Wednesday, February 5, 2020

ብዩቱብ ሕጉስ መን ኣሎ? ስነ-ጥበበኛታት? ጋዜጠኛታት? ወላስ ወነንቲ ቻነል?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ስነ-ጥበበኛታት ሃገርናን ዩቱብን ዘተኮረት ሓጻር መጽናዕታዊ ጽሕፍቲ ኣቕሪበ ነይረ። ኣብታ ዓንቀጽ (article) ብዙሓት ስነ-ጥበበኛታትን ወነንቲ ቻነልን ነናቶም ርእይቶ ሂቦሙኒ፡ ገለ ተወራዘይቲ ውን ኣይተሰእኑን! ገለ ካብቲ ኣብ ኮመንት ዝተቐመጠ ነጥቢታት ድማ ኣዝዩ ጠቓሚን ዘይጠመትክዎ ኩርናዕን ከምዘሎ ክርእይ ኣኺሉኒ’ዩ። ካብኡ ተበጊሰ ድማ ሓደ ሕጽር ዝበለ መጽናዕታዊ ቪድዩ ወይ ደኩመንታሪ ክሰርሕ ወሲነ።
እዛ ኣብ THE DON DINAR SHOW እትስዕብ ካልኣይቲ ክፋል (Episode) ድማ ነዚ ዝገለጽክዎ ትሕዝቶ ሒዛ’ያ ናባኹም ትብል ዘላ። ኣብ ዝሓለፈት ቀዳመይቲ ክፋል ብዙሓት ፈተውተይን ኣዕሩኸተይን ርእይቶኹም ከም ዝበጽሓኒን: ልዕሊ 150 ዝኾኑ ሓደስቲ ናይ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ኣዕሩኽቲን ሰዓብቲን ብዝገበርኩ ውን ኣዝዩ’ዩ ደስ ኢሉኒ። እዚ ድማ ነዓይን መሳርሕተይን ዓቢ ሞራል ምዃኑ ክሕብረኩም ይፈቱ።
ፍቱዋት ኣዕሩኽተይን ተኸታተልተይን ነዛ እትስዕብ ክፋል ንክትከታተልዋ ብኽብሪ ይዕድመኩም፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሃናጺ ርእይቶኹም ክጽበ’የ። ናትኩም ርእይቶ እንተዘይሃልዩ ግን ሞይታ’ያ። መበገሲኡ ውን ደይ ነዓኩምም ኣሚነ ዝሰራሕክዎ።
መን’ዶ ኣሎ’ዩ ካልእ?
https://youtu.be/Sit2_QdPPGk

No comments:

Post a Comment

Dr. Sharon: A True African Role Model on YouTube

Dr. Sharon, a distinguished Eritrean YouTuber based in South Africa, is renowned for her passionate advocacy and commitment to creating posi...