Monday, May 31, 2021

« Blue Monday » : ‘ሰማያዊት-ሰኑይ’ እታ ዝበዝሐ ጭንቀት ዝረኣየላ መዓልቲ

 

እዛ «Blue Monday »  እትብል ሓረግ ኣብ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ሜድያታት ህብብቲ ካብ እትኸውን ልዕሊ 15 ዓመታት ገይራ`ላ። ኣብ ሳልሰይቲ ሰሙን ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ንእትርከብ መዓልቲ ሰኑይ ከኣ`ያ እትውክል። ሎሚ ዓመት እዛ መዓልቲ 18 ጥሪ`ያ ነይራ። ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ጭንቀት ዝረኣየላ መዓልቲ ተባሂላ ከም እትፍለጥ ድማ ይንገረላ። ስለምንታይ`ዶ ኢልኩም?

Blue Monday ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ዝረዓመ ኮይኑ ካብ ‘Feeling Blue’ ዝብል ሓረግ ዝረዓመ`ዩ። እንግሊዛውያን Feeling Blue ማለት ጭንቀት ወይ ጸቕጢ ክስመዓካ እንከሎ ንምግላጽ ዝጥቀሙላ ኣበሃህላ`ያ።

እዛ ልዑል ጭንቀት ዝረኣየላ መዓልቲ ተባሂላ ተገሊጻ ዘላ ‘’ሰማያዊት-ሰኑይ``  ካብ ክኢላታት ስነ-ልቦና/ሳይኮሎጂስት ዝተኣከበ ዳታታትን ሓበሬታን`ዩ ነዚ ስም ክትሕዝ ኣብቒዑዋ። ኣብዛ መዓልቲ ጭንቀት ዝረኣየሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ መብዛሕትኡ ሰብ ካብ ሓድሽ ዓመት ክገብሮ ዝሓለነ ውጥናት ካብዛ መዓልቲ ኣትሒዙ በብሓደ ኣብ ግብሪ ከምዘየውዓሎ ስለ ዝፍለጦ`ዩ። ዓመት መጸ ሰባት ዝተፈላለዩ መደባት ይሕንጽጹ። ንኣብነት ገለ ሰብ ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጽ፣ ገለ መስተ ደው ከብል፣ እኒ ገለ ድማ ሚዛን ክጎድሉ እዮም መደብ ዝሕንጽጹ። እተን ቀዳሞት ሰሙናት ናይ ሓጎስ ቅነ ስለ ዝኾና ንመብዛሕትኦም ሰባት ብዙሕ ኣይፍለጣኦምን`የን። ምክንያቱ ውዕዉዕ ናይ በዓል ሙድ ዘለወን መዓልታት`የን። ሰባት ይበልዑ ይሰትዩ ምስ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ይራኸቡን ደስ ዘብል ግዜ ናይ መገሻ የሕልፉ።


ኣብ ምጅማር ሳልሳይቲ ሰሙን ምስ ምሕላፍ ልደትን ሓድሽ ዓምትን ናብ ክውንነት ይምለሱ`ሞ፣ መብዛሕትኡ ዝሓንጸጽዎ መደባቶም በብሓደ ፋሕ ከምዝበለ ክፈልጡን ከስተንትኑን ስለ ዝጅምሩ`ያ እዛ መዓልቲ ከቢድ ጭንቀት ዝረኣየላ።

ነዚ ዘጽንዑ ክኢላታት ነዛ መዓልቲ ናብ ረብሓኦም ንምልዋጥ ኣብዛ መዓልቲ ብዛዕባ ጭንቀትካ ከይትሓስብ መእንቲ ደስ ዝብለካ ንብረት ንነብስኻ ግዝኣላ ዘስምዕ ጎስጓስ ነዛ መዓልቲ ናብ ዓባይ ናይ ንብረት ዝዕደገላ መዓልቲ ቀይሮማ ይርከቡ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፣ 9 ካብ 10 ሰባት ብዛዕባ ነብሶም ሕማቕ ምስ ዝስምዖም ናብ ክዳውንቲን ኤሌትሮኒክስን ምግዛእ ከምዝጓየዩ ይሕብር። እዚ ዓይነት ሸመተ ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ምዕቡል ዘመን፣ ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ጭንቀት ምስ ዝኣትዉ ከም መደዓዓሲ  ኢሎም ብኣልማማ ሸመተ ክገብሩ ይረኣዩ። ብኣንጻሩ ግን ከምዚ ዓይነት ሸመተ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ`ዮም ዝብሉ ኪኢላታት፣ ምኽንያቱ ዘይጠቕመካ ንብረት ምግዛእ ንጽባሒቱ ኣብ ተወሳኺ ጭንቀት ስለ ዝሸመካ። እንተኾነ ኪኢላታት ስነ-ልቦና ካብ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ክትድሕን ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምግዛእካ እንተ-ወሓደ 48 ሰዓታት ከትሓስበሉ ከምዘሎካ`ዮም ዝመኽሩ።

ካብ ጋዜጣ Le Monde ዝተራዕመ ጽሑፍ።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...