Thursday, September 24, 2020

ኤርትራውያን እቶም ኖእ ምባል ዘይንፈልጥ ህዝቢ


ኤርትራውያን ሰብ ከይብለኒ ወይ ድማ ከመይ ጌረ ኖእ ክብሎ/ላ ኢልና ኣብ ዘይሽግርና ክንኣቱን ኣደዳ ጭንቀትን ክንከዉንን፡ ዝኣተናዮ ቃል ከነተግብር ሰማይን መሬትን ከነጣብቕ እንፍትን ህዝቢ ኢና። ነዚ ከስተብህል ዝጀመርኩ ሂወት ስደት ብፍላይ ድማ ሂወት ኤውሮጳ ኣሃዱ ኢለ ካብ ዝጅምር’የ።

ዝኾነ ኤውሮጳዊ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝነብረሉ ዘለኹ ሃገረ ፈረንሳ ዘይትጥዕሞምን ዘይትኸውንን ነገር፡ ቃላት ኣመቂሮም እዮም ነኖእ ዝብሉካ። እዚ ኣብ ፈለማ ጭካነ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ ዝነበረ። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ነገር ክደሊ እንከለኹ ብዙሕ ኣሉታዊ መልሲ ኣይጽበን’የ። ብነብሰይ ውን ከም ሕብረተሰበይ ዓቕመይ’የ ዝሓትት፡ እንተኾነ ግን ኣብዘን ሒደት ዓመታት ናይ ስደት ዝተመለሳለይ ነኖእ’ ይበዝሓ ካብ ኣብ ኤርትራ ዝገበርክዎ ብዙሕ ዓመታት። ይገርም’ዩ…

ብሰሪ ምብዛሕ ኖእ’፡ ምልማዱ ግድን ኮነ፡ እቲ ኖእ ክበሃል ከለኹ ዝስመዓኒ ዝነበረ ዘይጽቡቕ ስምዒት ጠፍአ። ድራማ ዝበዝሖ ኖእ ዝመልእኽቱ ኢሜይልን ደወላትን ናይ ፈረንሳውያን ከም መማቅርቲ ሓዝክዎ። ኢሜይላት ናይ ትካላትን ኣብያተ ላዕላዋይ ቤት ትምህርቲ ፈረንሳ፡ ከምዚ ክብላ’የን ዝጅምራ። ‘’ዝኸበርካ ዲናር፡ እቲ ልዑል ጻዕሪኻን ተወፋይነትካን ብርግጽ ኣቓልቦና ስሒቡ’ዩ፡ ብፍላይ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ፈረንሳ መጺእካ ዝገበርካዮ ለውጢ ኣዝዩ ዝነኣድ’ዩ። እዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ናይ ቁጠባን፡ መንግስቲ ገይርዎ ዘሎ ምጉዳል ናይ ምወላ ግን ንከማኻ ዝኣመሰሉ ብርቱዓትን ጻዕራማትን ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን  ነኖእ ክንብል የገድደና’ሎ። ምስ ልዑል ሓዘን ድማ እዚ ኢመይል ንሰደልካ ኣሎና። ኣብ ቀጻሊ ኣብ ትካልና/ቤት ትምህርቲና ክትፍትን ኣሎካ ምኽንያቱ ንስኻ ንፉዕ ኢኻ። እዘን ሊንክ ከኣ ይጠቕማኻ ይኾና’የን። ኣብ ኒውስ ለተርን ዩቱብን ናትና ሳብስክራይብ ግበር፡ ብዙሕ ጠቓሚ ሓበሬታ ኣለዎ።

እወ እተሰሚዐ ከምዚ ናይ ደስ ደስ’የ ነዛ ነብሰይ ዝጋብዛ። ህዝብና ግን ነቲ ክሕግዞ ሓራይ ዝበሎ ጓና ሰብ ገዲፉ ምስ መጻምዱ ወይ ኣሕዋቱ ክሓርቕ ይቐሎ። እዚ ባህሊ ወይ ልምዲ ክግደፍ ዘለዎ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ፡ ምኽንያቱ ንሰብ እትሕግዞ ኣብ ተረፍ ናይ ግዜኻ እምበር ካብ ናይ ትምህርቲን ስራሕን ግዜኻ ኣይኮነን።

እቲ ባህ ዘብል ነገር’ኳ ባህሊ ኤርትራውያን ባህሊ ምትሕግጋዝ’ዩ። ሕልና ኤርትራውያን ከኣ ፍጹም ዘይትዓርብ’ያ፡ ስለዚ ሓገዝ ወይ ካልእ ነገራት ዝሓትት ሰብ ውን ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ኣዚና ስኹፋት ኢና፡ በቃ ሕብረተሰብና ከምኡ ኣዕቢና፡ ወላ ከፊእና እንከሎ። ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ኣፍና ካብ ብዙሕ ንተርፍ። ስለዚ ኣብ ዘድልየና ነገር ደፋራት ሓታቶ እንተንከውን ዕውታት ምኾንና ዝብል ርድኢት ኣለኒ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ውን ዘይሓትት ኣይረክብን እዩ ዝብል!! ስለዚ’ስ ኣብ ዘድልየና ነገር’ሲ ኣይንሰከፍ ደኣ…..

ዝዓበየ ሽግር ናይ ህዝብና ንኩሉ ከነሐጉስ ምድላይ’ዩ። ነዚ ክንገብር ክኣ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ንግዜና ብኮንቱ’ዩ ዘባኽን። ከም መደምደምታ ኖእ ክንብል ተረርቲን ቅኑዓትን ክንከውን ኣሎና። መመኽኔታ ምድላይ ወይ ምሕሳው ኣየድልየናን’ዩ። እንድሕር ስለምንታይ ኢሉ ዘጓጥጠልና ሰብ እንተኣጋጢሙና ግን……. እዚ ምኩር ናይ ጥቕሚ ሰብ ምኳኑ ፈሊጥና ንተኣለየሉ።







 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...