Monday, April 13, 2020

ሓደ ሓሪፍ ዕድሜኡ 30ታት ምስ መልአ ኣብ ህይወቱ እንታይ ለውጢ ይገብር!




ኩሎም ኣዕሩኽተይ ዘልዓልዋ ቀዳመይቲ ነጥቢ፡ ሳላሳታት ምስ ገበርካ ኩሎም ኣዕሩኽትኻን ኩለን መሓዙትካን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ናይ መርዓአን/ኦም ዝበዝሓ ድማ ናይ ጥምቀት ደቀን ስእሊ’የን ዝዝርግሓ። ኣዕሩኽትኻ ድማ በብሓደ ናይ ፕሮፋይል ስእሎም ናብ ናይ ህጻናት ደቆም ክቕየር ይጅምር። እዚ ዲጂታላዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣካላዊ ብቕዓትካ ዝመጽእ ለውጢ ድማ ብዙሕ’ዩ። ሓደ ዓርክና ምስ ናይ ሕማመይ ኩዕሶ ክጓየይ ምስ ረኣይዎ፡ እዚ ሰብኣይ ክጎይይ-ክንድመዓት ‘ኣክቲቭ’ ኬፍ ዘለዎ!  ምስ በልዎ ተገሪሙ ኣብ ሜዳ ፈዚዙ ምስ ተረፈ’የ ነዛ ጽሕፍቲ ከዋድዳ ዝጀመርኩ……..
ለውጢ ወይ ባዕላ ወይ ባዕልኻ እያ ትመጽእ። ባዕላ ክትመጽእ እንከላ ድማ ብግዴታ ምርዓም የድልየካ። ነዚ ጽሑፍ ንኽጽሕፍ ምስ ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣዕሊለ’የ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣነን ኣዕሩኽተይን ኣብ መጀምርያ ናይ ሳላሳታት ኢና ዘሎና። 20ታት ድማ ትምህርቲ ኣገልግሎት ፕሮሰስን ስደትን ክንብል ሓሊፈን። እንሆ ድማ ኣብ 30ታት ረጊጽና ኣሎና። ወይ’ዛ እርጋን የ ባዕላ ያ እምበር ኣነስ ኣይደለኽዋን የ ትደርፍ
መግቢ ከም ናይ ቀደምካ ምሕቃቕ ይኣብየካ፡ ኣብ ዕስራታት ከምድላይካ ኣብ ድላይካ ሰዓታት ትበልዕ ዝነበርካ፡ ኣብ ሰላሳታት ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ክብድ ዝበለ መግቢ ምስ ትበልዕ ልዋም ዘለዎ ድቃስ ክትድቅስ ዘለካ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። ገዓት ቅድሚ ሰዓት በሊዕካ ብኸብድኻ ትድቅሰሉ ዝነበርካ/ኪ ወርቃዊ ግዜ ከኣ እንዳ ኣስተንተንካ ክትዝክሮ ትጅምር። ዝኸፍአ ከኣ ንምዝንጋዕ ኢልካ ንሒደት መዓልታት ምስ ትገይሽ ‘ቫኼሽን’ ከምድላይካ ትበልዕን ቢራ ክትጨርምን ምስ ትቕኒ፡ ኣብ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ከብድኻ ንቕድሚት ክትውጥወጥ ትጅምር፡ ምዕጉርትኻ ውን ምልእልእ’ያ ትብል።
መዛኑ ኣዕርኡኽተይ ስዒቦም ዘምጽእዋ ኣርእስቲ ጉዳይ ቡን’ያ፡ ‘ድሕሪ ሰዓት 6 ናይ ምሸት ቡን ከይትለክፍ ብኮፍካ ከይትሓድር’ እትብል ሓረግ’ያ ብብዝሒ ተደጋጊማትኒ። ኣብ ዕስራታት ካብ ኣወል ክሳብ በረካ እንዳደጋገምካ ቡን ክትሰቲ ኣምሲኻ፡ ኣብ ሰዓት ድቃስካ ወላ ሓንቲ ዝኽልክለካ ነገር የልቦን። 30 ዝብልዋ ዕድመ ምስ ትኣቱ ግን ቡን ብሰዓታት ክትድንድነካ ትጅምር። ንግሆ ነብስኻ ምትሳእ ኣብ ዝኣብየካ ግዜ ድማ ቡን ትጉነፍ። ኣዕሩኽትካ ናዓናይ ኩዕሶ ክንጻወት ኢሎም ከተስኡኻን ማልያኻን ሓጺር ስሬኻን ወዲኻ ኣብ 5 ደቓይቕ ካብ ገዛ ትስወረሉ ዝነበርካ ግዜ ይዝከረካ……….
ኣብ ግዜ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ (ሃይ-ስኩል) ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ኩዕሶ ተጸዊትካ ክላስ ኣቲኻ ትምህርቲ ትቕጽለሉ ዝነበርካ ግዜ ትናፍቕ። ኣብቲ ግዜ ረሃጽካ ኣራንቺ ወይ ለሚን’ዩ ዝሽትት ነይሩ። ድሕሪ ሰላሳ ግን ስራሕ ውዒልካ ኣብ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ብጥበብ ኩነታት ቱሽቱሽካ ከመይ ኣሎ ትከታተል። ቀደም ትኽ ኢልካ ድስቲ ናይ ኣደኻ ትኸፍት ዝነበርካ፡ ሎሚ ትኽ ኢልካ ናብ ሻወር ይቕየር።
ስዒባ ዝተላዕለት ኣርእስቲ ነቶም ካባኻ ብ 5-6 ዓመት ዝንእሱ መዛኑኻ ዘስሕቖም ዕላላት ወይ ዋዛታት ብዙሕ ዘይክዓጅበካ ይጅምር። ከይተረደኣካ ድማ ዕላላትካ ናብ ቁምነገር ይኸዱ፡ እተን እትድውረን ዝነበርካ ኣዋልድ ውን ድሕሪ ቁሩብ ዕላላተን ብዛዕባ ሓዳርን ናብራን ጥራይ እናምጽኣ ናይ ኬፋት ዕላል ካባኻ ከምዝርሕቕ ይገብራኦ። ኣብ ዕስራታትካ ዋዕዋዕታ ፍጹም ኣይርሸካን’ዩ ዓው ኢልካ ምስሓቕ ውን ከም መርኣያ ዕብለላ ወይ ማራ ኬፍ ዘለዎ ግዜ ተሕልፍ ከምዘሎኻ መርኣያ’ዩ ዝሕሰብ። ካብ መወዳእታ 20ታትካ ግን ብርቱዕ ዋዕዋዕታ ኣዝዩ’ዩ ክርብሸካን ከጨንቐካን ዝጅምር።
ኣብ 30ታት ብዙሓት ካብ ኣዕሩኸተይ ዝተሰማምዑላ ሓቂ እንተሃልያ፡ ነቲ ኣብ 20ታት ከበር ዘይትገብረሉ ገንዘብ ምውህላልን ስራሕን ዓቲብካ ምሓዝ ከገድሰካ ይጅምር። ምኽንያቱ ኣዕሩኽትኻ ኣብ ሓዳሮም ብገንዘብ ክውጠጡ ብተደጋጋሚ ስለ እትዕዘብ። ብመንጽሩ ድማ ኣብ ምድዋር ደቂ-ኣንስትዮ ትገብሮ ወፍሪ ናይ ገንዘብ ሃንደበት ዓቢ ምጉዳል ናይ ባጀት ትገብር። ኣብ መጀመርታ 30ታት ነተን ሕለፍያ ኢልካ ናይ ሕርፍና ኲናት ትገብረለን ዝነበርካ መሓዙትካን መደዋወርቲኻን ዝኾና መዛኑኻ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብድራማቲካዊ ኣገባብ ዝተለወጠ ዕላል ከተዕልል ትጅምር። ነቲ ዝነበረ ዕላላት ስነ-ሕርፍናን ምውርዛይን ብጥንሲ፡ ሓዳር፡ መርዓ፡ ወሊድን ጥዕናን ካልእን ይትካእ። ነቲ ከም ፍሉይ ጌርካ ትሓስቦ ዝነበርካ ዕላላት ናይ ጾታዊ ርክብ ብኣብ ሕርሲ ዘጋጠመ ጸገም፡ ጥንሲ፡ ምብጻሕ ዶክተርን ካልእን ይቕየር። መሓዙትካ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዝይትምርዖ፡ መሓዛይ ኣላ ሓንቲ ከላልየካ፡ ልቓሕ ገንዘብ፡ ስራሕ፡ ድኻም፡ ስድራ-ቤትን ካልእን ይቕየር።

ሓደ ወዲ 30 ዓመት ምስ ገበረ፡ ከስተብህሎ ዝጅምር ነገር እንተሃልዩ ንኣስታት 10 ዓመት ንኣዋልድ ክድውር ዘጥፍኦ ግዜ ከጣዕሶ’ዩ ዝጅምር። ምኽንያቱ ኣዋልድ ልክዕ ከም ኣወዳት ደዊለን ከዕልላኦ ስለዝጅምራ። ኣብ ዕስራታት ገዛ ኣጸምዩ ዝሑል ሙዚቃ ወሊዑ ንችክስ ዝድውል ዝነበረ ኣርሓ ጎበዝ፡ ኣብ 30ታት ብፍላይ ኣብ ስደት፡ ሄሎ ሽኮር፡’ ኣብ ስራሕ ኣለኹ’ ሰብ ተመጽዩኒ ግን ክዓጽዋ’የ፡ ኣብ ባቡር ኣለኹ ትሰምዕኒ እንተሃሊኺ ነዕልል ካልእን እንዳበለ ጉዳዩ እንዳገበረ የዕልል።
 ሓደ ኣርሓ ጎበዝ 30 ዓመት ምስ ገበረ ሓደስቲ ኣዕሩኽቲ ከጠሪ ኣዝዩ’ዩ ዘሸግሮ። ምኽንያቱ ነዓኡ ዝመስል ሰብ ክደሊ ስለዝጅምር፡ ከምኡ ውን ሓሳባት ዝንጥል ኣቢልካ ደፊርካ ከተልዕልን ክትንትንን ክኸብደካ ስለ ዝጅምር። ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ከጋጥም ዝኽእል ክትዕ ድማ ከይተገጠመ ሸተት ኢሉ ክሓልፎ ይጅምር። ምኽንያቱ መወዳእትኡ ተጸሪፍካ ወይ ተረቲዕካ ከምትወጽእ ቀልጢፉ ክርዳኦ ስለ ዝጅምር። ከይተፈለጠካ ድማ ህድእ ኢልካ ክትሓስብ ትጅምር። 
ምስ ኣዕሩኽቲ ኣብ እትገብሮ ስፖርታዊ ምንቅስቓስን ጸወታ ኩዕሶን ብጥቃቐን ልዕሊ ጸወታ ዘረባ ከምተብዝሕን ካብ ነርወይ ዘለዉ ጀምዓ ኣዕሊሎሙኒ። ንእሽቶ መጉዳእቲ ኣብ ጸወታ ምስ ዘጋጥመካ ድማ ነብስኻ ንመዓልታት ቃንዛን ልዑል ክንክን ክትሓትት ትጅምር። ብፍላይ ምስ ካባኻ ንእስ ዝበሉ ትጻወት እንተሃሊኻ፡ ኣንታወዲ ፓስ ኣይተሽኽዕ፡ ዘርግሓያ ኩዕሶ ዝብላ ናይ ጭደራ ዝተሓወሰን ሓረጋት ክደጋገማ ትሰምዐን። ምኽንያቱ ክንዲ ናይ ሕማመይ ክትጎይ ስለ ዘይትኽእል።
ኣብ ጉዳይ ምምልኻዕ ድማ፡ ጹጉሪኻን ጭሕምኻን ኣለይ መለይ ምስ በልካዮ ኣብ ቪትሮ ዝነበረካ ተገዳስነት ብድራማቲካዊ ኣገባብ ይጎድል። ዝበዝሐ ግዜ ግን ዝወጸካ ሽበት ክትፈቕድን ምስ ዝገበርካያ ቦዲ ማልያ ከብዲ ወጽያን ኣይወጽአትን ክትርእይ ብዙሕ ግዜ ከምተሕልፍ’ዩም ዘዕልሉ መዛኑ። ካሊእ እንተሎ ወስ ኣይንሕመቕ
ንመዛኑየይን መተዓብይተይን ከም መዘከርታ ትኹነለይ። 


No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...