Tuesday, May 5, 2020

ኣርሓ ጎበዝ ከመይ ዝበለ’ዩ? ስለምንታይ’ከ ብደቂ-ኣንስትዮ ፍቱው?


 ደቂ-ተባዕትዮ ኣቓልቦ ደቂ-ኣንስትዮ ክስሕቡ ዘይገብርዎ ነገር የለን። እንተኾነ 20% ካብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ’ዮም ብደቂ-ኣንስትዮ ተደለይቲ ዝኾኑ። እዚ ድማ ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወን ንኣማኢት ዓመታት ዘካትዐን ጉዳይ’ዩ። ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ገንዘብ ዘለዎን ትዕቢተኛን ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ’ዩ ሃሚን ቀልቢን ጓል-ኣንስተይቲ ዝስሕብ ዝብል ርድኢት ነይሩ። ኣብ ግዜኡ ውን መስተ ከም መርኣያ ሃብቲ ይሕሰብ ብምንባሩ ከም ምስሕብ ኣዋልድ ይሕሰብ ነይሩ። ኣብ 90ታት ከኣ መስሓቕ ወዲ ብ ኣዋልድ ተፈታዊ’ዩ ዝብል ስነ-ሓሳብ ነይሩ። 90ታት ተማሃሮ ሃይ-ስኩል ዝነበርኩም ኩሉኻትኩም ብሕክያታትን ዋዛታትን ክተስሕቑ ትፍትኑ ምንባርኩም መርኣያ ናይዚ’ዩ። እንተኾነ ክኢላታት ዓውዲ ምውራዝ (ምትሕብባል)(ደይቲንግ) ሓንቲ ጓል ዘስሕቓ ወዲ ደስ ይብላ’ኳ እንተኾነ፡ ናብ ኮሜድያን ገጹ ዝጸረየ ግን ብዙሕ ጠላሕ ከምዘይብላ ብዙሓት ክኢላታት ዘስመሩሉ ሓቂ’ዩ። 
ብደቂ-ሄዋን ፍቱው ወዲ ኣርሓ ጎበዝ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣርሓ ጎበዝ ወይ Alpha male ዝበሃል ግን ከመይ ዝበለ’ዩ? ኣብታ ዝዓበኹላ ከተማ ኣስመራ፡ ንገለ ኣወዳት ከም ቫንዳም ወይ ራምቦ ዝኣመሰለ ካራክተር (ነይ ፊልም ገጸ-ባህሪ) እዩ ዝመስሎም። ኣብ ገጠራት ድማ ናይ ጎበዝ ዓዲ ሰሓቢ ገጸ ባህርያት'ዩ ዝመስሎም። ሒደት ከኣ ሮጊድ ጎሮሮ ክህልዎ ኣለዎ ክብሉ ከለዉ፡ ገለ ድርቡሻት ውን ብግብሪ ብኢደን ሒዞም ዘዛርብወን ወይ ሓይሊ ዝጥቀሙ ኣለዉ። ዘሎ ዘመናዊ ናይ ጎደና ቃላት ምጥቃም ንጓል ሄዋን የርግጽ’ዩ ዝብል ስነ-ሓሳብ፡ ብዙሓት ባሃማት ናይ ጎደና-ቃላት ካብ ስዊት ካፈ ክሳብ  ባር ኮመርቾ ተፈቲኖም ውጽኢታዊ ኮይኑ ኣይረኽብዎን…………
ኣብ Attraction is not a choice እትብል ናይ ዴቪድ ዲኣንጀሎ መጽሓፍ ኣገደስቲ ነጥቢታት ኣቐሚጣ’ላ። እታ ኣዝያ ዝመሰጠትኒ ነጥቢ ድማ፡ ‘ሓደ ሰብ ክስሕበካን ደስ ክብለካን ብምርጫኻ ኣይኮነን’ እትብል ስነ-ሓሳብ’ያ። ንብዙሕ ዓመታት ዝገርመኒ ዝነበረ ነገር ከኣ መልሲ ኮይናትኒ፡ ምኽንያቱ ሓንቲ ጓል ምስ ሓደ ከም ገለ ዓይነት ወዲ ክርእያ እንከለኹ ይገርመኒ ስለ ዝነበረ። ገለ ክርድኣካ ዘይክእል ነገር’ዩ፡ ንሓንቲ ጓል ኣብ ሃነይነይታ ወይ ፍቕሪ ዘእትዋ፡ ምብርጫኣ ኣይኮነን፡ በቃ ከም ማግኔት ትሰሓብ!  ነዚ ስነ-ሓሳብ ብናይ ሓበሻ ኣበህላ’ኳ  ፍቕሪ ዕዉር ዝዓይነቱ’ዩ ዘስምዕ። እንታይ ዓይነት ባህርያት ናይ ኣወዳት ደኣሉ ንደቂ-ሄዋን ናብ ስሕበት ዘእትወን? ነይል ስትራውስ ዝበሃል ጸሓፋይ፡ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ክፈጥር ዝኽእል ነገር እንተሃልዮ ርእሰ-ተኣማንነትን ነብስኻ ምምሳልን’ዩ በሃላይ’ዩ። 
ርእሰ-ተኣማንነት ኩሉ ሰብ ከም ቃል ክጥቀመላ ሰሚዐ ኣለኹ፡ እንተኾነ ኣብ ርእሲ-ምትእምማንን ትዕቢትን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ግን ዘገናዝቡ ውሑዳት’ዮም። በዚ ምኽንያት ድማ’ዮም ኣወዳት ትዕቢትን ብድዐን ከዘውትሩ ዝርኣዩ። ብዓይኒ ደቂ-ኣንስትዩ ብልጫ ክኾና ዝኽእላ ነጥቢታት ምስ ብርክት ዝበሉ ሓራይፍ ብምልዛብ ነዘን ዝስዕባ ነጥቢታት ኣስሚርናለን ኣሎና።
ነብስኻ ምቕባል፦ እዚ ማለት ኩሉ ዘለካ ብልጫታት መዝሚዝካ ናብ ረብሓካ ምቕያር ማለትዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ቆርጫጭ ምስ ዝበሃል ደስ ዘየብል ጸርፊዩ። እንተኾነ፡ ከም ተስፋኣለም ኣረፋይነ ወይ ድማ ብቆርጫጭ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ድምጻዊ ብደቂ ኣንስትዮ ኣዝዮ ፍቱውዮ። ኣብ ኣስመራ ኤክስፖ ናይዚ ደራፊ ኮንሰርት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ ግዜ፡ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝረኣያሉ ምሸትዩ ዝኸውን ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ስሙ እንዳጸውዓ ክውጭጫ ምርኣይ ከኣ ቁርጭጭናኡ ዘየገድሰን ምዃኑ የርእየካ። ስለዚ ንነብስኻ ምቕባልን ዘለካ ብልጫታት መዝሚዝካ ምጉዓዝ ዝለዓለ ውጽኢት ከምዘለዎ ዘእምን ሓቂዩ።
ንነብስኻ ምምሳል፦ እዚ ክበሃል እንከሎ ብዛዕባ ትፈልጦ ነገር ጥራይ ምዝራብ። ኣብ ትፈልጦን ዝወሃሃደካ ቦታታት ቖጸራ። ነብስኻ ከተተዓባቢ ኢልካ ዘይምሕሳውን ፍኹስ ኢልካ ምዕላልን የጠቓልል። ኣብ ብዙሓት ደቂ-ተባዕትዩ ዝረአ ጸገም እንተሃልዩ፡ ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ነገር ብዘይ ዕረፍቲ ሃልወስ ምባልዩ። ገለ ክብድ ዝበለ ሕቶ ምስ ዝመጾም ድማ…….. እእ…..ቅቅ….. ትኸውን…….መስለኒ. . .
ጽፉፍ ኣከዳድና ምስ ጽሬት ኣካላት፦ ‘ንመጽሓፍ ብናታ ገበር ኣይትፍረዳ ክበሃል ሰሚዕኩም ኣለኹም። እዚ ሓቂ እንተኾነ ሰባት ግን ናብ ውሽጥኻ ኣትዮም ክርእዩ ግዜ የድልዮምዩ። ትርኢትካ ከኣ ወጃ ሃላይ እንተመሲሉ  ወይ ድማ ጽሬት ኣካላት ዘይብልካ እንተኾይንካ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ካልኣይ ግዜ ዕድል ክህባኻ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። ስለዚ ጽፍፍ ዝበለ ኣከዳድና ኣዘውትር።
ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከኣ ኣወግድ፦

-ካብ መዓኮርካ ንታሕቲ ዝወረደ ኣተዓጣጥቓ ስረ ኣወግድ
-ኣዝዩ ዝጸበካ ዝመስል ክዳውንቲ ኣይተዘውትር
-ሕማቕ ጨና ፈረንጂ ኣወግድ
-ውልዕ ዝበለ ሕብሪታት ናይ ክዳውንቲ ወይ ከኣ ዘይወሃሃድ ሕብሪ ክዳውንቲ ኣይትጠቐም
-ቆልዓ ዘምስለካ ክዳውንቲን ዝተዓማጸጸ ክዳውንቲን ዘይምዝውታር
ዘለዎ ይውሰኾ፦ እዚ ስነ-ሓሳብ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከይተረፈ ዘሎ ሓቀኛ ስነ-ሓሳብ’ዩ። ስለዚ ንነብስኻ ብደስ ዝብሉ ዘኹርዑን ቁምነገረኛታትን ኣዕሩኽ ኣካብባ። ምስ ብዙሓት ኣገደስቲ ሰባትን ምልኩዓት ደቂ ኣንስትዮን ናይ ምልላይ ተኽእሎ ከኣ ክፈጥረልካ’ዩ። ምኽንያቱ ንብሉጽ ሰብ ብብሉጽ ሰብ ስለ ትረክቦ። ሰለዚ ብሉጻት መሓዙትን ኣዕሩኽን እንተሃልዮሙኻ፡ ካልኦት ብሉጻት ሰባት ክውሰኹኻ እዮም ማለት’ዩ።  
ኣብ ነብስኻ ወፍሪ ምግባር፦ እዚ ማለት ካብ ጽፈትን ጽሬትን ክሳብ ኣካላትካ ብስፖርት ምህናጽን ኣእምሮኻ ብምንባብ ምዕባይ የጠቓልል። ምኽንያቱ ካብ ሓደ ከብዳም ወዲ ብዛዕባ ስፖርትን ጥዕናን ፋሽንን ክዛረብ፡ ሓደ ስሩዕ ዝነብሱ ስፖርተኛ ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመጋግባን ሕጉስ ሂወትን ክዛረብ ኣእማኒን ሰሓቢን ይኸውን። ሓደ ዘንብብ ሰብ’ዶ ብዛዕባ ሂወት ከዕልል ኣእማኒን ሰሓቢን ይኸውን ብዓይኒ ሓንቲ ጓል ወላስ ሓደ ወላሓንቲ ዘይፈልጥ ሃልዋስ?  ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ምሽዉ ዝኾነ ስምዒት ንምፍጣር ነብስኻ ቀጻሊ ኣማዕብል። ኣብ ሕብረተሰብ ውን ዝሓሸ ተቐባልነት ክህልወካ’ዩ። 
ህድእ በል፦ ዝኾነ ወዲ ጓል ርእዩ ጸድፍደፍ’ዩ ዝብል። እንታይ ይብል ኣይፈልጥ እንታይ ይገብር ውን ኣይፈልጥን’ዩ። ስለዚ ንስኻ ህድእ ኢልካ ፍልይ ዝበለ ኣቀራርባን ህዱእ ምንቅስቓሳትን እንዳገበርካ ከባቢኻ እንዳተቖጻጸርካ ኩሉ ነገራትካ ኣተግብሮ። ጓል ኣንስተይቲ ሓያል ከባቢ ናይ ምቁጽጻር ክእለት ዘለዋ፡ ስለዚ ነቲ ንስኻ ትፈጥሮ ሃዋሁ ዝምችኣ ምስ ዝኸውን ጥራይ እያ ውን ዕድል ክትህበካ ትኽእል። ህድእ ምባል ውን ካብ ብዙሕ ጌጋታት ሓራ ክገብረካ ስለ ዝኽእል ከተማዕብሎ ዘሎካ ጥበብ’ዩ።

ካብ ብሉጻት ኣዕሩኽ ተማሃር፦ ንሂወትካ ክልውጥ ዝኽእል ፍልጠት ክህቡኻ ዝኽእሉ ሰባት ግድን ኣይኮኑን ብዕድመ ክመርሑኻ ዘለዎም። ግን ዕድመ ተመኩሮ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ብፍላይ ምስ ሓዳር ዝገበሩ ሰባት ምዕላል፡ ካብ ግዜ ምጥፋእን ኮለልን ከድሕነካን ይኽእል’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ምስ ኣብ ሂወት ዕዉታት፡ ማለት ትምህርቲን ገንዘብን ኣብ ሕብረተሰብ ድማ ጽቡቕ ተቐባልነት ዘለዎም ሰባት ምስዓብን ምዕላልን መዳርግቲ ኣልቦ ትምህርቲ’ዩ።

ጓል ኣንስተይቲ ምኽባር፦  ጓል ልዕሊ ኩሉ ነገር እትሰርዖን ዘገድሳ ነገርን ክብረት’ዩ። ዝኾነ እትገብሮ ነገር፡ ብፍላይ ድማ ነዓኣ ዘቆናጽባ ወይ ዘባኽሳ ክኸውን የብሉን። እንተዘይ ኮይኑ፡ ሓንቲ ጓል ደዊለላ ዘይተቐበለትኒ፡ ወይ ዘይመለሰትለይ ኢልካ ጸርፊ ተዘውትር እንተኾንካ ንስኻ መዝማዚን ኣብ ሂወት ንወልሓንቲ ኣይትበቅዕን ኢኻ!!!
ኤዲተር፡ ተመስገን ኣብራሃ



No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...