Wednesday, February 17, 2021

ኣእምሮ ጎሓፍ ምስ ዝመልእ ፡ መልሓስ ግዕዘይ ትዛረብ


ጎሓፍ ዝኾነ ፍልጠት ዝመልአ ኣእምሮ ጽባቐ ዘለዎ ስራሕ ክሰርሕን ጽባቐ ዘለዎ ልኡም ዘረባ ክዛረብ ማለት ዘበት’ዩ። ብሓጺር ኣዘራርባ ጎሓፍ ዝመልአ ኣእምሮ ጎሓፍ ስራሕ ይሰርሕ ማለት’ዩ። እዚ ስነ-ሓሳብ Garbage in, Garbage out (GIGO) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ህቡብ ኣየርላንዳዊ ደራሲ Oscar Wilde : ‘ንስኻ እቲ እተንብቦ ኢኻ’ እዩ ዝብል ነይሩ። You are what you read.

ኣካላዊ ኣቃውማኻን ሚዛን ኣካላትካን ምስ ኣመጋግባኻ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ሕማቕ ኣመጋግባ


ዘለዎ ሰብ ዝተባላሸወ ቅርጺን ኣብ ኣካላቱ ዘየድሊ ስብሒ ይገብር። መኣዛታት መግቢ ዝጎደሎ ኣመጋግባ ዘዘውትር ሰብ ድማ ንሕማማት ክቃላዕ ግድን ይኸውን። ነዚ ብሰፊሑ እትገልጽ ኣብ 1826 ፈረንሳዊ ጸሓፊ Anthelme Brillat-Savarin ‘እንታይ ከምትበልዕ ንገረኒ፡ መን ምዃንካ ክነግረካ እየ’ እትብል መጽሓፍ ጽሒፉ ነይሩ። ኣእምሮና’ውን ብወገኑ ግቡእ ሓበሬታን ፍልጠትን ክምገብን ክረክብን እንተ ዘይክኢሉ ልክዕ ከም ኣካላትና ይበላሾ ማለት’ዩ። ንሱ ዘፍርዮ ዘበለ ሓሳብ ድማ ሕማቕን ነዋሪን ይኸውን። ብልሙድ ብሂል ኣቦታትና ‘ዝለመጸ እምሮ’ ይኸውን ማለት’ዩ።

ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ጎሓፍ ባህርያት ወይ ዘሕፍር፡ ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሓፋሽ ዝዛረቡ እትብል ሕቶ ብዙሕ ግዜ’ያ ትመላለሰኒ ነይራ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ግን መልሲ ረኺበላ። እቲ ሽግር ድማ ኣእምሮ ጎሓፍ ምስ መልአ’ዩ ጎሓፍ ዘረባ ዝፍነው ዘሎ። ሓጻር’ያ በቃ ብዙሕ ኮለል እተብል ነገር ኣይኮነትን።  

ነዘን ዝስዕባ ነጥቢታት ንተዓዘብ :-

ü  ስብሒ ዘለዎ መግቢ ምስ ተብዝሕ ከሳዕ ሰብ ትኸውን

ü  ድቃስ ምስ ተውሕድ ድኻም ይስመዓካ

ü  ምስ ኣመንዝራታት ትውዕል እንተኾንካ ኩለን ደቀ-ንስትዮ ኣመንዝራታት ኮይነን ይስመዓኻ

ü  ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትውዕል እንተኾንካ ዘድሊን ዘየድሊን ክትኣኻኽብ ትውዕል

ü  ቅዱስ መጽሓፍ ተንብብ ሰብ ምስትኸውን ህዱእን መስተብሃሊን ትኸውን

ü  ስፖርት ምስ እተዘውትር ጥዕናን ሓይሊን ይስመዓካ

ü   መጽሓፍቲ ምንባብ ምስ እተዘውትር ናይ ለውጢ ሰብ ትኸውን።

ብሓፈሻ ናብ ኣእምሮኻ ተእትዎ ዘበለ ኩሉ ነገር ኣብ ኣተሓሳስባኻ ጽልዋ ኣለዎ። ብተወሳኺ ከባቢኻ እቲ ዝዓበየ ጸላዊ ባእታ ከምዝኾነ ኣሚንካ ኣካባቢኻ ነዓኻ ዝሃንጽን ዝጠቅምን ክኸውን ከምዘለዎ ዘክር። እትርእዮም ፊልምታት፣ እተንብቦም መጽሓፍቲ፣ እትስዕቦም ጸለውቲ ሰባት፣ እትከታተሎም ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ሰባት፡ ኩሉ ኣብ ኣእምሮኻ ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ኣብ ኣእምሮዊ ጥዕናኻ ጽልዋ ኣለዎ።

ብፋላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ እትስዕቦም ሰባት ካብ ግዜኻ ምብኻን ሓሊፎም ዝገብሩልካ ነገር ዘየለ ከይከውን ኣስተብህል። እዚ ማለት ክንደይ ሰዓት ኣብ ማሕበሪዊ መራኸቢታት ተጥፍእ ኣብ ግምት ኣእትዎ`ሞ? ሂወት ከኣ ግዜ ምዃና ዘክር። ስለዚ ሓንቲ መጽሓፍ ኣንቢቦም ዘይፈልጡ ሰባት ብግዜኻ ይላገጹ ከይህልዉ ደጊምካ ሕሰብ። ስለዚ UNFOLLOW እትብል ወርቃዊት መልጎም ብዙሕ ግዜ ክትጥቀመላ ከድልየካ`ዩ። ስድነት ዝመልአ ኣንደበቶም፡ ዕሽነት እናዘርኡ ዝነብሩ፡ ኣብ ጣውላ ምስ ካልኣይካ ክትዛረቦ ዘሰክፍ ኣበሃህላታት ኣብ ሓፋሽ እናተዛረቡ ክብረት ወለዶምን ሕብረተ-ሰቦምን ዘነውሩ፡ ሕልፊ ኩሉ ግን ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ሓሳብ ሒዞም ንሰዓታት ዓጀው ዝብሉ፡ ንምዝንጋዕ እውን ትስዕቦም እንተኾንካ ንኣእምሮኻ ምብልሻው ንዓኣቶም ድማ ምግጋይ ከስዕበሎም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሕብረቶም ኢድካ ኣይትሓውስ UNFOLLOW ብምባል ምርጫኻ ኣርእዮም።


ኣብ ገጻት ፈይስቡክ፣ ቲክ-ቶክ፣ ኢንስታግራምን ዩቱብን ዘድልዩኻን ዘማዕብሉኻን ሰባት ጥራይ ሰዓቦም ወላ ኣዕሩኽትኻን ቀረብቲኻን ይኹኑ፡ ተባህለ እናበሉ ከህተፍትፉ ዝውዕሉ እንተኾይኖም ለከምትኻ ምዃኖም ኣይትረስዕ። እቲ ናትካ ቀንዲ ገጽ News-Feed ኣድላይ ዝኾነ ነገራት ጥራይ ግበሮ። እተዘይኮይኑ ዘገድሰካን ዘየገድሰካን ክትፈሊ ኣሸጋሪ ክኸውን’ዩ። ጎሓፍ እንተ ኣኪብኣ ከኣ ናብ ጎዱፍ ክትጸሪ ኣአንፊትካ ከምዘሎኻ ዘክር።

ስለዚ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚርካ፡ ካብዛ እዛ ጽሕፍቲ ኣንቢብካ ምውዳእካ ኤዲት ምግባር ከድልየካ`ዩ። እቲ ብሉጽ ነገር ድማ ኣብ 15 ደቓይቕ ልዕሊ 50 ሰባት unfollow ክትብል ትኽእል ምዃኑዩ። ቅዱስ መጽሓፍኢሳይያስ 32፡8 ‘ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ’ ይብል። ካብ ደናቁርን ክፉእ ዝልቦምን እንታይ ክትማሃር ኢልካ ኢኻ`ሞ ክትሰምዖም። ንሶም ዝብልዋ ዘለዉ እውን ዓቕሞምን ሰኣን ፍልጠቶምን’ያ፡ ንስኻ ትስዕቦም ዘለኻ ኸ ሰኣን ምንታይ ትበሃል ፧

በሉ`ስ ከ ኣብ ልብና የሕድሮ…

 

 


1 comment:

  1. There isn't any native app that you simply can} obtain, but the site works perfectly on mobile browsers, so this should not be a problem. The whole welcome bundle could rating you as much as} 5 Bitcoin in bonuses. Interest and revenue are rising rapidly, and there is be} no|and there's no} doubt that it'll going to} revolutionize in 코인카지노 the future with extra developments and expertise for immersive gambling experiences.

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...