Thursday, March 11, 2021

ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ ዘንጸባርቕዎ፡ ተደላይ ናይ ምምሳል ክቱር ድሌት (neediness)

     

         ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ እቲ ዝኸፍአ ከጽልኣ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ሓሶት`ዩ። ከም ዘስተብሃልክዎ እንተ ኮይኑ ንሓሳዊ ወዲ ቀልጢፈን ብምልላይ ዘየዳግም ናይ ዕድል ዘይምሃብ ውሳኔ እየን ዝወስዳ። ምስ ሓንቲ ጓል ትጻወትን ትሓባብላን ጽቡቕ ኔርካ፣ ተስፋታትካ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ግዜ ሃንደበት እታ ጓል ካባኻ ክትርሕቕ ኣጋጢሙካ ይፈልጥ`ዶ ፧ እወ ንኹላትና ! እቲ ምኽንያት እቲ ኣባኻ ዝነበራ ስሕበት ሰለ ዝጠፍእ`ዩ። ቁሩብ መዓልታት ብስክፍታ እንተ-ተዓረየ ኢላ ክትረኽበካ ትፍትን`ሞ…. እንተኾነ ንሳ’ውን እቲ ትደልዮ ስምዒታት ክትፈጥረላ ስለ ዘይከኣልካ`ያ ካባኻ ትርሕቕ ዘላ። ትፈልጡ`ዶ ከም ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ገይሩ `እንተኾነለይ`ዶ’ ኢለን ብዙሕ ዕድል ዝህባ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘየለዋ…. ደቂ-ኣንስትዮ ናባኻ ክቐርባ እንከለዋ `ከምቲ ዝደልዮ ወዲ ይግበረለይ` ኢለን እየን ዝምነያ።

      ኩሉ ሓሶት፡ `ኣዋልድ ባዕለን እየን ዝመጻኒ፣ እንተኾነ ኣነ ብዙሕ ኣይግደስን እየ።` ዘጽመመትኒ ናይ ኣወዳት ዘረባ`ያ። እዚ ከምዚ ዝብል ወዲ፡ ናቱ ሄሊኮፕተር እተዕልብ ንእሽቶ መርከብ ኣላቶ ክትከውን ኣለዋ እምበር እዩ ዘብል። እንተኾነ ግን ቅንይ ኢልካ ምስ ትርእዮ ቢራኡ ሒዙ ወላ ቀዳመ-ሰንበት ኣብታ ጽምዋ ገዝኡ ተለቪዥን ወይ NETFLIX ክርእይ የምሲ (ገለ ከኣ ጽዩፍ ቪድዮታት ዝርእዩ ኣይሰኣኑን)። ኣብታ ብዙሓት እንዳ-ደወላ ይርብሻኒ ዝብላ ሞባይሉ ከኣ 10 ግዜ መን ኦንላይን ኣላ መን የላን ተመላሊሱ ይርእይ። ግን ስለምንታይ እዮም ኣወዳት ኣብ ኩሉ ዕላላቶም ብኣዋልድ ተደልይቲ ኮይኖም ክቐርቡ ዝመርጹ ፧ ኣዝያ እትገርመኒ ነገር`ያ : እቲ ዘስደምመኒ ነገር ግን ወላ ንጎራዙ ከምኡ ይብልወን ምኳኖም`ዩ። እዚ ከኣ ክቱር ተደላዪ ናይ ምዃን ባህጊ`ዩ። ባህጊን ክውንነትን ግን ገፊሕ ፍልልይ ዘለዎ ነገር`ዩ።

ሓደ ወዲ ይጠቅም`ዩ ዝበሎ ቃላትን ኣካላዊ ምርድዳእን ሸምዲዱ መጺኡ ንሓንቲ ጓል ዘይንሱ ኮይኑ ይቐርባ`ሞ፣ ጓል ብኩለንትናኡ ተደኒቓ ኣብ ሓጺር ግዜ ልዑል ኣቓልቦ ትህቦ። ምስ መሓዙታ ተላልዮ`ሞ ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ከሰልክያ ይጅምር እቲ ደስ ዝብላ ዝነበረ ባህርያቱ ገለ ዘይምሉእነትን ኣንፈት ምስሉይነትን ትርእየሉ ትጅምር። ቴክስት-ሜሴጅ ደንጉያ ክትምልሰሉ ትጅምር፣ ድሕሪ ግዜ ድማ ኣሕዲራን ኣቐንያን ትምልሰሉ። ተሰኪፋ ንዘቕርበላ ዕድመ ናይ ቆጸራ ትርከብ`ሞ ኣመኻንያ ቀልጢፋ ከም እትኸይድ ትገብር። ድሕሪ ግዜ እቲ ወዲ ነብሰ-ምትሓት ክገብር ስለ ዝጅምር፡ ክልምና ይጅምር`ሞ ንሳ እውን ቅጭ ይመጻ። እቲ ርክብ ድማ ብሕማቕ ይዛዘም። ሓውና ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጽልኣት የሕድር። `ክላ እዚአን ኣይሓስባን እየን፣ ርእሲ የብለንን።’ ዝብላ ጋኔናት ሓሳባት ርእሱ ይመልኦ። እዚኣ እታ ኩሉ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝዕዘባ ፊልም ሂወት ኣጉባዝ ደቂ-ተብዕትዮ`ያ። ገለ ነብስኹም ረኺብኩማ`ዶ ?

ብሂል ደቂ-ኣስመራ /ደቂ ከተማ/፡ ንሓንቲ ጓል ትሽር-ሽራ/ተርግጻ/ ዛን-ዛን ተብላ ዝብላ ቃላት ብብዝሒ ክደጋገማ ክሳብ ዒቕ ዝብለኒ ሰሚዐ`የ። ምውራዝ ወይ ጓል ምትሕብባል ምስ ባህሊ ምትእስሳር ዘለዎን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ`ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ኣብ ፓሪስ ካብ ዝቕመጥ ሒደት ዓመታት ገይረ ኣለኹ፣ ምትሕብባል ዓለምለኻዊ ነገር ምዃኑ ከኣ ከረጋግጽ ክኢለ። ካብ ዝኾነ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ትምጻእ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ነብሳ ከተሕስር ኣይትደሊን`ያ። ጸዓዱ ኣብ ቀረባ`የን፣ ዓረብ ገንዘብ ጥራይ እየን ዝደልያ፣ ጸለምቲ ጥይት ኣብ ዓንቀር ወዘተ… ዝብሉ ወረታት መበገሲኦም ካበይ`ዩ ኣይፈልጥን ግን ፍጹም ጌጋ`ዮም። ጓል ሄዋን ጻዕዳ ትኹን ጸላም ንነብሱ ዘይመስል ወዲ ቀልጢፋ`ያ ትሃድመሉ። ኣብ ምስሉይነት ምንባር መን ይፈትዎ ፧

ተደላይ ናይ ምዃን ህርፋን (neediness) እቲ ንኹሉ ነገር ዝቐትል ባህርያት`ዩ። ከም ወዲ ግዝያዊት ዓርኪ ክትደሊ፡ ጾታዊ ርክብ ክትብህግ፣ ብታህዋኽ መጻምዲ ንምርካብ ክትምነ ተፈጥሮኣዊ ነገር`ዩ። እንተኾነ ግን ግዙእ ናይዘን ነገራት ምስ እትኸውን ወይ ክትቆጻጸረን ዘይትኽእል ምስ ትኸውን ቀተልቲኻ ክኾና ይኽእላ`የን። እዚ ማለት ነብሰ ግትኣት ዘይብልካ ወዲ ምስ ትኸውን ካብ እንስሳ ዝፈልየካ ነገር የለን። ምስ እንስሳ ክትነብር እትደሊ ጓል`ውን የላን። ስለዚ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ክትቅየር ካብ ሎሚ ተጋደል።

ንስኻ እተውጽአን ዓይነት ኣዋልድ፡ ንስኻ ከመይ ዓይነት ወዲ ምዃንካ ብቐሊሉ ይገልጸካ። ንኣብነት ሓንቲ ኣብ ሽግር ዘላ ጓል መዝሚዝካ ክትጥቀመላ ምስ ትሓስብ፡ ንስኻ ሓደ ድኹም መዝማዚ ኢኻ ማለት`ዩ። ሓንቲ ብኹሉ መለክዒታት ጽብቕቲ ወይ ምህርቲ እትበሃል ጓል እተውጽእ ምስ ትኸውን ከኣ ርእሰ-ተኣመንነት ዘሎካ ምዃንካ ይገልጽ። ስለዚ ኣብ ሂወትካ ዝተጸጋዕካየን ደቂ-ኣንስትዮ ዘክር`ሞ፣ መን ምዃንካ ክርደኣካ`ዩ። እታ ጓል ክትጥቀመላ ተጸጊዕካያ ከም ዘለኻ እንተፈሊጣ ከኣ ንሳ‘ውን ካባኻ ክትርሕቕ`ያ። ስለዚ ቅንዕ ኢልካ ምኻድ ኣገዳሲ`ዩ።


ምምሳልን ምዃንን ፍልልዮም 180 ዲግሪ እዩ፡ ክራኸቡ ድማ ጥራሽ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ዘይንሱ መሲሉ ናይ ፍቕሪ መስርሕ ዝጀመረ ፈላጢና፡ ኣብ ዕላሉ ድሕሪ መርዓ ክልተ ሰራሕተኛታት ገዛ እየ ዝገብረልኪ እናበለ ሃነይ-ነይ ዘበላ ጎርዞ፡ ድሕሪ መርዓ ግን ንሳ እያ ናይ ስድርኡ ሰራሕተኛ ጌርዋ። ኪዳኖም ብምንታይ ተዛዚሙ ግምት እንተ ኣለካ ጽቡቕ ገመትካ። ሰሪ ዘይንሱ ምምሳል ድማ ሓጎስ ዝመልኦ ህይወት ከይነብር ተዓጊቱ፡ ‘እዚአን’ ኣብ ምባል ይነብር ኣሎ።

ናይ ዝርርብ ፎርሙላታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ክግበር ዘለዎ ነገራት ዝሕብሩኻ መጋገይቲ መዛኑ ይህልዉ ይኾነ`ዮም። ቴክስት ምስ ትሰደልካ ቀልጢፍካ ኣይትመልሰላ፣ ቴሌፎን ኩሉ ግዜ ኣይትደውለላ፣ ብዙሕ ኣይትዛረብን ካልእን ዝብል ነገራት ይምዕዱ ፧ እንተኾነ ግን ንሳ እንተዘይ ደዊላ`ኸ ፧  እንተዘይ ተገደሰትልካ ኸ ፧ ኣብ ሞንጎ ሓሳባ እንተቐየረት ከ ? መልሲ የለን። ስለዚ ንነብስኻ ምሰል ! ንነብስኻ ክትመስል ከኣ ሓሶት ኣቋርጽ፣ ምቕሉል ኩን።  ጓል ኖእ ኣይደሌካን`የ ምስ ትብለካ ኣዝዩ ኖርማል /ተራ/ ነገር`ዩ። ምኽንያቱ ንሳ ካልእ ዓይነት ሰብ`ያ ትደሊ ማለት`ዩ እምበር ንስኻ ጎሓፍ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ልክዕ ከምቲ እወታዊ መልሲ ተጸቢኻ ትፍትን ኣሉታዊ ከምዘሎ ከኣ ፍለጥ። ኖእ ትጸልእ እንተኾንካ ከኣ ዓሪፍካ ተቐመጥ። ሓደ መምህርሲ ተመሃርኡ ባዶ ካብ ዓሰርተ ከምጽኡ እንከለዉ `ፍልጠት ዝበሃል የብልኩምን ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እቲ ትፈልጥዎስ ኣብ ፈተና ኣይመጸን ማለት እዩ` እናበለ ተስፋ ተመሃርኡ ዝሕሉ ነበረ። ስለዚ ኣይደልየካን ዝብል መልሲ ክመጽእ እንከሎ፡ እትደልየካ ኣብ ካልእ ጎደና ከም ዘላ ምዝካር’ዩ እንበር ነቲ ትደልዮ ሰብ ተዘይመሰልኩ ኢልካ ኣብ ሓሳት ካብ ምንባር ተቆጠብ።

ካብ ሎሚ ጀሚርካ ምሉእ ሰብ ክትከውን ጸዓርን ንነብስኻ ምሰልን። ምሉእ ሰብ ከኣ ምልእቲ ጓል ይረክብ ወይ ብሉጽ ዕድል ይኽፈተሉ። ስለዚ ኣብ መንገዲ እንዳሓለፍካ ወላ ኣይመልሱልካ ንሰብ ሰላም ምባል ፣ ንዘይትፈልጦ ሰብ ፍሽኽ ኢልካ ምዝራብ፣ ቅንዕ ኢልካ ብጽቡቕ ኣቃውማ ምስጓም። እቲ ምስጢር ዓወት ሂወት፡ ንጓል ኢልካ ዘይኮነ ንነብስኻ ኢልካ ግበሮ። ከምዚ ቆልዑ እንከሎና ስድራና ከነሐጉስ ብልጫ ክንወስድ ንጽዕሮ ዝነበርና ከይመስል። ወይ ውን ናይ ዲግሪ መዓርግ ስእልና ኣብ ሳሎን ክንሰቅል ኢልና ንመሃር ከይመስል።

ነቶም ሓሳባት ምኹምሳዕ ደስ ዝብሎም መተዓብይቲ ትኹነለይ። ካብ ዕላላት ቤት ቁርሲ ሸኻ-ስምልተ ኣስመራ ..

 

No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...