Thursday, February 27, 2020

ኳሓልቲ ዲና - መንቆርቲ፧



ብላይክን ብዝሒ ተኸታተልቲ ኣብ ዩቱብን ካልእን ከምዝስከር ኣብዚ ቀረባ ግዜ’የ ከስተብል ጀሚረ። ማለት ሓደ ኣርሓ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ንፉዕ ንፉዕ እንተተባህለ፡ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ክዛረብ፡ ከምዚ ቀጻዒ ኢሉ ዝሓስቦ ቃላት ገይሩ ኮመንት ክገብር ወይ ዘይጠቅም ዓንቀጻት ከዋድድ ተዓዚበ። እታ ሂወቱ ድማ ኣብ በዓቲ ቃላት ትግርኛ ተቐቢርካ ኮለል ምባል ኮይና ትተርፍ………..
    ኣሽሓት ሰባት ዝፈልጥዎ ተራ ነገር ከም ዓቢ ነገር ጌርካ ኣርእስቲታት ኣመቓቒርካ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን ተመሳሰልቲ ፕላትፎርምታትን ምቕራብ ከም ፋሽን ኮይኑ ንዕዘብ ኣሎና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜኦም ዝተመንዉ ናይ ሓጺር ግዜ ከዋኽብቲ ኮይኖም ኣብዚ ግዜ ብዙሕ ከበር ዘይግበረሎም ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ከኣ በብግዜኡ ክደጋገሙና ከም ንቡር ክንወስዶ ጀሚርና ኣሎና። ናይ መወዳእታ ዕጫ’ዞም ሰባት ተናዒቖም ገለ ውን ከምናይ ኣእምሮ ኣካለ ስንኩላን ይሕሰቡ ኣለዉ…… ክሳብ እዛ መዓልቲ’ዚኣ ትኣክል ከውርድዎ ዝኽእሉ ዕንወት ግን ኣትሒትካ ዝረአ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኣዝዩ ኣዕናዊን መርዚን እዩ።
እዞም ከምዚኦም ሰባት፡ ስድነቶም ዝገልጸሉ መድረኽ ተሓሪምዎም ከምዝነበረ ዘይንቡር እስትንፋሶም ይምስክር ኣሎ። መድረኽ ምስተረኽበ ናይ ስምዑኒ ደወሎም የረጋግጽ። ኣብቲ በድኒ ዘለዎ ኣቡኡ ዃዃት ይእከቡ ከምዝበሃል……… ሰብ ኣበይ  ከምዝእከብ፣ ብኸመይ ከምዝስንብድ ምስፈለጡ፣ ሚስጥር እንዳተባህለ መረጋገጺ ዘይብሉ ነገራት ሸር በሎ እናበልካ፡ ኣሕዋትካ ከተዋህም ምውዓል ካብዚ ንላዕሊ ዓገብ ዘብል ጉዳይ የሎን። ካብቶም ኣቕረብቱ ሸር በሃልቱ!
    እዞም ዓይነት ሰባት ቡዙሓት በጻሕቲ’ኳ እንተለዎም መብዝሕቶኦም ግን፡ ‘ኣንታ እዚ ጽሉል ሎሚ ኸ እንታይ’ዩ ክብል ንምዃኑ ከመይ ኢሉ ከምዚ ይዛረብ ኣሎ ክብሉ’ዩም ክፉት ባብ ከም መሕለፊ ግዜ ዝኹሕኹሑ ዘለው። ገሊኦም ድማ “ኣብታይ`ሲ ካብ ጸጊበን ዝዕንድራ፡ ይዕንድራ ኣለዋ ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ” ከምዝበሃል፣ እነሃለ ቁጽሪ ሰዓብቶም ድማ ብድራማቲካዊ ኣገባብ ይባዛሕ። ገሊኣቶም ሰብ ውሑድ ጥበብ ድማ፣ ድንቂ ዝኾነ ሓሳብ ዘምጽኡ’ዩ ዝመስሎም።
    እምበር እዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ነቲ ናይ ትምህርቲ መደብ ዝሰሓቐሉ፡ ነቲ መስሓቕ መደብ ዝብከየሉ፣ ነቲ ጽቡቕ ዜና ከኣ ይቑዘመሉ ኣሎ። ኣብ መወዳእታኡ ናበይ ዩ እቲ ጉዕዞ. . .  
ኣነ  ከይገረመኒ ኣይትረፈን፣ ወረ ከመይ ጌርኩም ኢኹም፣ ገቢረ ኹሉ ፈሊጠ ኩሉ ‘omnisense’ ክትኮኑ ትፍትኑ።
1 ኣብ ፖሎቲካ ቀንዲ መፍትሕ ሓሳባት ኣለውኻ፡ ግን ዝጥቀመሉ ሰብ የለን? እዚ ማለት ድማ ዋላ ባዕልኹም ክትጥቀመሉ ከምዘይትኽእሉ ኢኹም እተብርሁልና ዘለኹም ማለት’ዩ…….. (ኣይርዳኣኩምን’ዩ ደኣ እምበር)
2 ኣብ ሕክምና ፉጹም ዶክተር ኢኹም ዝጎድለኩም የለን (ብኣፍ ጥራይ ኮይኑ እምበር)።
3 ኣብ ቁጠባ፣ ከመይ ጌርካ ቡዙሕ ገንዘብ ትረክብ እትብል መጽሓፍ ጺሒፍኩም ግን መሕተሚ ገንዘብ ደኣ ሲኢንኩምላ’ዩ ነገሩ እምበር!!
4 ኣብ ማሕበራዊ ህይወት፣ ቀንዲ ቀለስቲ ዝኾነ ሓሳብ ኣለዉኹም ፣ምኽንያቱ ነቶም ብግብሪ ዝሰርሑ ከተቋናጽቡ ኢኹም ትውዕሉ፣ ኣብ ሓዳርን ናብራን ክሳብ ክሽነን ዓራትን ዝበጽሕ ምርምር ኣለኩም፣ እንተኾነ መብዛሕትኹም ሓደው ፉቱሓት ወይ ሰብ ሓዳር ኣይኮንኩምን።
    እንታይ ኢና’ሞ ክንብለኩም ናተይ እትብልዎ ዓውዲ ወይ ዕላማ የብልኩምን። ናትና እትብልዎ ስነምግባር የብልኩምን። ናትና እትብልዎ ባህሊ የብልኩምን ፣ ናትና እትብልዎ መጽናዕቲ የብልኩምን፣ ምኽንያቱ ኩሉ ሓሳብኩምን ስእልኹምን  ዘረባኹምን ቅዳሕ ናይ ካልኦት ስለ ዝኾነ። ንምፍልላይን ምንእኣስን ቀዳሞት ኢኹም፣ ብእንጻሩ ግን እቲ መደባትኩምን ጽሑፋትኩምን ብሶሻል ሜድያ  ዝዕዘብ እሞ ንስኹም ከኣ ብሽሙ ገንዘብ እተኻዕብቱሉ ግዜ ዩ። ዘበንያ ግርምቢጥ!
    ሕብረተሰብና፣ ናይ ሕብረት ስራሕ ንሓባራዊ ዕበየት፡ ንሓባራዊ ምልዋጥ ፣ንሓባራዊ ተበግሶ  ንናይ ቀጻሊ ወለዶ ጡጡሕ ምንጻፍ ሃንቀው ኢሉ’ዩ ዝጽበ ዘሎ። ንስኹም ግን  ሓንሳብ ዶክተር፣ ሓንሳብ ፈራዲ፣ ሓንሳብ ፖሎቲከኛ፣ ሓንሳብ ጋዜጠኛ፣ ሓንሳብ ሃይማኖተኛ ብምዃን ምስልኹም እንዳለወጥኩም ሰብ ምግጋይ ስርሐይ ኢልኩም ተታሓሒዝኩሞ።
    እቲ ዝተማህረን ለባምን’ኮ በዚ ሓደ እዝኑ ሰሚዑ፣ በቲ ሓደ የንፍሶ ኣሎ፣ እቲ ውሑድ ብኣኹም ዝጋገ ድማ ክሳብ ዝፈልጠኩም መኣዝኑ ተጥፍእሉ። ነዛ ሓጻር ዕምሪኹም ክትጥቀሙላ ሓኾት ትብሉ ኣለኹም። ተሕዝኑ!
እንታይ ኔሩዎ፣ ሓደ ዓውዲ ኣዕሙቕ ኣቢልኩም እንተትሕዙ? ኣርሒቕኩም እንተትሓስቡ፡ እንተ ትመራመሩ? እዚ ብዙሕ ዝጽበን ብዙሕ ዝተጎድአ ሕብረተሰብና፡ ንእሽቶ መንቋሕቋሕታ ምኾኖ………
ወላሓንቲ ዘየበርከተ ዝወራዘየሉ ድኣ በዚሕዎ’ኮ! መሪርዎ’ኮ!  
    ጥርሑ ገረወኛ ዓው ዝበለ ድምጺ ይገብር ከም ዝበሃል፡ ኣይፋልኩምን ቆፎ ፍልጠትኩም ምልኡ። ሕጂ’ኳ
በረው-ረው ኢኹም ትብሉ ዘለኹም።
   
Photo illustration by Dinar Hurui (Don Dinar)
እቶም ኣብ ማሕበራዊ ድሕረገጻት እንታይ ተባህለ ኢልና ንጽበ ከኣ፡ ግዜና ኣብ ክንልወጠሉ ንኽእልን ጽቡቕ ፍልጠትን ዘለዎም መደባት እንተሕለፍናዮም ዝሓሸ ስለዝኾነ፡ ነቶም ሃተፍተፍ ክብሉ ዝውዕሉ ኣርሓታት ማሕበራዊ ሜድያ ሸለል ኢልና ራኢና እንተዕበና ንነብስናን ንስድራናን ዝሓሸ’ዩ እሞ ግዜና ብግቡእ ንጠቐመሉ። እምበር በዓል ሸር በሎስ. . .

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...