎ ኣለኹ። እዚ ማለት ግዜኹም ከየጥፍእ ሓጺር፡ ሃለውለወ ዘይኮነ ቅርጡው ክገብሮ ፈቲነ። እቲ ጉዕዞ ነዊሕ’ዩ፡ ሎሚ ድማ ተጀሚሩ’ሎ። ኣነ ግን ሓንቲ እምነት’ያ ዘላትኒ፡ ካብ ናይ መወዳእታ ስርሐይ ዝሓሸት ስራሕ ከቕርብ ምዃነይ’ዩ። ምኽንያቱ ተሞኩሮ ዓቢ ትምህርቲ ስለ ዝኾነ።
    ዝኸበርኩም ደገፍተይን ኣሕዋተይን ካባኹም ሃናጺ ርእይቶን ነቐፌታን ክጽበ እየ። ከምዚ እንዳበልና ድማ ብሓባር ሓደ ብሉጽ ስራሕ ከምንሰርሕ ርግጸኛ’የ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ንቀረጻ ቪድዮን ኣርትዖትን ዘጻፈፎ ኪዳነ ንጉሰን ንኩሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእን ዝተገብረ ኢንተርቪው ቀሪጹ ብፕሮፈሽናል መልክዕ ዝሰደደለይ ጋዜጠኛ ነስረዲን ኣደምኑር ብልቢ የመስግኖም።
@CINEMAHABESHA #THEDONDINARSHOW
https://youtu.be/WPe0fMxlQY0

No comments:

Post a Comment

ሓሳብ ልብና ዝሰምረሉ ወቕተ-ጽድያ ይግበረልና!

  ወርሒ ጽድያ ምውጻእ ቁሪን ምብራቕ ጸሓይን ዝተኣሳሰር ወቕቲ`ዩ። መዓልታት እንዳ ነውሐ፣ ለይቲታት ከኣ እንዳሓጸረ ዝኸደሉ እዋን`ዩ።   ስለዚ እዚ ወርሓት ተስፋ ዝዓስለሉን ጽቡቕ ምብራቕ ጸሓይ ዝረኣየሉ እዋን ምሕዳስን...