Friday, November 18, 2022

ልዕሊ 300 ምስላታት ቋንቋ ትግርኛ /አቦታትና

1. ሂቡ ዝኸልእ፡ ፈትዩ ዝጸልእ። 2. ሃሊሉ ዝመጻካ ኣድጊ፡ ኣኽቢድካ ጸዓኖ። 3. ሃላይ ሰበይቲ፡ ጸብሓ ይጥዕማ። 4. ሃመማ እንተ በዝሑ፡ መኽደን ላጋ አይኸፍቱ። 5. ሃመማ እንተበዝሑ ቶፋን አይኸፍቱ። 6. ህዉኽ ኣንጭዋ፡ ዝደቀሰ ድሙ ይቕስቅስ። 7. ህውከት ይሰድድ በረኸት። 8. ህውኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ። 9. ለባም ይሓስብ ናይ ዓመት፡ ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት። 10. ላሕሚ ኣብ ዘይወዓለቶ ኩቦ ምእራይ፣ ምስኣን ውራይ። 11. ላሕሚ እሳት ወለደት፡ ከይትልሕሶ ነደደት፡ ከይትገድፎ ወለደት ብኹሉ ተገደደት። 12. ላሕምሲ ብኢዲ ዝቀርባስ፡ ብእግራ ትሓክኽ። 13. ላሕምኻ እምባሕ ትበለልካ እምበር፡ ዋላ ኣይትታሓለብ። 14. ላዕላዩ ዝተዘርገ፡ ታሕታዩ አይጸሪ። 15. ሌባ ሌባ ተበሉዋስ፡ ሉዋ ሉዋ ዝበሉዋ ይመስላ። 16. ልሳን ዓጽሚ የብሉን፡ ግና ዓጽሚ ይሰብር። 17. ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ። 18. ልቢ ወላዲ ቀጥቀጥ፣ ልቢ ውሉድ ቀጥ። 19. ልኡኽ ሓሊቦ። 20. ሓለቓ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ሹም ዘይብሉ ንህቢ። 21. ሓሉ ዝበልዎ ኣየጥፍእ፡ኣጸብቕ ዝብልዎ ኣየኽፍእ። 22. ሓሙ ኣይግፋዕ፡ ጸባ ኣይድፋእ። 23. ሓሙስ ጽግቦ፡ ኣሽንዃይ ሰብስ ዑፍ'ኳ ትጸግቦ። 24. ሓሙኻ ሰዊት ሓጋይ ኣይኣዝዝካ። 25. ሓሙኻ ተቐራቢ ገዛኻ ነጣቢ (ኣይኹንካ)። 26. ሓሚሙ ዝተንሰአ፡ ፈጣሪኡ ረስዐ። 27. ሓሚምካ እንተ ኸድካዮምሲ ሞይቶም ይጸንሑኻ። 28. ሓምሊ ብዘውጽኦ ጸገም፡ ኣይትኹራዕ ስገም። 29. ሓምሳ ለሚን ንሓምሳ ሰብ ጣዕሚ: ንሓደ ሰብ ሸኽሚ። 30. ሓምቢሱ ዘይክእል ኣብ ቀላይ ኣይእቶ፣ ሓይሊ ዘይብሉ ቃልሲ ኣይፍቶ። 31. ሓሪስካ ምብላዕ እንከሎ: ክንድዚ ኩርንዒት ዶ ኣሎ፧ 32. ሓሪጭ ሰይጣን ዝልቃሕ፡ ከይበልዐን ይብል ጋሕ። 33. ሓርማዝ መዓኮሩ ኣሚኑ ጉንዲ ይውሕጥ። 34. ሓሰኻ ደምበ ኣብ ዝለምለመሉ: ሕማቕ ኣብ ዝፈርሓሉ። 35. ሓሲኻ ኣይቅያሕ፡ ኣብ እምኒ ደይብካ ኣይንዋሕ። 36. ሓሳዊ ኣብ መልሓሱ፡ ክናብ ኣብ ማሕፈሱ። 37. ሓሳዊ ከም ኣፉ፡ ሰራቒ ከም ኢዱ። 38. ሓሳውን ስንቅን እናሓደረ ይፈኵስ። 39. ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት። 40. ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ። 41. ሓቂ ንሓንቲ መዓልቲ ጭንቂ፣ ንዘለኣለም ጽድቂ። 42. ሓቂ እናሓደረ ይኹላዕ ከም ወርቂ። 43. ሓቅን ወጋሕታን፡ እናጸንሐ ይግለጽ። 44. ሓቢኤን ይጠንስኦ፡ ዓዲ ኣኪበን'ከ ይወልደኦ። 45. ሓባል መጠመቲኣ ትኳሓል። 46. ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ። 47. ሓባእ ቁስሉ፡ ሓባእ ፈውሱ። 48. ሓያል ሓምሓም ንእምኒ ሓደጋ ይወድቆ። 49. ሓደንያ ከምዘይተወልደ፡ ክልተ ክንዲ ሓደ። 50. ሓደ ከይጽምብሩ: ጾሞም ይሓድሩ። 51. ሓደ ዝወሳዲኡ: ብዙሓት ተሓማይኡ። 52. ሓደ ግዜ ካብ ምዝራብ፡ ሰለስተ ግዜ ምሕሳብ። 53. ሓጺራ እንተበልኩዋ’ሲ ተደቢራ ትስዕስዕ። 54. ሓፍ ከይበላ፡ ቛቕ ኣበላ። 55. ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ዑና ዓዲ ኣርእዮ። 56. ሕሙም መንጸርጸሪ፡ ኣምላኽ ዝወሰኖ ንዘይቀሪ። 57. ሕሙም ዓይኒ ኣብ ጥቓ ትኪ ኣይተቕርብ። 58. ሕማም ዘይብሉ፡ ሕሙም ስጋ በሊዑ ይሓምም። 59. ሕማቕ ምስ ዝጸልእ፡ ከመዓልካ ይኸልእ። 60. ሕማቕ ነዓቒ፡ ጸማም ሰሓቒ። 61. ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት፡ ሕነ ሃብታማት ንዘኽታማት። 62. ሕነኡ ዘይፈዲ፡ ወዲ ኣድጊ። 63. ሕኑቕ እንታይ የውጽእ፧ ዓፍራ። 64. መለበምንያ ኣይግበርካ፡ መለበምንከ አይኽላእካ። 65. መለስያ ቖሎ: ጥጥቖ። 66. መላኺ ዘይብሉ፡ ሰይጣን ይመልኮ። 67. መልክዕ ደኣ ይሃበኒ'ምበር፡ ጣቓ ካብ ጎሮቤት ይልቀሖ። 68. መምህር ንኻልእ ይምህር፣ ንርእሱ የቕሕር። 69. መረረ ሰበይቲ ይገብር'ዩ ነብሪ፡ መልሓስ ሰበይቲንከ የጥፍእ'ዩ ነድሪ። 70. መርዑት ከይሓዛ መርዓ ክቋጸራ ይወዛወዛ። 71. መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ። 72. መርገም ከውድቕ’ምበር ክወግእ አይረአን። 73. መስሓቕ ሸራፋት። 74. መናበሪ ገዲፍካ መናገሪ፡ ሞት ንዘይቐሪ። 75. መን ምዃንካ ክነግረካ፡ ምስ መን ከም ትኸይድ ንገረኒ። 76. መንቀኛ ሰብ ጸላኢኡ ይተክል፡ ፈታዊኡ ይነቅል። 77. መንገዲ ጥዕና፡ ዓመት ኪዶ። 78. መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ፡ ተዘርዚሩ ይስንዶ። 79. መኻሪ ዘይብሉ ንጉስ፡ ዘይሓደ ዓመት አይነግስ። 80. መዓልቱ ዝሓለፎ ስጋ ምጭናዉ አይተርፎ። 81. መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ። 82. መንገዲ እንተ ጠፍአካ፡ ጓል መንገዲ ድለ። 83. ማይ ካብ ሩቡኡ፡ ሓሩጭ ካብ ቦኹሩኡ። 84. ማዕጾ ኣብ ልዳቱ፣ ሃካይ ኣብ ዓራቱ። 85. ምምካርሞ በዓለገ ይመክር፡ ስኣን ዝሰምዖ ይበኩር። 86. ምስ ቆልዓ ኣይትምከር: ምስ ከልቢ ኣይትታሓባእ። 87. ምስ ኣድጊ ዝዋዓለስ፡ ሃ ተዘይለመደ፡ ጥራጥ ለመደ። 88. ምስ ከደ ዘይምለስ፡ ምስ ተጠውየ ዘይቕለስ። 89. ምስ ጸዉዑኻ ምጻእ ፡ከይመነውኻ ውጻእ። 90. ምስላ ካብ ሕማቕ፡ ማይ ካብ ዓሟቕ። 91. ምብላዕ ምብልዑ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ ። 92. ምብላዕኻ ዝለመደስ፡ እንትርእየካ የምባሁቕ። 93. ምንም ዓመታት እንተሕለፉ፡ ካብ ሞት አይተርፉ። 94. ምእንቲ ሞጎጎስ ትሕለፍ ኣንጭዋ። 95. ምኽሪ ንዝሰምዑ፡ ማይ ንዝጸምኡ። 96. ምኽሪ እንተ ጠፍአት፡ ኣብ ውሻጠኻ ድለያ። 97. ምግቢ ምስ ጠመኻ: ናፍቆት ምስ ተፈላለኻ። 98. ምጽላእስ ንጽላእ፡ ፍትሒ ግን ኣይንካላእ። 99. ሞትን ክራማትን ምንም ኣይተርፍን። 100. ሩባ ዘለዎ ፈሳሲ፣ ጎቦ ዘለዎ መላሲ። 101. ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ። 102. ራዛ ናበይ ደሊኻ? ምሳኻ፧ እንታይ ስንቅኻ፧ ንስኻ። 103. ርሑቕ ከይዱ ዝምርዖ፡ ሓደን ክታልል ሓደን ክታለል። 104. ሰማይ ሰማይሲ ይትረፍክን፡ ምድሪ ምድሩ ይባርኸልክን። 105. ሰሪቕካ ካብ ምሕሳብ፡ ኢድካ ምእካብ። 106. ሰራቒ ከም ኢዱ፡ ሓሳዊ ከም ኣፉ። 107. ሰበይቲ ዝለኣኸቶ ሞት ኣይፈርሕን። 108. ሰብ ብዘይፈልጦ ይውጽዕ፡ እዝጊ ብዝፈልጦ ይቐጽዕ። 109. ሰብ ኢለ እምኒ ቖንጢየ። 110. ሰብኣይ ክልተ ናብዝን ናብትን ክብል ሞተ። 111. ሰኣን እልይ'ዶ ነገር ይገፍሕ፡ ሰኣን ስግር'ዶ ውሕጅ ይበዝሕ። 112. ሰይጣን ንኣመሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ ይብሉ። 113. ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ። 114. ሳዕሪ ዘይሃብካያ ላሕሚ፡ ጸባ ኣይትህብን። 115. ሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ። 116. ስም ተራፊ፡ ብልዒ ሓላፊ። 117. ስሱዕ ክበልዕ ይሕነቕ፡ ሓሳዊ ክዛረብ ይስርነቕ። 118. ስጋስ እንተወደቐት ሓመድ ሒዛ ትትስእ። 119. ሸብዓተ ዓመት ከይመሃርስ፡ ሰብዓ ዓመት ይድንቁር። 120. ሹመት ንዝፈልጦ ይኸብዶ፡ ንዘይፈልጦ የዕበድብዶ። 121. ሹም ንሹም ይኳለሱ፡ ድኻ ንድኻ ይላቐሱ። 122. ሻራ ከም ባይቶኻ፡ ታሪኽ ከም ዓድኻ። 123. ሽሕ መኻሪ፡ ሓደ ወርዋሪ። 124. ሽሕ ይሙቱ፡ ኣላይ ሽሕ ኣይሙት። 125. ሽሕ ፈልጺ፡ መጥመሪአን ልሕጺ። 126. ሽም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ። 127. ሽም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ። 128. ቀምሽ ኣደይ አሐንኲሉኒ። 129. ቀረባ ሓውካ ገንዘብካ። 130. ቀሺ ዝበለካ ግበር፡ ቀሺ ዝገበሮ ኣይትግበር። 131. ቀቅድሚ ሃገራ ዝወለደት መሸላ ወይ ንዒፍ ወይ ንወንጭፍ ። 132. ቀቢሩ ዝምለስ ያኢ፡ ዝመውት ኣይመስሎን። 133. ቀታሊ ሰብኣይኪ፡ ተቐታሊ ሓውኪ፡ ዘይሩ ዘይሩ ሓዘኑስ ናትኪ። 134. ቀናፍዝዶ መፋልስ ይሕሻ? ኩለን ወዳእቲ እኽሊ ይለሓሳ። 135. ቁሓሚዮ ተበልኩዋስ ትጎስሞ። 136. ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት እቶም ዕሩቓት'ከ ንሶም ደኣ ትሑዛት። 137. ቂም ሒዝካ ጸሎት፡ ቁም ነገር ሒዝካ ተረት። 138. ቃል ህዝቢ፡ ቃል እዝጊ። 139. ቃል ዓለም ክትገብሪ፡ ጾምኪ ከይትሓድሪ። 140. ቆልዓ ብንኡሱ፡ ቊርበት ብርሑሱ። 141. በትሪ ሓቂ ትቀጥን'ምበር ኣይትስበርን። 142. በዓለገ ብመልሓሱ፡ ከልቢ ብጭራኡ ይልለ። 143. በዓለገ ኣይትበል ዕጥንጥን፡ ወዲ ጭዋ ቀጢኑ አይቀጥን። 144. በይኑ ዝጐዪ ዝቕድሞ የብሉ፡ በይኑ ዝምጉት ዝረትዖ የብሉ። 145. ባዕሉ ዝኣመነ ምስክር ኣየድሊ፡ ብሱሩ ዝመንመነ ምሳር ኣየድሊ። 146. ባዕላ መቲራቶ ተሓንቀት፡ ባዕላ ሰትያቶ ተሰርነቐት። 147. ባዕላ ወሊዳቶ ኣይመሰለን፡ ባዕላ ሰንኪታቶ ኣይበሰለን። 148. ብላዕ ንኸርስኻ፡ ፍረድ ንነብስኻ። 149. ብልዒ ሓላፊ፡ ሽም ተራፊ። 150. ብዕራይ ናብ ዘበለ ተበለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ። 151. ብዘሎካ ተወከፍ ብዘይብልካ ኣይትሰከፍ። 152. ብዘመነይ ይጥዓሞ ወገነይ። 153. ተሃዊኸን ይኽዕወኦ፡ ተደቢረን ይሓፍሰኦ። 154. ተሓሳሚ ጓሳስ ምስሑ ዚተሓስበ ድራሩ ይዀኖ። 155. ተሓጓሚያ እንተሎስ፣ ትሓዝ ልቢ ይጠርጥ። 156. ተቓሊሱ ዘይኽእል ቃልሲ ኣይፍቶ። 157. ተጽግበኒ ቅጫ ኣብ መቕሎኣ ከላ ይፈልጣ። 158. ነዲኣ ገዲፋስ፡ ሓትናኣ ትናፍቕ። 159. ነገርያ ዘይጸገበስ ጓል ዋጣ ይሕጸ። 160. ናትካ ገዲፍካ ናይ ናይ እማትካ። 161. ንለባም ኣምተሉ፡ ንዓሻ ዶርጉሓሉ። 162. ንኣድግኻ ኣይትርጋሕ፡ ንጐበዝካንከ ዕጥቕኻ ፍታሕ፡ ኣይበሃልን'ዩ። 163. ንዓሻ መዓልቲ ኣንዋሕካሉ፣ ዕብዳን ወሰኽካሉ። 164. ንዘይትገድፈኒ ኣይተካላብተኒ። 165. ንዝጸገበ ብላዕ ኣይትበሎ፡ ንዝፈርሐ ትባዕ ኣይትበሎ። 166. ኣሓ ኣብ ዘይወዓልኦ ኮባቡ። 167. ጨጓርያ ከልቢስ፡ ኣሎ እናበልዎ ሞተ። 168. ኣብ ርእሲ ልበይ እንተ ዝምዕደኒ፡ ክንደይ ደስ ምበለኒ። 169. ኣብ ርእሲ ዋጣ ዘውጠጢ፡ ኣይክዋጥን እንትርፎ ከውጠጢ። 170. ኣብ ከብዲ ጽጉብሲ ጥሙይ የሎን 171. ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ። 172. ኣብ ክንደይ ርእሳ፡ መዲድ ይፈርሳ። 173. ኣቦይ ቀሽ ዝበልዕዎ ሕምቶስ፥ ኣደይ ኢታይ ፈርሲ የጒስዔን። 174. ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ። 175. ኣንስቲ ኣይለምና፡ እንተ ለመና ኸኣ፡ ኣይስኣና። 176. አንጭዋ ደገስ ንአንጭዋ ገዛ ተውጽኣ። 177. ኣያ ዘለዎ ዝበክስ፡ ንአያ ዘይብሉ ከብኪ። 178. "ኣይረኣኹን ኣይሰማዕኩን" ሓንቲ: "ሪኤ ሰሚዔ" ብዝሕቲ። 179. ኣይትብከ እንዲዩ ዘብክየኒ ዘሎ። 180. እምኒ ዝረገጸ ኣሰር የብሉ፡ ማይ ዝሰተየ ጨና የብሉ። 181. እሾኽ እሾኽ'ያ ተውጽኣ። 182. እናኸኣሎ ከሎ ዘይገብር፡ ክጥዓስ ይነብር። 183. እንተዘይተበትኸስ ጽቡቕ ቅጥኒ። 184. እንካ ዘይፈልጥ፡ ሃባ መን ኣልመዶ። 185. እዝኒ፡ መሰታ ቀዳሞት። 186. ከልቢ ዝበልዖ ስጋ'ምበር፡ ዝተኣልሞ በትሪ ዘይርኢ። 187. ከመ’ሎኻ አይትበሎ፡ ኣብ ገጹ ኣስተብህሎ። 188. ከም ቀደም ይመስለክን፡ ውሕጅ ይወስደክን። 189. ከም ዝፈትወኒ ይስዕመኒ፡ ከም ዝጸልኣኒ ይወቕዓኒ። 190. ከብዲ ከም ዘልመድካዮ፡ ሕልሚ ከም ዝፈታሕካዮ። 191. ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፡ ዝባንካ ወደ'ቦ ኣይርኣዮ። 192. ከይሓረዱ ሓዊ አንደዱ፡ ከይጸመዱ ኣንጐዱ። 193. ከይመኸርካ ዝግበር፡ ከየብኳዕካ ዝጋገር፡ እቲ ይገፍሕ፡ እቲ ይነፍሕ። 194. ከይቀተልካ ጐፈሬ፡ ከየረጋገጽካ ወሬ። 195. ከይብሉኒ ዝብልስ፡ ከይተባህለ ዘይተርፍ። 196. ከይተሓርደ ኣይርከብ ስብሑ፡ ከይመርመርካ ኣይፍለጥ ጉርሑ። 197. ከይተቐብኡ ኣይነግሱ፡ ከይመንኮሱ ኣይጵጵሱ። 198. ከይተዓደመ ዚመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ። 199. ከይኮነ ወግን፡ ከይተሰብረ ጸግን። 200. ከይወዓሉ ይወዓዓሉ፡ ከይተኣማመኑ ይማሓሓሉ። 201. ከይደ እንተበልኩኻ ኣበይ ከይደ፡ ኣብ ጎቦኻ’ለኹ ሓዊ’ንዲደ። 202. ከይጠዓምኩ ካብ ሙዙ፡ ረኸብኩዎ መዘዙ። 203. ከይጸልኡና ሕራይ ንበሎም፡ ኣይነጸብቖ ከየልምዱና። 204. ከይጸውዑኻ መጻእካ፡ ከይጸገብካ ወጻእካ፡ ክልተ ሳዕ ከፋእካ። 205. ከይጸውዑኻ ኣቤት በል፡ ክጽውዑኻ ትም በል፡ እቲ ምንታይ ነገር ክዛናበል። 206. ከይጸውዕዎ ኣማኻሪ፡ ከይሾምዎ ፊተውራሪ። 207. ከይጸውዕዎ ዝመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ። 208. ከይጸገቡ ኣይዘሉ፡ ከይዘለሉ ኣይስንክሉ። 209. ከይፈልሐ ኣይግንፍልን፡ ከይበጽሐ ኣይበስልን። 210. ኩሉ መዓልቲ ደሓን፡ ሓደ መዓልቲ ግን ኣይደሓን። 211. ኩቱ እንታይ ይደሊ ዘይናቱ። 212. ካባኻ ዝይሓልፍ ጋሻስ አጥቢቕካ ስዓሞ፡፡ 213. ካብ ሃገሩ ዝወጸ ክሳብ ዝምለስ እንተጸዓንዎ ኣድጊ፡ እንተለጐምዎ ፈረስ። 214. ካብ ሓሚምካ ሕክምና፡ ተኸናኺንካ ጥዕና። 215. ካብ ምህሮስ ኣእምሮ። 216. ካብ ምስ እትጸልኦ መኣዲ፡ ምስ እትፈትዎ መገዲ። 217. ካብ ምስ ዓሻ ዘረባ፡ ምስ ለባም ዓጸባ። 218. ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ። 219. ካብ ሽሕ መደረ፡ ሓንቲ ወረ። 220. ካብ ንበይንኻ ገዓት፡ ምስ ሰብካ መዓት። 221. ካብ ክልተ'ያ ዝወለደስ፣ ቄናን ቆቢዑ። 222. ካብ ጉይይ ምዓል፡ ክሳድ ምሓዝ። 223. ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ፡ ካብ ማይ ጸባ። 224. ክልተ ጎራሓት’ሲ፡ ሓሙኹሽቲ ስንቆም። 225. ክሓርሰኒ ሓናጢጡኒ፡ ክዘርኣኒ ኣናጢሩኒ፡ ዓገቡ ንዓይ ሂቡኒ። 226. ክመኽርዎ ልቢ ዘይገብር፡ ከብልዕዎ ዝዓብር፡ ነቲ ምኽሪ ክላእ፡ ነቲ እንጀራ ክላእ። 227. ክምብል በለ እምበር፡ አይተኻዕወን። 228. ክሰምዕ ዘጽቀጠ፡ ዓቢ እምኒ ዝተጸቕጠ። 229. ክሰርቀኒ ዝረአኹዎ፡ ክህበኒ አይኣመንኩዎ። 230. ክሰርቀኒ ዝረአኽዎስ፡ ክህበኒ አይኣምኖ። 231. ክስርሓ ኢለን ዝወጻ፡ ተነጽየን መጻ። 232. ክትሕሱ ንጽባሕ፡ ዝድገም ሓሱ። 233. ክነጽፍ ዝበለ ማይ ይጨኑ፡ ክበርስ ዝደለየ ዓዲ ይዓኑ። 234. ክዳን ዘለዎ ልዑል፡ ክዳን ዘይብሉ ድዑል። 235. ክድቅሱ ነገር የኾምስዑ፡ ክትንስኡ ነገር ይርስዑ። 236. ኮራዪ ጓሳስ ምስሑ እተሓስበ ድራሩ ይኸውን። 237. ወዲ ሰራሒ ማዕጾ’ሲ፡ ዝብኢ ይወስዶ። 238. ወዲ ኣማኒኻ ሓንግሮ፡ ወድኻ ኣታትዮ። 239. ዋሕስካ ንቕድሜኻ፡ ወላዲኻ ንድሕሬኻ። 240. ዋንኣ ዝኣመነት በጊዕ፡ ኮልኮላ ደገ ይሓድር። 241. ውሓጥዮ ተበልክዋስ ትጎስሞ። 242. ዑፍ ብዓቕማ ብብርዒ ስገም ትሕጐም። 243. ዒራ ዘይኢድካ፡ እንዳ ተመነ ዕንቅርቢት ምለሶ። 244. ዒራ ዘይኣፍካ፡ ሑጻ ቆሓመሉ፡ ዒራ ዘይኩርምትኻ ጸጸር ቆርጥመሉ። ዘይኩርምትኻስያ ሑጻ እንተትሓይከሉ 245. ዓለም ዘይጸገበ መናኒ ኣዋልድ ይሳናበት። 246. ዓሳ ክትበልዕ ተጠንቀቕ፣ ደሓር ከይትሕነቕ። 247. ዓሻ ሰራቒ፡ ኣብ እግሪ ቆፎ ይርከብ። 248. ዓሻ ንሱ ዝብሎ’ምበር፡ ንሳቶም ዝብልዎ ኣይፈልጥን። 249. ዓሻ እንተዘይሓፈረ፡ ዘመድ ዓሻ ይሓፍር። 250. ዓሻ ከመይ ኣሎ፧ ዓሻ ደሓን ኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ ኣሎ። 251. ዓሻ ከም ነጋሪኡ፡ መጥሓን ከም ወቓሪኡ። 252. ዓሻ ወዲ ቐሽስ ኣምላኽ ሓወብኡ ይመስሎ። 253. ዓሻ ዝተኸሎ፡ ለባም ዘይነቕሎ። 254. ዓበቕ ዘምጽአ ፈጣሪ፡ መሕከኺ ኣይከልአ ጽፍሪ። 255. ዓወት ብሙያ፡ ቅድድም ብጉያ። 256. ዓዋን ኣይሙት፡ ምእንቲ ከጻውት። 257. ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ። 258. ዓይኒ ከዳዕ ነባዒ፡ ከብዲ ቃልዓለመኛ በላዒ። 259. ዓይኒ ጠላም፡ ከምስል ይብል ሰለምለም። 260. ዓይንና ዘይርእዮ፡ ልብና ዘይስሕቶ፡ ዝገብሩ በዓል ‘ስቶ። 261. ዓዲ ምስ ሰመረ፡ ንህቢ ምስ ዓመረ፡ የውህብካ’ምበረ!! 262. ዓዲ ነልምዕ ተዓሻሺና፡ ዓዲ ኣይነጥፍእ ተዋራዚና። 263. ዓዲ ክዝመት፡ ዓይንኻ አይዕመት። 264. ዓገብ ዘይብል ንጐይትኡ፡ ዓገብ ዓገብ ክረክብ ምስኡ። 265. ዓጽምኻ ኣይተቕልል፡ ኣብ ትሕቲ ቖልቋል ኣይተጽልል። 266. ዕምሩ ዝሓጸረ በጊዕ፡ ኣብ’ንዳ ተዅላ የውግዕ። 267. ዕምሩ ዝበጽሐ ማሕስእ፡ ኣብ’ንዳ ቡኻርያ ይስዕስዕ። 268. ዕምባባ ጽጌረዳ፡ እሾኽ ከይተወጋእካ ኣይትርከብን። 269. ዕረ ዘይጠዓመ፡ መቐረት መዓር ኣይፈልጥን። 270. ዕርቂ ደም መድረቒ፡ ባእሲ ደም መተርከሲ። 271. ዕብራን ከብቲ፡ ህጥራን አኽልብቲ። 272. ዕንዳይ ናብ’ንኡ፡ ማይ ኣብ ሩባኡ። 273. ዕንጸይቲ እንተወደቐ ኣብ ጉንዱ፡ ሰብ እንተሸገሮ ኣብ ዘመዱ። 274. ዕንጸይቲ እንተዘይከሊእካዮ ሓዊ ኣይጠፍእን። 275. ዕዉር ንዕዉር ምስ ዝኽተል፡ ተተሓሒዞም ንገደል። 276. ዕዉር እንታይ’ደሊ ብርሃን፡ ነጋዳይ እንታይ ይደሊ ደሓን። 277. ዕዉርስያ ከቕበጥብጥ፡ ምርኩሱ ደርብዩ ኣብ ምድላይ ይኣቱ። 278. ዘሕምቆ ኣለኒ፡ በትረይ ሃቡኒ። 279. ዘይሕማመን የራስነን። 280. ዘይምስል ኣብዲ፡ ዘየኾምስዕ ኣድጊ። 281. ዘይበልዐ ዘይመንዐ። 282. ዘይተማህረ አየድሕን፡ ዘይተወቕረ አየጥሕን። 283. ዘይወግሕ መሲሉዋ፡ ኣብ ቦኽራ ትሓርእ። 284. ዘጽግበካ ቅጫስ፡ ኣብ መቚሉኡ ከሎ ይፍለጥ። 285. ዝረኣዮኦ ክገብራ፡ ዓይነን ኣንቆራ። 286. ዝረገጽክምዎ ለምለም፡ ዝተዛረብክምዎ ድማ ቀለም ይኹነልኩም። 287. ዝሰሓተ ይምከርካ፣ ዝወዓለ ይንገርካ። 288. ዝብኢ ስጋ ኣሎ ምስ በልዎ፡ ኣበይ ከይበለ ጎየየ። 289. ዝብእስ ስጋብ ዝነክስ ይሕንክስ። 290. ዝተደጎለ ሓዊ፡ ዝጠፍአ ይመስል። 291. ዝነዓቕካዮ ጓሳ የጥንስ። 292. ዝንጅብል መን እንተበሉኻስ፡ መን ትብል። 293. ዝኣረገ ኣንበሳ፡ መጻወቲ ሃመማታት ይኸውን። 294. ዝኣኽለን ጥሒነንስያ፡ በዓለ ማርያም ይብላ፡፡ 295. እንትበዝሕ እንትበዝሕ፡ ከም ጨው ይነዝሕ። 296. ደርሆ ሓሚማ ኢሎምሲ፡ በጊዕ ሓሪዶምላ። 297. ደድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ። 298. ደድሕሪ ኣድጊ ዚኸደ፡ ጥራጥ ኣድጊ ለመደ። 299. ደልድል ከይትዕሎ፡ ጽናዕ ከይትምናዕ። 300. ገረብ ብሓኽላ። 301. ጉድጓድ ተንኮል ኣይትኹዓት፡ እንተኹዓትካ ኸኣ ኣይተወሽጣ፡ መን ከም ዝኣትዋ ስለ ዘይትፈልጥ። 302. ግርማ ከም ለይቲ፡ ምኽኒት ከም ሰበይቲ። 303. ጎረቤትካ ጭሕሙ ክላጸ፡ ንስኻውን ጭሕምኻ ማይ ኣጠልቅዮ። 304. ጤል የብለይ፡ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ የብለይ። 305. ጥሜት መዐሸዊ፣ ሕማም መበላሸዊ። 306. ጥንስቲ ሰበይቲ እንተጠረጠትሲ ዝሓረሰት ይመስላ። 307. ጮግራፍ’ሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ። 308. ጸላኢ፡ ጸሎሎ ቐባኢ። 309. ጸውዕ 'ተበልኩስ በዓል በለስ። 310. ጽምብላሊዕስ መቐመጭኣ ዘይከደነት፡ መሬት ከደነት። 311. ፈራሕ ከልብስ ካብ ዝብኢ ሃዲሙ፡ ኣብ ከልቢ ጎረቤት ይሕንሕን። 312. ፈታዊ ገንዘብ፡ ምስ ሰይጣን ይላዘብ። 313. ፈታዊኻን ጸላኢኻን ከም ሓደ ይጥይቑልካ። 314. ፈንፋኒ ማይ መዋቲ፡ ፈንፋኒ ሰበይቲ ጸናቲ። 315. ፈኸራ ሕበይ ምስ ነብሪ። 316. ፈውሲ ያ ደሊኻ ትኸዶም እሞ፡ ሞይቶም ይጸንሑኻ።

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...