Tuesday, November 3, 2020

ሓፋራት ጎራዙ ኣስመራ፡ ፍቕራዊ ምትሕብባል The dating game ኣብ ፒኮሎ ሮማ

 


ፓሪሳውያን ጎራዙ ብዙሕ ሕዉሳት ኣይኮናን፡ ኣብ መንገዲ ሰላም ኢልካየን ውን ብዙሕ መልሲ ኣይህባን’የን። እቲ ምኽንያት ምስ ዕብየት እቲ ከተማ ካብ ኩሉ ሃገር ዝመጸ ሰብ ስለ ዘለዎን፡ ኣብ ፓሪስ ዘጋጥሙ ገበናትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታን’ዩ እምበር ሓፋራት ስለ ዝኾና ኣይኮነን። ክሳብ ዘይለመዳኻን መስተ ዘይሰተያን ድማ ክትቀርበንን ከተዕልለንን ብዙሕ ዝደፋፍኣ ኣይኮናን። መስተ ክትሰቲ ዝጀመረት ብፍላይ ብጫ ዝጸጉራ blonde ጓል ክትሃድመላ እዩ ዘልካ፡ ምኽንያቱ ሽዑ ዝገብራኦ ዓንጀልጀልን ሃተፍተፍን ዝጻወሮ ሰብ የለን።
   ምስአን ጽቡቕ ኣምሲኻ ንጽባሒቱ እቲ መስተ ምስ ወጸለን ከም-ዘይፈልጣኻ ጥሒሰናኻ ክኸዳ ውን ተኽእሎ ኣሎ።  እንተኾነ ግን ኣብ ዝፈትወኦ ወዲ በጺሐን ጸዓዱ ስምዒተን ኣብ ምግላጽ ዝጽግመን ኣይኮናንን። ወላ’ኳ ማዕረ ወዲ ኣይኹን፡ ከምዚ ናይ ዓድና እንተ ዘይሓቲትካኒ በቃ ዝዓይነቱ ኣረዳድኣ ግን የብለንን። ወላ ባዕለን እንተዘይ ተዛረባ ብሰብ ጌረን ውን መልእኽቲ እሰዳ’የን።

ኣብ ዝዓበኹላ ከተማ ኣስመራ ጉዳይ ምትሕብባል ፍልይ ዝበለ መልክዕ’ዩ ዘለዎ። መብዛሕትአን ርእሰን ኣድንን ኣቢለን ዝኸዳ ጎራዙን፡ ፍሉይ ናይ ሕፍረት ፍሽኽታን ክምስታን ዘዘውትራ ምልኩዓት ኣዋልድ’የን ዘለዋ ኣብ ‘ፒኮሎ-ሮማ’። እንተ ተላኸፍካየን ውን ሓጺር መልሲ መሊሰናልካ ዝኸዳን ኣዋልድ ኮይነን፡ ዕላለን ውን ብፍሽኽታ ዝተሰነየን ሕጽር ዝበለ’ዩ። ኣብ ኣስመራ ካብ ሽሕ ሓንቲ ጓል ንወዲ ተባዕታይ ፈትየካ ኢላ ትዛረብ ትኸውን፡ እምበር ክንደይ ሓራይፍ ኢና በሃልቲ ኩስቶ ሓቲታትኒ ኢሎም ከጽሙሙና ሰሚዕና’ሞ። ብዙሕ ከይጸናሕና ከኣ ተገምጢሎም ቴሌፎን ሒዞም  ክልምኑ ኢና ንርእዮም ዝነበርና።


photo by Yuel Tekle 

 

ኣስመራውያን ጎራዙ ካብ ሕፍረት ዝብገስ ካብ ክዛረባ ክሰምዓ ይብህጋ። እዝና እትኸፍት ጓል ከኣ ኣዝያ ሓደገኛ ምዃና ንዝኾነ ወዲ ዝሕባኦ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣወዳት፡ ምግናንን ፈይ እንዳበልካ ነብስኻ ላዕሊ ምስቃል ኣላትና፡ ድሕሬኡ ገለ ተገራጨዊ ዘረባ ምስ እንዛረብ ከኣ፡ " ከምዚ’ዶ ትብለኒ ኣይነበካን"  ትብል ሓረግ የስዕባልካ፡ ድሕሪ’ዛ ሓረግ፡ ፈርፈር ኢሎም ዝተርፉ ውን ሒደት ኣይኮኑን። ይኹን እምበር ግዲ ‘ሓወይ’ዩ ንመን ክህቦ’ ዝዓይነቱ ከምዝሓሰኻ  እንዳፈለጣ ፍሽኽ ኢለን ዕላልካ የወዳኣኻ። መዓስ እዚ ጥራይ ወላ ቅጭ ኣምጺእካለን እንከለኻ እየን ጥዑም መመኽኔታ ሂበን ዘምልጣ።

ንጓል ኣስመራ ባህ ዝብላ ወዲ፡ ከዕልላ እንከሎ ዓይና ገይራ’ያ ስምዒታታ ትግለጽ። ህድእ ዝበለ ፍሽኽታ እንዳገበረት ከኣ ነቲ ሃዋሁ ትቆጻጸሮ። ዘወር እንዳበለት ከኣ ኣብተን ደስ ዝብላኣ ኣርእስቲ ከምዘዕልል ትገብሮ። ናይ ጓል ኣስመራ ፍሽኽታ ካብ ልባ ስለ ዝኾነ ገለ ፍሉይ ስምዒት’ዩ ዝፈጥር። ብዓይና ውን’ያ ፍሽኽ ትብል።

ሕፍረት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ልሙድ ነገር’ኳ እንተኾነ፡ ናይ ደቂ ኣስመራ ፍሉይ ዝገብሮ ግን እቲ ሕፍረት ንጽህና ዘለዎ ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ትርኢትን ስምዒትን’ዩ ዘለዎ። ብፍላይ እዘን ክንገልጸን ዝጸናሕና ጎራዙ ክሓፍራ እንከለዋ ምስ ጸጉረን እየን ዝቃለሳ።  ከም ኣጋጣሚ ሓደ ዝፈትዋኦ ወዲ እንተሃልዩ ኣቓልቦኡ ናብ ካልእ እንዳ ገበረ እንከሎ’ያ ሰሪቓ  ትስልዮ።

ሓፋር ጓል ኣስመራ ምስ ኩሎም መሓዙታ እንናዕለለት እንከላ፡ ምስ እቲ ትፈትዎ ወዲ ግን ኣይተዕልልን’ያ። ግን ከም እትፈትዎ ክትገልጽ ግን ንሱ ዘለዎ ቦታታት ኩሉ ስለ እትፈልጦ ብኡኡ ትመላለስን ክልቴኦም ጎፍ ንጎፍ ናይ ምርኻብ ዕድል ውን ትፈጥር። ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ እቲ ወዲ ፖስት ዝገብሮ ኩሉ’ያ ተንብቦ፡ እንተኾነ ዝኾነ ኮመንት ኣይትገብርን’ያ፡ ሓንቲ ላይክ ኣቐሚጣ’ያ ትጠፍእ።

ብሓፈሻ ዘፍቀረት ጓል ኣስመራ ኣብ ኢዳ ዘይኣእተወቶ ወዲ ኣብ ጥቓኣኣ’ያ ትገብሮ፡ ኩሉ ምንቅስቓሱ ከኣ ብደቂቕ ትከታተል። ከም ኣጋጣሚ መርዓ፡ ንግደት፡ መመረቕታን ካልእ ማሕበራዊ መተኣኻኸቢ ነገራት እንተሃልዩ ከም ቅድመ ኩነት ተጠቒማ ምስ መሓዝኣ ትሕወሰካ። ደቂ-ኣስመራ ስምዒተን ብተዘዋዋሪ መልክዕ’የን ዝገልጻ፡ ኣብ ስምዒታተን በጺሐን ከኣ ኣዝየን ምስጢራውያን እየን።

ናይ ኣስመራ ኣሞረ ዘሕለፍኩም ኣብዘን ነጥቢታት ከመይ ትሰማምዑ? እዚ ኩሉ ዘላፋልፈኒ ዘሎ ናፍቖት ኣስመራን ደቀ-ኣስመራን እዩ፡ ጓልኩም፡ ወድኹም ኣእብ ዘለኹሞ ሰላም ሃልውለይ።
ንዘይተፈልጠ እዋን  ዘይማትእ ቆጸራ ኣብ ኣስመራ።



4 comments:

  1. ጽቡቅ ጽሑፈት Don Dinar ንዓይ አኮ ምስ ደቂ ኣስመራን ደቂ ፓሪስን ኣላሊካኒ ኣለካ ባህርያተን like ጌራ ትሓልፍ ጓል ኣስመራ ስለዝጎነፈትኒ ቆላሕታ ክገብረላ አየ ።
    ብዝኮነ ጽቡቅ ኣጆካ ቀጽሎ ሎሚ አየ ረኪበካ በዚ ወብ ሳይት አምበር ኣይፈልጣን ኔረ

    ReplyDelete
    Replies
    1. ክብረት ይሃበለይ ክቡር ሓው። ተስፋ ይገብር ኣብ ቀጻሊ ዝበለጸ ስራሕ ሒዘ ክቐርብ። ብሩክክ ሰን
      በት።

      Delete
  2. Wow am so happy to see website like this. Keep going bro

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...