Sunday, February 9, 2020

"ንመን" ሓዳሽ ፊልም ኣብ ሲኔማታታ ኤውሮጳ ኣብ ቀረባ እዋን


ክብሮም ደሞዝ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ማእከል ስነ-ጥበባውያን ሃገርና ዝዓበየ ኣዝማሪኖታት’ዩ። ክብሮም ኣፍካ ዘየኽድን ተጫራቓይን ንሂወት ብጥበብ ዝርደኣን ክገልጻን ዝፍትትን ዓይነት ሰብ’ዩ። ብፍላይ ክብረሆ እንከሎ ኣብ ዓውዲ ስነ-ሓሳብን ፍልስፍናን ፍጹም ካብ ነጥቢ ናብ ነጥቢ ዝኸይድ ፍላስፋ’ዩ ዝቕየር።
ዕላላት ክብሮም ኣዝዮም ምቁራትን ክትደግሞም ደሊኻ ፍጹም ዘይከኣሉን’ዮም። ምኽንያቱ ብጥበብ ምስ ገጸ ባህርያቶም ዱብ ዘብለልካ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾኑ ሓቅታት ኣለው። ስለ ዝኾነ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሞንጎ’ቲ ዕላል ምስ ካልእ ሰብ ተዕልል ዘሎኻ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓካ ምኽንያቱ ወላ ላህጃ ክብሮም ነቶም ኣብ ዕላሉ ዘለዉ ገጸባህርያት ስለ ዝለብስ።
The feature film 'Nmen' official poster
ክብሮም ኣብታ ሓጻር ናይ ፓሪስ ጻንሖቱ ቡዙሕ ሓባራዊ ተመኩሮ ክንልዋዋጥ ኣብቅዒና እዩ። ኣዝዩ ምቁር ዕላል ውን ኣዕሊልና። ልዕሊ ኩሉ ደስ ዝበል እንተኔሩ ግን መጽሓፉ ‘ሓወልተይ’ ንሕትመት በቒዓ ምርኣይና እዩ፡፡ መጽሓፍ ግጥሚ ሓወለተይ ኣብዝሓለፈ ወርሒ 12/3019 ኣብ ከተማ ማይንስ ጀርመን ብወጎዒ ከምዝተመረቐት ገለ፡ጸብጻብ ውን ኣብ ቻነልና ሲኔማ ሓበሻ ተመዝጊቡ ክም ዘሎ ከነዘኻኽር ንፈቱ። ካብኡ ብዝበለጸ ‘ንመን’ ዘርእስታ ናይ ሲኔማ ፊልም ሒዙልና እዩ መጺኡ። ክብሮም ደሞዝ ተራ ናይ ደራስን ተዋሳእይን ካላኣይ ኣላይን ተጻዊቱ ዝሰርሓ ፊልም ኮይና። ካብ መላእ ኤሮጳ ዝተሓርዩ ገዳይምን ሓደስትን ኮዋኽብቲ ዝተሳተፉዋ " ፊቸር ፊልም' ፡ ብቀንዲ ዳይረክተር ሰናይ ሶሎሞን ከምኡ ውን ምሩጻት ኮዋኽብቲ፡ (ፋሲል ተስፋይ፡ ዮሃና ተኽላይ፡ ሰምሃር መንግስተኣብ፡ ሮቤል ተስፋይ(onon) ፡ መለይ መንግስተኣብ፡ ሃና በርሀ፡ ሰናይ ሶሎሞን፡ ኮኾብ ተስፋልደት፡ ኪብሮም ዶምዝን ካልኦትን ዝተዋስእዋ ፊልም።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ መመርቕትኣ ኣብ ጀርመን ክፍጸም ትጽቢት ይግበር። ድሕሪ ፈላሚ መመረቕታ ናይ ጀርመን ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ኤሮጳ ኣብ ሲኔማ ንክትረአ ክትዳሎ እያ፡፡ ኩላትኩም ኣፍቀርቲ ፊልም ስነጥበብ ሃገርና ዳግም እግሪ ኣብ ምትካል ነዛ ፊልም ንምራይ ቆጸራኹም ከተኽብሩ ብትሕትና ንምሕጸን። ንሲኔማ ዝኸውን ፊልም ንምስራሕ ማዕረ ክንደይ ሃልክን ወጻኢታትን ከምዘድልዮ ብፍላይ ከኣ፡
ነዛ ፊልም ንምስራሕ ዝሓለፈ ብድሆታት ንባዕሉ ርእሱ ዝኸኣለ ፊልም ምኾነ ነይሩ። ኣብ መስርሕ ዘጋጠሙ ከበድቲ ብድሆታትን ከቢድ ወጻኢታትን ሃልኪን ብ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ጥበብን ፍቕሪ ሓድሕድን ከምዝተሳዕረ’ዩ ኣዕሊሉና ደራስን ዳይረክተርን ኪብሮም ደሞዝ።
ንዕሙቕ ዝበለ ትሕዝቶ ዕላል ምስ ክብሮም ደሞዝ ኣብ ዝቕጽል መደብ ናይ ዶን-ዲናር ሾው ተኽታተሉ።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...