Friday, February 14, 2020

ንስምዒታት መግለጺ ንጥቀመሎም ናይ ሞባይል ኢሞቲኮን ዋናታት ከምዘለዎም ትፈልጡ’ዶ?



 ኣብ ሞባይል ንጥቀመሎም መግለጺ ስምዒታት ዝኾኑ ኢሞቲኮን፡ ኩሎም ዋና ከምዘለዎምን፡  ነፍሲ ወከፍ ንሕና ብዝተጠቐምናሎም ከኣ ዋናታትዞም ኣሳእል (ኢሞቲኮን) ሒደት ሳናቲም ኣታዊታት ከምዝረክቡ ትፈልጡ?
እዛ ከም መግለጺ ፍሽኽታ ንጥቀመላ ከባብ ብጫ ብጸሊም ክልተ ነጥቢታትን ጥውዮ ሕንጻጽን ዘለዋ ስእሊ፡ ፈለማ ብኣመሪካዊ ሮስ ቦል  ኣብ 1963’ ተሳኢላ። እንተኾነ ኣዝዩ ግኑን ስም ክህልዋ ዝጀመረ ግን Franklin Loufrani ዝተባህለ ናይ France-Soir እትበሃል ዝነበረት ናይ ፈረንሳ ጋዜጣ ጸሓፊ ዓምዲ ክጥቀመላ ምስ ጀመረዩ። እታ ዓምዲ ኣወንታዊ ሓሳባት እተአንግድ ምስ ምንባራ፡ ስማይል ድማ ከም ስእሊ ክጥቀመላ ብዝጀመረ ዝና ናይዛ ኢሞቲኮን ግኑን ዝኾነ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ድማ ካብ ድኻ ጋዜጠኛ ናብ ሃብታም ወናኒ ዓባይ ትካል The Smiley Company ተቐይሩ። 
ኣብ 1990 ኒኮላስ ምስ ወዱ ኣብ 70 ሃገራት ወናኒ ናይዛ ኢሞቲኮን ክኸውን ከኣለ። ድሕሪ 6 ዓመታት ድማ ኣብ ከተማ ላንደን  ስማይሊ ዝበሃል ኦፊስ ብምኽፋት ሚልዮናት ክግሕጥ ጀመረ። ምስ ምትእትታው ሞባይላት NokiaMotorolaSamsung ጠለብ ስማይሊ ሰማይ ዓረገ። ብመንጽሩ ድማ ኣብ ዓመት ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ኣታዊ ኣኻዕበተት።
እዛ ዓባይ ትካል 200ሚልዮን ዶላር ርእሰ ማል ከምዘለዋን 10 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታታ ንግብረ ሰናይ ማሕበር ከም እትውፍዮን ይፍለጥ። ኣብ ሰናይ መዓልቲ ዝተረኽበት ተራ-ነገር ግን ከኣ ብልጽቲ ርኽበት ትበሃል! Smiley………

 ኣብ ዝሃለኹም ሃሊኹም ብኩነታት ከይተቐየድኩምን ከይተሓለልኩምን ሓድሽ ነገር ካብ ምፍጣር (ምምሃዝ) ኣይትሕመቑ። ሓደ መዓልቲ ወይ ጁባኹም ወይ ታሪኽኩም ክዓቢ ምዃኑ ዘይምርሳዕ።


2 comments:

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...