Wednesday, January 20, 2021

ኤርትራውያን፡ ትዕቢትን ርእሰ-ተኣማንነትን ፈላሊና ንርኣዮ

 ዝኾነ ጥዑይ ርድኢት ዝውንን ሰብ ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎ ሰብ ከድንቕን ክፈቱን እዩ ዝርአ፡ ኣውራ እኮ ደቂ-ኣንስትዮ ዝሓርይኦ ወዲ-ተባዕታይ። ንኣብነት ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎ ወዲ-ተባዕታይ እየን ዝፈትዋ። ነብሱ ዝኣምንን ዝተረጋግአን፣ ንነብሱ ኮይኑ ርእሰ-ተኣማንነትን ዘዕብየለን ሰብ፡ ኣብ ምርጫታተን ኣብ ቀዳማይ ዝሰርዕኦ ዓይነት ሰብ’ዩ። እንተ ኣስተብሂልና ‘ድሁል’ ዝብል ጸርፊ ኣብ ዓድና ዘይፍቱው’ዩ፣ ነብሱ ዘይኣምንን ንነብሱ ዘይመስልን ከኣ’ዩ ዘስምዕ።። እንተኾነ መብዛሕትኦም ኣጉባዝ ደቂ-ተባዕትዮ ርእሰ ተኣማንነት ካብ ትዕቢት ፈልዮም ኣይርእይዎን’ዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ኣብ ፈቐዶኡ ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ኣቀራርባ (agressive) ዘለዎም ብዙሓት መንእሰያትን ኮተቴን፡ ንዕዘብን ዘጋጥመናን።

ግን ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎ ወዲ ከመይ ዝበለ’ዩ፧ ርእሰ-ተኣማንነት ከ እንታይ’ዩ፧
ብዙሕ መግለጺ ክዋሃቦ ይኽእል እኳ እንተኾነ፣ ‘ንነብስኻ መሲልካ ምኻድን ሰብ ከይፈላለኻ ምኽባርን’ እታ ዝበለጸት ትርጉም ኮይና ትስመዓኒ። ብካልእ ኣገላልጻ ከኣ ‘መበቆላውነትካ (Originality) ምሕላው’ ምበልክዎ። ብተፈጥሮ ኩላትና ዝተፈላለና ኢና፣ ናይ ገዛእ ርእስና ጽባቐ ውን ኣሎና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑና፡ ኣከባቢናን ባህርያትና ገዲፍና ቅዳሕ ወይ ፎቶ-ኮፒ ናይ ካልኦት ንኸውን ኣሎና። ከምዚ ናይ ማይክል ጃክሰን ሳዕስዒትን ኣደራርፋን ሰሪቕካ ልዕሊኡ ክትከውን ምፍታን ማለት`ዩ። ብዙሓት ማይክል ጃክሰን ክኾኑ ዝፍትኑ ኣለዉ፣ እቲ ንጉስ ግን ሓደ’ዩ። ካብ ፎቶ-ኮፒ ናይ ካልእ ሰብ ምዃን ኦሪጂናል ምዃን ዘየማትእ ብሉጽን ውጽኢታዊን ነገር’ዩ።

 ንነብስኻ ምምሳል ብዙሕ ስራሕን መስዋእቲን’ዩ ዝሓትት። ምኽንያቱ ሓርጎጽጎጽ ናይ ሂወት፡ ባህርያትናን ኣታሓሳስባናን ንኽንልውጥ ስለ ዘገድደና። ልዕሊ ኩሉ ግን ‘ከይብሉኒ’ እትብል ሓረግ ኣብ ርእስና እንዳ ተመላለሰት ጭውነትናን ኣካውናናን ፋሕ እተብሎ ነገር’ያ። ብፍላይ መንእሰያት ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑ ብዙሕ እዮም ዝጽለዉ። ንኣብነት ኣካል ናይ ሓንቲ ጉጅለ-ሓራይፍ ኢሎም ዝሓስብዋ ኣባል ክኾኑ ዘይንሶም ኮይኖም ይጎዓዙ፣ ኣባላት’ታ ጉጅለ ዝገበርዎ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ይቐድሕዎ። እዚ ከምዚ እንተቐጺሉ ሓደ መዓልቲ’ውን ንነብሶም ኣብ መስተን ሕማቕ ወልፊታትን ዝጠለቐት ኮይና ክረኽብዋ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ንደቂ-ኣንስትዮ ከፍትዉን ክፍተዉን ኢሎም ብዙሕ ሞቦቆላዊ ባህርያቶም ይልውጡ’ዮም፣ ዘሕዝን ነገር’ዩ !


GHOST

 ብሂል ደቂ-ኣስመራን ብሓፈሻ ደቂ-ከተማን፦ ‘ጓል ዕዋላ ወዲ’ያ ትፈቱ !’ ዓዋሉ ኣወዳት ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎምን ድላዮም ክዛረቡ ዘይስከፉን እዮም ዝሕሰቡ። እንተኾነ እዚ ብሂል ብዙሓት ጀላዕ-ላዕ ዝብሉን፡ ንቋንቋ ትግርኛ ምስ ዓረብን ኣምሓርኛን ካልእ ቋንቋታትን ሓዋዊሶም ብዘይ ግቡእ ኣሰራርዓን ኣጠቓቕማን ዘዘውትሩ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዘፍረየ ጎዱፍ ስነ-ሓሳብ’ዩ፣ … ዝኾነ መርትዖ ዘይብሉ ኮንቱ ዘረባ ድማ’ዩ። ምኽንያቱ ኩለን ኣዋልድ ሓደ ዓይነት ርድኢት ኣብ ዕዋላ ወዲ የብለንን። ንገለ ኣዋልድ ሰታይ ወዲ ዕዋላ’ዩ፣ ንገለ ሽጋራ ዘትክኽ ዕዋላ’ዩ፣ ንገለ ኩሉ ይፈልጥ ዝብል ዕዋላ’ዩ፣ ንገለ ከኣ ተዛራባይ ወዲ ዕዋላ’ዩ። ስለዚ ሓንቲ ጓል ዕዋላ ወዲ’ዩ ደስ ዝብላ እንተ ኢልና፣ ካብ ጓል ናብ ጓል ክፈላለ ዝኽል ነገር ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

 ባህርያት ኣዋልድ ኣዝዩ ሰፊሕ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ፣ ርድኢት ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣብ ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዋ ርድኢት ይፈላለ’ዩ። ገለ ትርር ዝበለ ወዲ ምስ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ገይረን ክወስዳኦ እንከለዋ፣ ገለ ድማ ህድእ ዝበለ፣ ሒደት ውን ተዛራባይ ሰብ ኣብ ነብሱ እምነት ዘለዎ ገይረን ዝርዳኣ ኣይሰኣናን። ስለዚ ድሌትን ርድኢትን ናይታ ጓል ምፍላጥ ኣገዳሲ ባእታ’ዩ። ንኣብነት ሓንቲ ኣብ ፋሽን ዓለም እትግደስ ጓል ሓደ ጀልፋፍ ብዙሕ ኣየገድሳን’ዩ። ሓንቲ ኣብ ሙዚቃ እትግደስ እሞ ከኣ በዓል ሪሃና ወላ ኒኪ-ሚናጅ ክትብል ትውዕል ናይ መሸሽ ሙዚቃ ዝፈቱ ወዲ ብዓይና ፋራ’ዩ። ስለዚ ነብሲ ወከፍ ጓል ሄዋን ፈላሊኻ ምርኣይ የድሊ።

 ኣዋልድ ኩርዕ ዝብለለን ወዲን’የን ዝፈትዋ! ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሓተቶ ሕቶ ብጥበብን ብቅልጡፍን ዝምልስ ወዲ ጽቡቕ ተቐባልነትን ኣድናቖትን ኣለወን። ብኣንጻሩ ከኣ ብዙሕ እንዳ ደወለን ዓሰርተ ግዜ እንዳ ተመላለሰን ዝርብሸን፣ ብካልእ ወገን ድማ ሓደ ዕቡይ ኣቀራርባ ዘይፈልጥ ወዲ ተባዕታይ ኣይፈትዋን እየን። እቲ ብዓይኒ ወዲ-ተባዕታይ ጽቡቕ ዝሕሰብ፣ ልዕሊ መጠን ምኽሪ ዝህብ፡ ብዙሕ ክሓሊ ዝፍትን፡ ክትዕ ዘብዝሕ፣ ብዙሕ ዝዛረብ፣ ነዓአን ዓቕለን ዘጽብበለን ነገር’ዩ። ንሰን ፍርቂ መንገዲ ባዕለን ክመጽኣ እየን ዝደልያ፣ ስለዚ እታ ምስጢር ብርእሰ-ተኣማንነት ክሳብ እታ ትደልያ ፍርቂ መንገዲ እትመጽእ ምጽባይ’ዩ። ስለዚ ኩሩዕ ሰብ ማለት ብዘለዎ ዕጉብን ህድእ ዝበለ’ዩ እምበር ዕቡይ ማለት ከምዘይኮነ ተረዲእና ኣሎና።

 ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎ ወዲ-ተባዕታይ ኣብ ሂወቱ ብኹሉ መለክዒታት ዕዉት ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። ንሓላፍነት ዝምዘዝ ሰብ ሓደ መሽኳት ወይ ዕቡይ ዘይኮነ፡ ሓደ ርግእ ዝበለን ነብሱ ዝኣምንን’ዩ። ጸለውቲ ሰባት መብዛሕትኦም እንተ ተዓዚብናዮም፣ ትሕትና ዘለዎምን ልዑል እምነት ኣብ ነብሶም ዘለዎምን እዮም። ኣእማኒን ተኣማኒን ሰብ’ዉን እቲ ንነብሱ ዝኣምን’ዩ።

ርእሰ-ተኣማንነት ምስ እወታዊ ኣተሓሳስባ ዝተኣሳሰር’ዩ። ስለዚ ድማ እዩም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ኣዝዩ ህዱእ መንፈስ ዘለዎም። ኣብ ሕብረተሰብ ክጽንበሩ እንከለዉ ውን ብዙሕ ኣይርበሹን’ዮም። እዚ ድማ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ውን ልዑል ተቐባልነት ዘለዎም ይገብሮም። እዞም ኩሎም ብልጫታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሂወት ሕጉሳት ኮይኖም ይነብሩ።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ሕፉርን ክቡርን ክኸውን ካብ ስነ-ስርዓት ኣዘራርባኡን ክሳብ ትሕትናኡ ድልዱል መሰረት ዘለዎን ብጽቡቕ ዝተሃንጸን ክኸውን ኣለዎ። ጀላዕ-ላዕ ዝብል ተጻራፈይን ዕቡይን ወዲ-ተባዕታይ ኣይ ንዓዲ ኣይ ንዓውዲ’ዩ። ብዝኾነ ኣካል ሕብረተሰብ ክኸብር ኢሉ ይሓስብ እንተኾይኑ ድማ ይጋገ ጥራይ’ዩ ዘሎ።

ንምትህንናጽ ዝኣክል…

 

 

12 comments:

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...