Saturday, October 3, 2020

‘ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ጋዓት፡’ እታ ብጌጋ ንርድኣ ምስላ ኣቦታትና

 

ከም ከብቲ ብሓባር ተኾብኪብካ ምኻድ ተመሳሳሊ ሂወትን ተመሳሳሊ ውጽኢትን ንምርካብ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኪንዮ’ዚ ግን ጎድኣቱ ይበዝሕ፡ ምኽንያቱ ከም ሰብ ብልጫኻን ጉድለትካን እትፈልጠሉን ትመዝነሉን መድረኽ ዝፈጥር ዓይነት ሂወት ስለ ዘይኮነ። ብዝያዳ ግን እዛ ምስላ ኣብ ግዜ ሽግር ጥራሕ ትሰርሕ ኮይና’ያ ትስመዓኒ።

 ብኣንጻሩ ግን ንሕና መንእሰያት ከም መሕብኢን ኣብ ዘይ-ግዜኣን ቦታኣን ኢና ንጥቀመላ። ብቋንቋ እንግሊዘኛ The herd mentality ኢሎም እዮም ነዚ ተርእዮ ዝገልጽዎ። እዞም ዓይነት ሰባት Lemmings እዮም ዝበሃሉ። እኩብ ሰብ ዘለዎ ነገር ደስ ዝብሎምን፡ ዘሎ ሰልፊ ብዘይ ዝኾነ ሕቶን ርእይቶን ዝጽንበሩን’ዮም። ብከምዚኦም ዓይነት ሰባት ሂወትና ተኻቢባ እንተላ ወይ ንነብስና እንተ-ረኺብናያ፡ ህጹጽ ናይ ለውጢ ውሳኔ የድልየና ኣሎ።

 መብዛሕኡ ሰብ ኣብ እኩብ ሰብ ዝሕበኣሉ- ማለት ሰብ ገበሮ ኢሉ ዝገብርን ከም ሰበይ ኢሉ ንኹሉ ክቕበሎ ዝፍትን ምኽንያት ፍርሒ ጥራይ’ዩ። ሰብ ከይብለኒ፡ ከይፈርደኒ፡ ምቕባል ከይኣብየኒ ዝብላ መርዛማት ቃላት ከኣ ወትሩ ነኮማስዐን እንተሊና ከኣ ኣብዛ ሓሸውየ ኣሎና ማለት’ዩ። ብዛዕባ ነብስና ንውስን እንተሃሊና ሰብ እንታይ ይስምዖ ንግደስ እንተኴንና፡ ን 7ቢልዮን ሰብ ስምዒቱ ክንጸውር ንሓስብ ኣሎና ማለት’ዩ። ነዓና ከገድሰና ዘለዎ፡ ድሕሪ ርእሰ ውሳኔ ዝስመዓና ስምዒት እምበር፡ ሰብ እንታይ ክስማዖ’ዩ ዝብል ርድኢት ንድሕሪት ከትርፈና’ዩ። ነዚ ብሓጺር ኣብነት ክገልጾ ክፍትን እንተኮይነ፡ ብጻዕርና ተወዳዲርና ዝተዓወትናላ ትምህርቲ፡ እቶም ዝተረፉ ተማሃሮ እንታይ ይስምዖም ምሕሳብ ዝዓይነቱ’ዩ።

ኣብ ዓለም እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ናትና ጽልዋ ሓዲግና ክንሓልፍ’ዩ። ኣብ ሕብረተሰብ እንዳ ተሓባእናን ንብዙሓት ክንመስልን ንኩሉ ከነሐጉስን ግዜና ነባኽን እንተሃሊና ግን፡ ናትና ዓቢ ጽሕፍቶ ክንፍጽም ዘይሕለም’ዩ። ኣብ ዓለም ዓቢ ነገር ክንገብር፡ ብልጫናን ተውህቦናን ብግቡእ ምልላይ የድሊ። ኣብ መንነትናን ንገልጸሉ፡ ክእለትና ነርእየሉ ሞያ ግዜ ምውፋር ዓቕምና ምዕባይን’ዩ ትርጉም ዘለዎ ሂወት ከምብረና ዝኽእል።

 ካብ እኩብ ሰብ ክንፍለ ትብዓት’ዩ ጥራይ ዝሓትት። እዛ ተባዕ ውሳኔ ውን’ያ ሂወትና ክትልውጥ እትኽእል። ትብዓት ዓሰርት ግዜ ንኽንወድቕ፡ ክንሰዓር፡ ክንፍትን እንደገና ጸኒሕና ውን ክንፍትን’ዩ ምሉእ ዝበሃል ሂወት። መቐረት ሂወት ኣብዚ’ዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ክሳብ መዓስ ደኣ ሰባት ነዓና ክውሱኑልና? ንሶም ውን ባዕሎም ኣይወሰኑን? ሕስብ እንተበልናዮ’ኮ ይገርም’ዩ።

 ነቲ ብደገ እንርእዮ ወይ ብደገ ዝጸልወና ባእታታት ኩሉ ንቆጻጸሮ፡ ምስ ነብስና ንዛረብ፡ ድምጺ ውሽጥና ንስምዓዮ። ድሕሪ’ዚ መን ምዃንና ክንፈልጥ ኢና፡ መንገዲ ዓወት ውን ክንሕዝ ኢና። እዚ ኣተግቢርና ማለት እቲ መቦቆላዊ ባህርያትና (ኦሪጂናል) ተላቢስና ኣሎና፡ ስዒቡ ገለ ፍሉያት ነገራት ደስታ ክፈጥሩልና ክጅምሩ’ዮም። ብፍሉይ ከኣ ምልኣት ልቢ ክስመዓና ክጅምር’ዩ።  

 ብዙሕ ሰብ ንሂወት ክርድኣ ይፍትን’ዩ፡ እንተኾነ ሂወት ተስተማቕራን ትነብራን እምበር ክትርድኣ ከባድ’ያ። ስለዚ ከም ነብስና ኴንና ንሂወት ፍሽኽታ ምግጣማ’ዩ። ኩሉ ሰብ እቲ ከጋጥመና ዝኽእል ሓደጋ ክነግረና’ዩ። ብዙሓት ሰባት ንሕና እንተ-ተዓዊትና ንጎናጸፎ ሞራልን ርእሰ ተኣማንነትን ክርእይዎ ኣይክእሉን’ዮም። ሓደ ሃብታም ነጋዳይ’ኮ እቲ መኽሰብ ሪኡ’ዩ ነቲ ስራሕ ዝገብሮ እምበር ከይከስር ዝብል እንተኮይኑ ክነግድ ኣይክእልን’ዩ። ሓረስታይ ዓድና’ኳ ማይ ክረምቲ ኣሚኑ ዝሓርስ፡ እምበር እንታይ ናይ ሕርሻ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ዓዲ ኣለና ኮይኑ’ዩ። ግን እቲ ዓወት ስለ ዝረኣ’ዩ ካብ 10-16 ሰዓት ከየዕረፈ ረሃጹ ዘፍስስ። ስለዚ ነገራት ብናይ ውሽጥኻ ርድኢት እምበር ብናይ ሓፋሽ ብህሎን ርድኢትን ምርኣይ ኣጸጋሚ’ዩ።

 ኩሉ ሰብ ዝገብሮ ተቖጺርካ ኣብ ትሕቲ ሰብ ምስራሕ ወጺእና፡ ናይ ገዛእ ርእስና ትካል ወይ ንግዲ ዘይንገብረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ኩሉ ሰብ ዘምብቦም መጽሓፍቲ ውጽእ ኢልና ካልእ ነዓና ዝሰማምዓና ስነ-ሓሳባት ዘለዎ መጽሓፍቲ ምንባብ ውን ንኣእምሮና የስፍሖ’ዩ። ስለዚ ካብ ሎሚ ውሽጣዊ መንነትና ንፈትሽ። እንታይ ባህ ይብለና፡ እንታይ የጽልኣና፡ ኣበይ’ዩ ዝምባሌናን ወዘተን….

 


ካብ ፍርቂ ዘመን ሰሪሕካ፡ ጉልበትካን ግዜኻን ወዲእካ ጥሮታ ምጽባይ ዝኸፍእ ነገር የለን። ስለዚ ባዕልና ስራሕ ዘይንፈጥር ካብ ምስ ሰብካ መዓት እንዳበልና ኣብ ትሕቲ ሰብ እንዳሰራሕና ከይተሓጎስና ንዓመታት ነገልግል። ንልሳን ውሽጥና ዕድል እንተሂብናዮ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ዓወትን ሓጎስን ክንበጽሕ’ኢና። እንታይ ዓይነት ብልጫ ኣለና ምስ ፈለጥና ከኣ ሕጉሳት ክንከውን ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ ነዓና ኮይንና ንሕብረተሰብና ኣወንታዊ ኣብነትን ናይ ለውጢ ሓይሊን ክንከውን ኢና………


ጦብላሕታ ካብ ናይ Robert Kyosaki ናኣሽቱ ዓንቀጻት……

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...