Saturday, April 25, 2020

ቢክ-ፒሮ፡ ስም ሰብ ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ?


ቢክ ፒሮ ክለዓል እንከሎ ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ኣካዳሚ ትምህርቲ’ዩ ዘዘኻኽሮ። ምኽንያቱ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ቢክ ፒሮ እንዳ ተጠቕመ ስለ ዝዓበየ። እዚ ፒሮ ፈለማ ኣብ ፈረንሳ ከምዝተሰርሐን ወናኒኡ ከምኡ ውን መሃዚኡን ፈረንሳዊ ማርሰል ቢክ (Marcel Bich) ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ? ፍሉይነትን ብሉጽነትን ናይዚ ፒሮ ድማ ንልዕሊ 70 ዓመት ዝኾነ ዓቢ ለውጢ ከይተገብረሉ ከምዘለዎ ፋሽኑ ወይ ድማ ሞዳኡ ዘይወደቐ: ሓደ ካብ ናይ 20 ክፍለ-ዘመን ኣገደስቲ ምህዞታት ምዃኑ ከኣ’ዩ ዝንገረሉ።
ኣብ ኤርትራ ከም ልምዲ ብዛይካ’ታ ሻሂ ንሰትየላ ቡሽ/ ወይ ብኬሪ፡ ንሳ ከማን ብግዜ ቁልዕነትና ሻሂ እንዳ ጸንቀቕና ዘንበብና’ያ እንተዘይኮይኑ፡ ብዙሕ ፍርያት ናይ ፈረንሳ ኣይንፈልጥን ኢና። ነገር ግን፡ ፈረንሳውያን መሃዝቲ ብሽክለታ፡ መደገፊ ኣጥባት (ረጂ-ቤቶ) bra፡ ካልኩሌተር( መሕሰቢ ኣሃዛት) ፡መንቀጺ ጸጉሪ hair dryer፡ ማይነዝ፡ ታክሲ፡ ናይ ከተማ ጉሓፍን ካልእ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ነገራት ዝመሃጹ’ዮም። ከምኡ ውን ከም በዓል ፊሊፒስ፡ ኤር-ባስ፡ ኣዲዳስን ኣብ ዓለም ዘለዉ ዝበለጹ ናይ ፋሽን ቕዲ ዘፍርያ ትካላት ካብ ዓበይቲ ከም ክርስትያን ድዮር፡ ኮኮ ቻነል ክሳብ ዝነኣሰ ዳርጋ ኩሉ ዋንነት ምህዞ ፈረንሳውያን’ዩ።
ቢክ ከም ፒሮ ብ1950’ዩ ተማሂዙ። ቢክ ኣብ ጫፉ ሓንቲ ከባብ ኩዕሶ እንዳ ኣዘረን ቀለም እንዳጠምዐ ዝጽሕፍ (Ball point) ኮይኑ’ዩ ተሰሪሑ። ኣብ ምቑጣብ ቀለምን ቅልጣፈን ጽፈት ኣገልግሎትን ድማ ኣዝዩ ኣድማዒ’ዩ። እዚ ምህዞ ኣቶ BICH ምስ ሃንጋርያዊ መሳርሕቱ Laszlo Biro ብምኳን’ዩ ናይ መወዳእታ ቅርጹ ከትሕዞ ዝኸኣለ። ኣብ 1953 ከኣ ናይ ፈለማ ቢክ-ፒሮ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ወሪዳ፡ ካብ ተጠቐምቲ ድማ ልዑል ተጠላብነት ረኸበ። እዚ ፒሮ ክሳብ ሕጂ መወዳድርቲ ዘይብሉ ድልዱልን ኣተኣማማኒን፡ ሓንሳብ ኣብ ወረቐት ምስ ተሓንጠጠ ን10ታት ዓመታት ክጸንሕ ዝኽእል’ዩ።
ኣብ ዓለም ካብ ዝደኸዩ ተማሃሮ ክሳብ ዓበይቲ መራሕቲ ሃገራትን ነዚ ፒሮ ከምዝጥቀሙ ይፍለጥ። ኣብ 2005 እዚ ትካል መበል 100 ቢልዮን ፒሮ ከምዝሸጠ ኣብ ጸብጻባቱ ኣስፊርዎ ይርከብ።
ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ከም ፈረንሳ ኣብ ከም ናይ ባንክን ካልእ ወግዓዊ ፌርማ ቢክ ክትጥቀም ይመኽራ። እዚ ትካል ኣብ ልዕሊ 160 ሃገራት ፋብሪካታት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኮይኑ፡ ዝተደርበየ ፕላስቲክ እንዳ ኣመስርሐ ስለ ዝጥቀም፡ ሓደ ካብ ኣብነታውያን ዓበይቲ ትካላት ዓለም ይገብሮ። ሓንቲ ፒክ-ፒሮ ን 3.5ኪ,ሜ ከየቋረጸት ክትጽሕፍ ከምትኽእል ይንገረላ።
መሃዚ’ዚ ፒሮ ማርሰል ቢክ ብግንቦት 30 1994 ኣብ መበል 80 ዓመቱ ዓሪፉ።
ነቶም ብቢክ ፒሮ እንጻ ሓንጠጡ ዝተማህሩ መማህርተይን መተዓብይተይን ትኹነለይ። እቶም ብቐይሕ ቢክ-ፒሮ እንዳተጠቕሙ ብዙሕ ኤክስ ዝገብሩልና ዝነበሩ መማህራንና’ኸ ኣበይ 'ኮን ይህልዉ ሕጂ...........

No comments:

Post a Comment

ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ምንታይካ ምዃኑ ዘይርደኣካ ተዘዝታ ዝፈጥር ሃዋህው እዩ ዘለዎ። በዓል ፋሲካ ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታት ሃገርና ኤርትራ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ድሙቕ ትርጉም ዘለዎ በዓል እዩ። ድሮ በዓለ ትንሳኤ ብልምዲ ...