Sunday, November 20, 2022

ንጉስ ሊዮፖልድ ካልኣይ ናይ በልጁም፣ እቲ ልዕሊ 10ሚልዮን ጸለምቲ-ኣፍሪቃውያን ዘህለቐ


ምዕራባውያን ኣብ ታሪኽ ምጥምዛዝን ዘገድሶም ነገራትን ጥራይ ምትዕባይን ዝወዳደሮም ወላ-ሓደ የልቦን። በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን ድማ ብዛዕባ እዚ ንጉስ ብዙሕ ዘይስማዕ። በልጁማውያን ብዛዕባ እዚ ንጉስ ብሒም ኢሎም ኣይዛረቡን ጥራይ ዘይኮነ፣ ወረ ስርሐይ ተባሂሉ ክፋኡ ከምዘይፍለጥ`ዩ ዝግበር። ስድራ እዚ ንጉስ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ መስመር ንግስነት ናይ በልጁም ኮፍ ኢሉ ምህላዉ ከኣ ንክወርደልካ ዘጸግም`ዩ። 
 ንጉስ ሊዮፖልድ ካልኣይ Leopold II ካብ 1865 ክሳብ 1908 ናይ ኮንጎ ዛየር ገዛኢ ንጉስ ነበረ። እዚ ንጉስ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዛየራውያን ብጭካነ ኣህሊቕዎም። ጥይት ክቡር እዩ ብዝብል ስነ-ሓሳብ ድማ ምክትኣምኖ ዘጸግም ባርባርነት ሂወት ወዲ ሰብ የሕልፍ ነበረ። ብሓዊ፣ ብፋስ፣ ብበሊሕ ዕጸይቲ፣ ኣማኢት ሰባት ብሂወቶም ኣብ ሓደ ጉድጓድ ምቕባር,,,,, ሰብ ኮንቱ ጠፊኡ። 
ንህጻናትን ኣዴታትን ድማ ብጥሜትን ሕማምን ከምዝውዳኡ ገይርዎም። 10ሚልዮን ክንብል እንከሎና ፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ህዝቢ ኮንጎ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ`ዩ። እዚ ሕሱም ሰብ ንደቀባት ኮንጎ ብሓይሊ ኣገቢርዎም፣ ኣብ ዕደና ብዘይ ዝኾነ ውሕስነት ኣስሪሕዎም፣ ሓራምዝ ናይ ኣፍሪቃ ኣጽኒትዎም፣ ናይ ኤኳተር ኣግራብ ብዘይ ኣገባብ ቆሪጽዎም፣ ብዘይ ዝኾነ ነገር ድማ ኣእዳው ሰብ እንዳቖረጸ የፈራርሕ ነበረ። እቲ ልዕሊ 6 ሚልዮን ንእስራኤላውያን ዘህለቐ ኢትለር መዓልቲን ለይቲን ዝዝረበሉ ምኽንያት ጸዓዱን እስራኤላውያንን ስለ ዝቐተለ`ዩ። ምናልባት ናብኦም ስለ ዝመጸ`ዶ ይኸውን? ኣብ 2020 ክሳብ ብዙሓት ካብ ሓወልቲታቱ ከም ዝእለዩ ተገይሩ። ክሳብ እዚ እዋን ምጽንሑ ውን ዘገርም`ዩ!

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...