ክብሮም ደሞዝ ሓደ ኣብ ምስ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ዝዓበዩ ኣዝማሪኖታት’ዩ። ክብሮም ኣፍካ ዘየኽድን ተጫራቓይን ንሂወት ብጥበብ ዝርደኣን ክገልጻን ዝፍትትን ዓይነት ሰብ’ዩ። ብፍላይ ክብረሆ እንከሎ ኣብ ዓውዲ ስነ-ሓሳብን ፍልስፍናን ፍጹም ካብ ነጥቢ ናብ ነጥቢ ዝኸይድ ፍላስፋ’ዩ ዝቕየር።
ዕላላት ክብሮም ኣዝዮም ምቁራትን ክትደግሞም ደሊኻ ፍጹም ዘይከኣሉን’ዮም። ምኽንያቱ ብጥበብ ምስ ገጸ ባህርያቶም ዱብ ዝብሉኻ ስለ ዝኾኑ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሞንጎ’ቲ ዕላል ምስ ካልእ ሰብ ተዕልል ዘሎኻ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓካ ምኽንያቱ ወላ ላህጃ ክብሮም ነቶም ኣብ ዕላሉ ዘለዉ ገጸባህርያት ስለብስ።
ክብሮም ኣብታ ሓጻር ናይ ፓሪስ ጽንሖቱ ክንራኸብ በቒዕና፡ ኣዝዩ ምቁር ዕላል ውን ኣዕሊልና። ልዕሊ ኩሉ ነዓይ ደስ ዝበለኒ ነገር እንተሃልዩ ግን መጽሓፉ ‘ሓወልተይ’ ንሕትመት በቒዓ ምርኣየይ፡ ከምኡ ውን ‘ንመን’ ዘርእስታ ፊልም ባዕሉ ደሪሱ ከምኡ ውን ኣብታ ፊልም ብምውሳእ ኣብዚ ቁሩባት ሰሙናት ናብ ኣፍቀርቲ ሲነማ ከብላ ምዃኑ’ዩ።
ነዛ ፊልም ንምስራሕ ዝሓለፈ ብድሆታት ንባዕሉ ርእሱ ዝኸኣለ ፊልም ምኾነ ነይሩ። ክብሮም ነዛ ፊልም ንምስራሕ ዝተገብረ ከቢድ ወጻኢታትን ሃልኪን ብ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ጥበብን ፍቕሪ ሓድሕድን ከምዝተሳዕረ’ዩ ኣዕሊሉና።
ንዕሙቕ ዝበለ ዝሕዝቶ ዕላል ምስ ክብሮም ኣብ ዶን-ዲናር ሾው ተኽታተሉ።
https://www.youtube.com/watch?v=YEU1PHpEG1Y&feature=youtu.be&fbclid=IwAR1LeLFD2QPAIJ2Wpc-mnhS_OspPYfDWanU50H5toaVqHQlMIF_Bbk-iRuw

No comments:
Post a Comment