Saturday, June 12, 2021

ኣወዳት `ናይ ፍቕሪ ከተማ’ ፓሪስ ስለምንታይ እዮም ብደቂ-ኣንስትዮ ተባሃግቲ

ከተማ ፓሪስ ብ The City of Love ‘ያ እትፍለጥ። እዚ ኣበሃህላ ንፈለማ ግዜ ይገርመኒ`ኳ እንተነበረ ንዓመታት ኣብዛ ከተማ ብዝተቐመጥኩን ብመገሻ ብዙሓት ሃገራት ምስ ረኣኹ`ዩ ክርደኣኒ ክኢሉ። ከምኡ’ውን እቲ ቋንቋ እንዳ መለኽክዎ ብዝኸድኩ እቲ ዝጥቀሙሉ ሮማንቲክ (ፍቕራዊ) ዝበሃል መግለጺታት ናይ ብሓቂ ደስ ዝብል ኮይኑ ረኺበዮ። ዝኾነ ፈረንሳዊ ንሰበይቱ ወይ ዓርኩ ብስማ ክጽውዓ ሰሚዐ ኣይፈልጥን`የ። ma chérie, ma puce, ma belle, mon amour, mon cœur, mon bébé, chérie.. ወዘተ.. ዝብላ ቅጽላት`ዮም ብተደጋጋሚ ዘዘውትሩ። እዘን ቅጽላት ብቋንቋ ትግርኛ ክትርጎማ እንከለዋ ከኣ ክብርተይ፣ ጅብዕተይ፣ ፣ድራረይ፣ጎነይ፣ከም ልበይ ወዘተ`ዩ ዘስምዕ።

ኤውሮጳውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንፈረንሳውያን ብመልክዕን ሓራካትን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እየን ዝሰርዓኦም። ብፍላይ ላህጃኦምን ኣወጻጽኣ ቃላቶምን ኣዝዩ ከምዝማርኸን`የን ዝዛረባ። ኢጣልያውያን ወላ`ኳ ኣብ መልክዕ ፍረ-ገጽ ንፈረንሳውያን ዝበልጽዎም ይኹኑ ብቁመትን ኣሰራርዓ ኣካላትን ስለ ዝቕደሙ ግን እቲ ዓብላልነት ኣብ ፈረንሳውያን`ዩ። ኣመሪካውያን`ኳ እቶም ናይ ሆሊዉድ ተዋሳእቲ ገዲፍካ ገዘፍቲን ኣብ ኣከዳድና ዘይግደሱን`ዮም።

ፈረንሳውያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ፓሪሳውያን ኣብ ‘ስታይልን ፋሽንን’ ዘለዎም ርድኢት ኣዝዩ ልዑል`ዩ። ምናልባት ንፓሪሳውያን ብኣከዳድና ክወዳደርዎም ዝኽእሉ ኢጣልያውያን`ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ እምበር ካልእ ወላ ሓደ ክወዳደሮም ዝኽእል የሎን። እንተኾነ ቁጠባ ናይ ፈረንሳውያን ኣዝዩ ዝተመሓየሸ ስለ ዝኾነ ድላዮም ዓይነት ክዳውንቲ ክገዝኡ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎም።

ገለ ፈረንሳውያን ኣዕሩኽ ብዝተላለኹ ኣነባብራን ድሌታትን ኣጉባዝ ፓሪሳውያን ብዓሙቊ ክርደኣኒ ጀሚሩ። ንሶም ዝኾነ ዝገዝእዎ ክዳውንቲ ሓደ ምስ ሓደ ዝወሃሃድ ገይሮም እዮም ዝገዝኡ። እዚ ክበሃል እንከሎ ዘለዎም ኣርማድዮ ኩሉ ብሕብርን ስታይልን ዝወሃሃድ ክዳውንቲ ገይሮም`ዮም ዝመልእዎ።

ሓደ ወዲ ፓሪስ ግዜ ኣብ ዝረኸበሉ ኣብ ኢንተርነት ክዳውንቲ ምርኣይን ምምራጽን የዘውትር። ብፍላይ Vintage collection/ብቅዲ ፍልይ ዝበለን ደረጃኡ ዝሓለወ ክዳውንቲ ሃሰው ምባል ደስ`ዩ ዝብሎም። ሓደ ኤርትራዊ ሓድሽ ናይ ቻይና ክዳን ክመርጽ እንከሎ ሓደ ወዲ ፓሪስ ግን ብተመሳሳሊ ዋጋ ሓደ ናይ ፈረንሳ ወይ ኢጣልያ ካልኣይ-ኢድ brand/ማርክ ክዳን ምግዛእ ይመርጽ።

ናይ ፈረንሳውያን ልዕሊ ኩሉ ዘድንቖ ባህርያት ግን minimalist ማለት ውሑድን ደረጃኡ ዝሓለወ ክዳውንትን ንብረትን ስለ ዝመርጹ`ዩ። ብኣንጻሩ ግን መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ብፍላይ ወዲ ከተማ (ኣስመራ) ኣርማድዮኡ ዘይለብሶን ዝረስዖን ክዳውንቲ`ዩ  ዝመልእ።

ክዳን ክንዲ ዝጸበቐ ይጸብቕ ስሩዕ ኣቃውማ እንተ-ዘይሃልዩካ ወላ ሓንቲ ዋጋ የብሉን። ነዚ ብትኽክል ዝርድኡ ፈረንሳውያን ድማ ንግሆ ተንሲኦም ካብ 5-10ኪ.ሜ ጉያ፡ ድሒሮም ድማ ናይ ከብዲ ስፖርት የዘውትሩ። ስለዚ ድማ`ዩ ኣብ ፓሪስ ዳርጋ ከብዳም ጻዕዳ መንእሰይ ዘይትርእይ።

ካልእ ደስ ዝብለኒ ባህርያት ናይ ፓሪሳውያን ኣወዳት ኣሎ። ንሱ ድማ ሓንቲ ጓል ምስ እትስሕቦም ብዙሕ ከይተሰከፉ እዮም ዝዛረብዋ። እቲ መልሲ ናይታ ጓል ኣሉታ ምስ ዝኸውን ድማ ብትሕትና፣ ጸገም የሎን ንመጻኢ ጽቡቕ ዕድል ይምነየልኪ ኢሎም’ዮም ዝፋነውዋ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ ብተደጋጋሚ ዘጋጠመኒ ነገር ግን ሓንቲ ጓል ንሕቶ`ቲ ወዲ ምስ ዘይትቕበሎ ንኽትጽረፍ ዘሎ ተክእሎኣ ኣዝዩ ልዑል`ዩ። ካብ ርእሲ ኤርትራውያን ክጠፍእ ዘለዎ ቫይረስ ኮይኑ ድማ ይስመዓኒ።

ፓሪሳውያን ክብርሆም እንከሎ ሽጋራኦም ኣብ ቴራስ እንዳ ሰሓቡ በቲ ሓደ ኢዶም ድማ ኤስፕሬሶ (ቡን) ሒዞም ከዕልሉ እንከለዉ ብዛዕባ ንፓሳጆ/vacation ዝኸድዎ ቦታታትን ዝተፈላለየ መግቢታት ዓዶምን እዮም ዘዕልሉ። ብዛዕባ ባህሊ ዓዶም ዘለዎም ፍቕሪን ዓሙቊ ኣፍልጦን ወትሩ ምስ ኣድነቕክዎም`የ። ኤርትራውያን ኣወዳት ከም ባህሊ ከነታኣታትዎ ዘሎና ነገር ኮይኑ ድማ ይስመዓኒ፡ (እንታይ ኣወዳት ጥራይ እተን ኣዋልድናስ ነዚ ባህሊ ተሰዓብክንኦ እንታይ ምበለ ፧ ግዳ ናብቶም ኣወዳት’ዩ ዘሎ ዕላልና) ። ምኽንያቱ ምስ ኩሉ ሰብ ከሐውሰካ ዝኽእል ናይ ዕላል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ኣብ ሕብረተሰቡ ክብሪ ዘለዎ ሰብ ኩሉ ግዜ ብደቂ-ኣንስትዮ ተመራጺ`ዩ።

እዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ባህርያት ግን ነቶም ኣብ ፈረንሳ ተወሊዶም ዝዓበዩ እምበር እቶም ካብ ካልኦት ሃገራትን ምብራቕ ኤውሮጳን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝመጹ ብዙሕ ኣይምልከቶምን`ዩ። ነዚ ኣርእስቲ መምረጺየይ ምኽንያት ኤርትራውያን መንእሰያት ብዙሕ ዝጎድለና ናይ ኣቀራርባን ኣለባብሳን ሜላ ስለ ዘሎ`የ ካብ ትዕዝብተይ ወስ ክብል መሪጸ።

እንታይ ደኣ ዘዝበለጸ እናወሰድና፡ ንዘሎና ጽቡቕ እናዓቀብናንን ናብ ካልኦት እናኣባጻሕናን፡ ወትሩ ኣብ ዕብየት ወርትግ ኣብ ለውጢ ክንህሉ ካብ ምብሃግ ዝተላዕለ’ዩ። ኣይተስተዋሕድዎ !

ተወሳኺ ርእይቶ እንተሃልዩኩም እንዳ ተሓጎስኩ ክቕበሎ`የ። ምናልባት ከልዕሎ ዘሎኒ ኣርእስቲ እንተሃልዩ ወይ ነይሩ’ውን ብርእይቶኹም ከተዘኻኽሩኒ ይላበወኩም።


ኣብ ልብና የሕድሮ…  ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት Bon week-end ድዮም ዝብሉ ፈረንሳውያን።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...