Saturday, November 21, 2020

ብልጽቲ ሓዳስ መድለዪ ቃላት ትግርኛ-እንግሊዝ፡ ዲኽሽነሪ-ኣፕ



ወናኒ ዲኽሽነሪ ክኸውን ኢለ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን’የ። እንተኾነ ግን ሂወት ብኣጋጣሚታት ዝመልአት እያ። ብዋዛ-ዋዛ ምስ ኢንጂነር ክፍላይ ዝተጀመረ ስራሕ ኣብዚ ግዜ ኣብ ቁምነገር በጺሑ፡ በቲ ዝድወለና ናይ ኣገልግሎት ዝደልዩ ብዝሒ ሰባት ከኣ ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ስራሕ ከምዝሰራሕና ብዝበለጸ ክርደኣና ጀሚሩ’ሎ።  እዛ ዲኽሽነሪ ብመልክዕ ኣፕሊኬሽን ተዳልያ እያ ናብ ህዝቢ ተቐሪባ ዘላ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊን ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዝግደሱን ዝዛረቡን ኣህዛብን ኢትዮጵውያንን ክትህሉ ዘለዋ ዲክሽነሪ ከኣ’ያ። እዛ ኣፕሊኬሽን በዚ ኣብዚ ግዜ ዘለዋ ብቕዓት ብልጽቲን ቅልጥፍቲን ኳ እንተኾነት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብትሕዝቶ ሃብቲማን ዓቢያን ከም ክትቐርብ’ያ። ልክዕ ከምቲ ብሂል ናይ ኣቦታትና ‘ካብ ሳዕሳዕካ ተቖጻጸ’ ከምዝበሃል ብሉጽ ኣገልግሎት ንምሃብን ብኩሉ ሸነኻ ምዕብልቲ ኣፕሊኼሽን ምግባራ’ዩ።


እዛ ዲኽሽነሪ ካብ እንግሊዝ-ትግርኛ ወይ ብኣንጻሩ’ያ እትትርጉም ኮይና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ካብ ዝተፈላለያ ቋንቋታት ናይ ኤውሮጳ ክትትርጉም ክትጅምር’ያ። ስለዚ ንብዙሓት ኣብ ኤውሮጳ ዝቕመጡ ኣሕዋትን ኣሓትን ዓቢ እፎይታ ክትከውን’ያ።

ኣብ ሊንክዲን ገጽካ ምስ እትዛወር ክትኣምኖ ዘጸግም ብዝሒ ኤርትራውያን ክኢላታት ዓውደ ኮምፕዩተር’ዩ ዘሎ። እንተኾነ ህላወ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዲጂታላዊ-ዓለም ኢንተርነት ኣዝዩ ትሑት’ዩ ዘሎ። ስለዚ ነዞም ክኢላታት ብግቡእ ክንጥቀመሎምን ገለ ከበርክቱን ምድፋእን ባይታ ምፍጣርን እዋኑ’ዩ።

ፍትዋት ኣሓተይን ኣሕዋተይን፡ ነዚ ኣብ መፈጸምታኡ ክበጽሕ ተቓሪቡ ዘሎ ናይ ትግርኛ ናብ ጉግል ምእታው ስራሕን ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ትግርኛ ኣፕሊኬሽን ስራሕ ምትብባዕኩምን ተሳትፎኽምን ኣይፈለዮ። ብዘይ በኣኹም ዝብጻሕን ዝስራሕን ነገር የለን። ስለዚ ድማ ዘለኩም ኩሉ ርእይቶ ክንሰምዓኩምን ከከም ኣድላይነቱን ዓቕምናን ክንጥቀመሉ ምኳንና ብክብሪ ክንሕብረኩም ነፈቱ።

 https://tigrinyadictionary.co.uk/...
info@tigrinyadictionary.co.uk

 

 

 

No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...