Sunday, November 29, 2020

ኣስመራ: ንግደት ማርያም-ሕዳር-ጽዮን


 ካብ ጐደና ሓርነት ንታሕቲ ገጹ ዘሎ ክፋል ፍርቂ ኣስመራ ንግደት ሕዳር-ጽዮን ብፍሉይ ክብሪ የኽብሮ፣ ኣብዚ መዓልቲ ኣብያተ ትምህርቲን መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ዕጽዋትየን። እንዳ ማርያምን ከባቢኣን ብፍሉይ ክብሪ ማዕሪጉ፣ ክትርእዮ እንከሎኻ ዳርጋ ቅንያት ፌስቲቫል ወይ ካርኒቫል እዩ ዝመስል። ግን ስለምንታይ እዚ ዂሉ? እዚ በዓል ኪኖ ኦርቶዶክሳዊ በዓል ምዃን ሓሊፉ ናብ ሃገራዊ በዓል ተቀይሩ። ኩሉ ይነግድ፡ ዓሌት ሃይማኖት ዝበሃል ነገር ኣብ ኣስመራ-ኤርትራ ኣይሰርሕንዩ። ብዛዕባ ከምዚታት ክዛረብ ዝተሰምዐ ሰብ ውን መእተዊቱ ትጠፍኦ። ምኽንያቱ እንታይ ማለትካ እትብል ሕቶ ስለ እትስዕብ……

እዚ ንግደት ታቦት ምስ ወጸ ዝጅምር፡ ታቦት ብሓጺሩ……..

ካብ ዘይነቅዝ ዕንጨይቲ ዝተገብረ ብኲሉንትንኡ ብወርቂ ዝተለበጠ ነገርዩ፣ ነቲ ካባኺ ብዘይ ምልዋጥን ምፍላይን ሰብ ዝዀነ፣ ናይ እግዚአብሔር ቃል (ወልድ) ይምሰል። እቲ ብባህሪኡ መንቅብ ዘይብሉ ንጹህ መለኮታዊ ባህሪኡ፣ ብባህሪኡ ምስ ኣብ ማዕረ ዝዀነ፣ ነታ ንጽህት ኣበሰራ፣ ብዘይ ዘርኢ ዉን ብፍሉይን ቅዱስን ጥበቡ ከማና ሰብ ዀነ፣ ካባኺ ብዘይ ርኽሰት ዝተወልደ መለኮታዊ ባህሪኡ ምሳና ደመሮ፣ ቅድስት ለምንልና!’  ምስ ተባህለ ከኣ እዋን ብላዕ--ስተ ይጅምር።

Asmara: Enda Mariam Church
 

ዝሓለፈ መዓልታት ጃንዳ-ወያነ ኣከታቲላ ናብ ኣስመራ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ከም ዝፈተነት ይፍለጥ። ስለ ዝተሻቐልኩ ከኣ ናብ ኣስመራ ደሃይ ስድራ ክገብር ደወልኩ፡ መስመር ምስ ኣተወለይ ኩነታት ደሓን ምኳኑ ተረዳኣኩ። ድምጺ ኣደይ ብዝሰማዕኩ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተረጋጋእኩ። ሄሎ ማማ ደሓን ዲኹም? ምስገኖ ደሓን ኢና ኪዳነ-ምህረት እንከላ እንታይ ከይንኸውን ዲኑ ወደይ በለትኒ። ምስ ኣስመራ ኪዳን እንድዩ ዘለዋ ምልእተ ጸጋ! ኢላ ውን ወሰኸትለይ።

እቲ ርጉእ ምንፈስ ናይ ኣደይ ርእየ፡ እቲ ማሕበራዊ ሜድያ ዝመልአ ርቡሽ መንፈሰይ ኣሕፈረኒ፡ እዋይ ንስኺስ ተዓዊቱልኪ፡ በቃ ኩሉ ግዜ ርግእቲ ኢኺ በልኩ። እወ ዲኑ ወደይ! ኪዳነ ምህረት ባዕላ ኣላ እንድያ፡ ሚሳይል ዲኹም ትብልዎ ከም እምኒ ኮይኑ ወዲቑ፡ ኣጽሊላትልና ባዕላ። ሓጥያትና በዚሑ፡ ሕጂስ ወላ ቅድሚ ንግደት ክንጸውም። እግዚኦ ክንብል፡ ለምንልና ክንብላ…… .. በቃ እንቋዕ ደሓን ኮንኩም ክድውል ኢለ ቴሌፎነይ ዓጸኹ።

ከም ዕባይ ኣስመራን ኣባሻውልን ንግደት ክነግድን ክንገድን ግድንዩ። ክሳብ ሕጂ ናይ ኣረቂ ጨና ክሽትተኒ እንከሎ ንግደትን ኣውደኣመት ዝዝከረኒ። በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን ኣረቂ እንትርፎ ኣብ ናይ ሓበሻ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ፡ ኣብ ባር ወላ ዝሽየጥ ኮይኑ ዘይስመዓኒ። ከምዚ ሕጂ ድንሽ ናይ ማክዶናልድ (ቺፕስ) ከየግዝፈና ኢልና ክንግሕፎ ከይጀመርና፡ ኣብ ንግደትን ኣውደኣመትን ጥብሲ ድንሽ ኣብ ኩሉ ስድራ ብዋርድያ ዝሕሎ። ምኽንያቱ ወለቅ ዘለቕ እንዳበልካ ዝተጠብሰ ድንሽ ሓፊስካ ምህዳም ስለ ዝነበረ። ናይ ዓድና ኩሉ ፍሉይ መቐረት ዘለዎ።

ንግደት ማርያም ኣስመረይቲ ናይ ኣማኢት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንሳልስቲ ከኣ ኣብ ምልእቲ ከተማ ብላዕ--ስተ ዝኸውን። ኣጉባዝ መግቢን መሬሳን ይጸግቡ፡ ኣቦታት ዕላልን ገጽ ቤተሰቦም ይርእዩን ደሃይ ይገባበሩን፡ ኣንስቲ ይቁነናን ይሽብለላን። ኣዋልድ ክዳውንቲ ዓጻጽየን ፓስተ ሒዘን ይበጽሓ፡ በጽሒታት ይላለያ፡ ሰብ ታክሲ ብስራሕ ዓቕሎም ይጸቦም፡ ኣፍራስ ናይ ኣስመራ ከም ድላዮም ግለት ክበልዑ ይቕንዩ። ወላ ሽቓቓት ኣስመራዮም ኣብ ስራሕ ጽሙዳት ዝቅንዩ። ከብዲ ብስዋን ጸብሒ ስጋን ምስ መልአ ደኣ እንታይ ደሊኹም።

ናይ ሎሚ ዓመት ምስ ሕማም ኮሮና ከምናይ ቀደሙ ዉዕዉዕ ንግደት ከምዘይህሉ ፍሉጥ ነገርዩ። ዘሐዝን ነገር ግን ጸላእቲ ኣስመራ ሓሳብን ንሓዋሩን ምሕካኾም ግን ሓደ እፎይታ ዘለዎ ንግደት ውንዩ። ብዛዕባ ማርያም-ኣስመረይቲ ብዙሕ ተዘሪቡን ብሕጂ ውን ክዝረብዩ፡ ምኽንያቱ ምስጢሩ ዓሙቚ ስለ ዝኾነ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሓንቲ ካብ ብቆልዑትና እንከሎና ኣብ እንዳ መርያም ነዘውትራ ዝነበርና ጸሎት ይጋብዘኩም።

ኲሉ ግዜ ንጽህት ዝኰንኪ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ምእንቲ ኲልና ነዕብየኪ ኣለና። ካብቲ መፍቀሬ ሰብ ዝዀነ ወድኺ ምሕረት ምእንቲ ክንረክብ፣ ናባኺ ነቃዕርር ንንልምንን ኣለና።

ምስ ብዙሕ ናፍቖት ናይ ኣስመራ ሽኮር……

 

 

 

 

 


No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...