Wednesday, January 29, 2020

እቶም ክልተ ክትዕ ኣቋሪጾም ዘይፈልጡ መሓዙት

Me & Weini in Paris 
ኣነን ወይኒን  ካብ 2003 ኣትሒዝና ኢና ንፋለጥ። ማይ-ነፍሒ ተመሳሳሊ ዓይነት ትምርቲ ቀሲምና፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ውን  ንዓመታት ኣገልጊልና።  ኣብ ዝተራኸብናዮ  ግዜ  ብገለ ኣርእስቲ ምስተኻታዕና ኢና። ዕላል ምስ’ዛ መሓዛ ብስነ-ሓሳብ፡ ፍልልይ ኣብ ማዕርነት ጾታ፡ ማሕበራዊ ህይወትን ፖለቲካን በቓ ኩሉ ኣርእስቲታት’ዩ ዝትንክፍ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ፓሪስ ምተራኺብና ብዘይካ ዕድመና ዝተቐየረ ባህርያት ኣይነብረናን።  እዛ ስእሊ ውን ኣብኡ ዝተወስደት’ያ። ምርኻብና ድሕሪ 7 ዓመት’ዩ ነይሩ። ደሃይ ስድራ፡ ንዝክሮም ቀረብቲና ፡ ዓርከ መሓዛ ፡ ድሕሪ ምግባር ድማ ናብ ህሉው ኩነታት ናብራ ወ ስደት ጠሓልና። ዕላልና ከምዚ ሰናርዮ ኣ-ዘድ  እዩ ዝመስል። ቅጡብን ነጥብን ኣርእስትን  ንጽበት ጊዜን መገሻን ኣካዊንና ፡ዳርጋ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ነኺስና ደዱፋዕና ሒዝና በል ተባሂልና።
ሰዓት ምፍናው ኣኺሉ ዝተረፈ ብ ብዋትስ-ኣፕ ክንቅጽሎ "ኣይገድፈኪን’የ፡ ኣነ’ኸ ይገድፈካ ዶ መሲሉካ" ተባሂልና ተፈላለና።
እዛ ሽኮር መሓዛይ ጽቡቕ ነገራታ ጸብጺብካ’ኳ ዝውዳእ ተዘይኮነ፡ ብናተይ ግን ሓንቲ ካብ ብሉጻት ጋዜጠኛታት ሃገርና ገይረ’የ ዝርእያ። ወይኒ ስደት ዝፈጥሮ ጸቕጢን ሽግርን መኪታ ኣብ ብሉጽ ሞያዊ ስራሓት ኣብ ምፍራይን ምብርካትን ትርከብ። ክልተ ሰሙናዊት መደብ ጨና ኣዳም ኣብ ሬድዮ ኤረና፡ ብዓቢኡ ድማ ‘ወይኒ ሾው’ እታ ፈላሚት ናይ ኤርትራ ሾው ኣብ ዩቱብ ገለ ካብ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኣበርክቶታታ እዮም። ብናተይ ርድኢት ድማ ክሳብ ሕጂ ብዕምቆትን ርዝነትን ወይኒ-ሾው’ ኣዚያ ብልጽቲ መደብ ናይ ዩቱብ ኮይና ረኺበያ።
እዘን ከምዚኤን ዝኣመሰላ ንፉዓትን ጻዕራማትን ኣብነታውያን ጋዜጠኛታት ክተባብዓ ኣለወን ዝብል እምነት’ዩ ዘሎኒ።
ወይኒ ሓብትና ውን ካባኺ ብዙሕ ክንጽበ ኢና! ዘመንኪ ይባረኽ።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...