Thursday, April 1, 2021

‘ህዝቢ ኤርትራ ብናጽነቱ ሕጉስ ኣይኮነን፣’ ‘ኲናት ባህላዊ ጸወታና፣’ Toxic positivity !!

 ብዙሕ ነገረናን ርእየትናን ብ Motivational speech ብደረኽቲ ዝኾኑ መደረታትን ጽሑፋትን መኣዝን ከነትሕዞ ንኽእል ንኸውን ኢና። ንህይወትና ዝሕሻን ዝበልጻን እናበልና ድማ ንዓና ኮይና ንፈተውትና ዝኸውን ሃነጽቲ ሓሳባት ንረኽበሉ ንኽእል። እዚ ብኻልእ ኩርናዕ ክቕየር ዝኽእልን ኣብ ካልእ ባይታን ኩነታትን ሓድሽ ርእየት ክንሕዝ የኽእለና ይኸውን እዩ። ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ግን ብመደረ፡ ብስብከት፡ ብጽሑፍ፡ ብቪድዮ ኣይኮነን ኣብ ውሽጥና ሰሪጹ፡ ምስ ደመ-ነፍስና እዩ ተተሓሒዙ። እዚ ድማ ምረት መግዛእቲ ካብ ወለድና እናሰማዕና፡ ፍረ ናጽነት ህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣካሎምን ግዜኦምን ዝኸፈልዎ ዋጋ ስለ ዝረኣና ጥራይ፡ ተሰበኽቲ ዘይኮናስ መስከርቲ ይገብረና እሞ ዝያዳ ዝብጽሓና፡ ሕልፊ ኩሉ መዓልታት መዓልቲ ናጽነት ከነኽብር ይገብረና።

ናጽነት ኤርትራ ታሪኽ ጅግንነት ኣቦታትና`ዩ፣  ህዝቢ ኤርትራ ግንቦት 24 መዓልቲ ናጽነቱን ልኣላውነቱ ብሓበን` ዘኽብራ። ናጽነት ኤርትራ ብስራሕን መሪር ቃንሲን ስለ ዝመጸ’ዩ። ምናልባት ኣብዚ ግዜ እዚ `ዲጂታል ወያነ` ዓሰርተታት ናይ ሓሶት ኣድራሻታት ወይ  `ፌክ ኣካውንት` ኣውጺኦም ኤርትራውነት ዝበሃል ነገር የለን`ዶ፡ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኣይነበረትን ኣይክትህሉን እውን እያ ዶ፡ ገለ እንተበሉ ተጋጊኹም ከይትኾኑ። እምበር` ኤርትራ ቅድሚ ኢትዮጽያ ሃገር ምንባራ ትፈልጡ ኢኹም ፧

Toxic positivity፣  ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ሓደ ኣምባሳደር ‘ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ምሉእ፡ ሕጉስ ኣይኮነን፣ መዓልቲ ናጽነቱ ኣየብዕልን`ዩ’ ክብል ኣብ መግዓዊ መግለጺ ምስማዕ ከስደምምን ዘርምምን`ዩ። እዚ ስነ-ሓሳብ ካብ ተራ ዘረባ ሓሊፉ ናብ ብሓቂ ዝተኣምነ ስነ-ሓሳብ ተቐይሩ ምርኣይ ከኣ ካልኣይ ዘይብሉ ክቱር ዕሽነቱ ዝተቐልዐ ድንቁርና`ዩ። ብመንጽር እዚ እውን ኣቐዲምና ከም ዝሰማዕናዮ ወያነን ደገፍቶምን ኲናት ከምዚ ናይ ቪድዮ-ገይም ገይሮም ክሓስብዎ ጀሚሮም ጥራይ ዘይኮነ፣ `ኲናት ባህላዊ ጸወታና`ዩ` ክብሉ ሰሚዕና። ካብ ኲናት እንትርፎ ሕሰምን መከራን እንታይ ዝርከብ ስለ ዘሎ`ዩ ፧ እሞ`ኸ እቲ ጸላኢኻ ስቕ ኢሉ ይርኣየካ ወይ ሓዊ እንዳ ደርበኻሉ ማይ ይኽዕወልካ ማለት ድዩ ፧ ናይ ባህላዊ ጸወተኦም ስብራ ከመይ ነበረ ሓደ መዓልቲ የውጉዑና ይኾኑ።

ግዳ…

ኣብዚ ግዜ ኣብ ብዙሓት ኣህዛብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጎረቤትና ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ Toxic positivity ዝበሃል ቫይረስ መጺኡ`ሎ። እዚ ድማ ካብ እምብዛ ናይ ስነ-ልቦና መተባብዒ ሜድያታትን መደርቲን ምክትታል ዝመጽእ ናይ ዘይምምዝዛን ጸገም`ዩ። ኩስቶ ዝበሃል ቢልዮኔር ኮይኑ፣ ንስኻ ድማ `ዝሓሰብካያ ክትገብር ትኽእል ኢኻ` ትበሃል ሓረግ ብዘይ ውረድ ደይብ ኣብ ርእሲ ትስመር`ሞ ብሕልሚ ጥራይ ዓወት ምጭባጥ ዝዓይነቱ ካብ ክውንነት ዝወጸ ሕልማዊ ዓለም ይጅመር። ስሕበት መሬት ስርሑ ከም ዘይርስዕ እናረሳዕካ ኣብ ሰማየ ሰማይ ተንሳፍፍ እሞ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብዛ መሬትካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንድቲ ዝበረኽካዮ ክትወድቕ ከለኻ ከኣ ብናህሪ ስለዝኸውን ሕቆኻ ሕቆ ኣባ-ጎብየ ኮይኑ ጭድድድ ኢልካ ብህይወት ኣይትተርፍን እንተተረፍካ ከኣ ንምርኣዩ ዘይበሃግ ኮንካ ጠጠው ትኸውን።

እንተ ንሕና ግን ክንኮኖ ዘለና…



ሃገር ልዕሊ ኩሉ ነገር፣  ሃገርን ህዝብን መጀመርታ ይመጽእ። ድሕሪኡ ፖለቲካዊ ርድኢት ይስዕብ። ከም ኩሉ ሰብ ናይ ገዛእ ርእስና ፖለቲካዊ ርድኢት ክህልወና ይኽኣል፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘሰማምዕን ዘየሰማምዕን ነገራት ክህልወና እውን`ዩ። ኩሉ ግን ወግዒ ኣለዎ፣ ኣብ ኤርትራ ገዛ ስለ ዘይሰራሕካ ወይ ከምድላይካ ኣቲኻ ስለ ዘይወጻእካን ብሸርፊ ተሓጊዝካ ልዕሊ ሰብካ ስለ ዘይተረኣኻ፡ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ከተነኣእስ ነቶም ምእንታኻን ምእንቲ ህዝቦምን ኩሉ ተሪፉ እኳ ግዜኦ ጥራይ ወላ ዝኸፈሉ ከተነኣእስ ኣይግባእን። ንመን ትጠቕመሉ ነገር ኣሎካ ኮይኑ`ዩ ናይ ዞባ ትግራይ ሒዝካ መንነት`ዶ ግዛዕ ትብል ? ኣማስይኡ ንስኻ ዘይኮንካ ታሪኽካ እዩ ዝነብር እኮ ! መጻሕፍቲ ታሪኽ እንዶ ገንጽል ሓላይን በዳልን ህዝቡ እንተለዉ ወዲ መኖም ክትከውን ምተፈተወካ ፧

ስለዝስ… ከምቲ ዝሓለፈ  

ጸላእቲ ኤርትራ በብሓደ ክድምሱ`ዮም፣ ዓቃልን መስተብሃሊን ህዝቢ እትውንን ኤርትራ ካብ ሃይለ ስላሴ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ምድምሳስ ጸላእትና ተሞኲራ ኣላ። እዚ ገዚፍ ተሞኩሮ`ዚ ከም ህዝቢ ክንሓብር ዘገድደና`ዩ። ኣብ ሃገርና ኤኮኖሚያዊ-ፖለቲካዊ-ምምሕዳራዊ ምትዕርራይ ክግበር ናይ ሓባር ዘይሕለል ጻዕሪ ከድሊ`ዩ። ጎድኑ ጎድኑ ድማ ህላወ ሃገርና ምስ ህላዌ ወትሩ እናተተኻኽአ ዝነብር ሕዝቢ፡ ሓያል ውህደቱን ብውህደቱ ዘቆሞ ሓያል-መንግስትን ጥራይ`ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ስለዚ ኩላትና ንለውጢ ካብ ውልቃዊ ረብሓ ወጺእና ብእወታዊ ድሌት ንስራሕ።

ኤርትራዊ ዲጂታላዊ ሕብረት፣ ልኣላውነትን ናይ ምግሃስ ፈተነታትን ብሜድያ ኮነ ማሕበራዊ ሜድያ ብዝተፈላለዩ መዳያት ክቕጽል ምዃኑ ርዱእ`ዩ። ስለዚ ኩላትና ከም ኤርትራውያን ዘሎና ፍልልያት ንድሕሪት ገዲፍና ነዞም ዘየሎ ስእሊ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክፈጥሩ ሓኾት ዝብሉ ሰብ ቀይሕ ባንዴራ ሃሱሳን ብዙሕ ገጽ ከየርኣና ሓደ ኣድማዒ ዝኾነ ዲጂታላዊ ሕብረት ክህልወና ከምዘለዎ ክንስሕቶ የብልናን።

ንዘይምጥባር….

ሓድሕዳዊ ምክብባር፣  ምክብባር ክበሃል እንከሎ ድላይካ ኢልካ ይቕሬታ ምሕታት ኣይኮነን። ከምኡ እንተኾይኑ፣ ባንዴራ ኦሮሞ ሒዝና ፊንፊና ዝርእሰ-ከተማኣ ሃገረ ኦሮሞ ኢና ንኣምን ክንብል ክንቅኒ`ሞ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ተናወጸት ይቕሬታ ንብል። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ፖለቲካ ሸፈጥ ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ዝወስድ ኣይኮነን። ስለዚ ሰብ መደመር ንኽእል ኢና ኢልኩም ቆፎ ንህቢ ምስ ትትንክፉ ግን…..



ከምቲ ናፖልዮን ቦናፓርተ፡ ብቕልጽሙ ንዘምጽኦ ስልጣን ባርኾት ናይ ካልኦት ከይተጸበየ ዘውዲ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ፡ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ከም ዝበልዎ፡ ብቕልጽሙ ዘምጽኦን እግዚኣብሔር እውን ዝባረኸሉን ዘውዲ እዩ ዘለዎ እሞ……።

‘ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ' ዘውዲ ደፊኡ ዝርከብ ዘሎ: እግዛኣብሄር ከኣ ባሪኽሉ'' ነዛ ዘውዲ እዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ !’ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣቦ ኤርትራ።

ዘልዓለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!!

 

 

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...