Sunday, February 12, 2023

ኣብዚኣ`ባ ሓንሳብ፣ ኤርትራውያን ግን እንታይ ኮን ኢና ንኸውን ዘሎና ?

 ንሒደት ኣዋርሕ ኣዕሙቕ ኣቢለ ዝተዓዘብክዎ ነገር`የ ትንክፍ ኣቢለ ክሓልፍ ደልየ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ቤተሰብ ዘይብሉ ኤርትራዊ የለን ግን ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ኮንካ ክሳብ ክንድዚ ዝተጋነነ ዋኒንካ ረሲዕካ ምሉእ መዓልቲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቻነላት ተባህለ ወላ ተገብረ ክትብል ክትውዕል ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ`ዩ።

ዝሓለፈ ኣውደኣመት ኤርትራውያን ስድራ ዓዲሞሙኒ ገዛኦም ከይደ ነይረ። ኣብ ዩቱብ ቻነል ናይ ተለቪዥኖም እንትርፎ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ቻነላት ጥራይ እምበር ወልሓንቲ ካልእ ጥር እትብል ናይ ኤርትራ ነገር ኣይረኣኹን።

ዜና ምክትታል ጽቡቕ ነገር`ኳ እንተኾነ ልዕሊ ኩሉ ግን እንታይ ትከታተልን እንታይ ይጠቕመካን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር`ዩ። እንተዘይኮይኑ፣ እተን ዝርከበን ወርቃውያን ግዜኻ ኣብ ኮንቱ ክጠፍኣ እየን ማለት`ዩ፣ ሂወት ማለት ውን’ኮ ግዜ ማለት`ዩ።

በቃ ብዛዕባ ዓድኻ ገዲፍካ ብዛዕባ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ከም ጉዳይካ ምክትታል የሕፍርን የሕንኽን`ዩ። ፖለቲከኛ እንተኾንካ ወይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ዘተኮረ መጽናዕቲ ክትገብር ሐራይ ቅቡል ይኸውን። እንተዘይ ኮይኑ ግን ናይ ዓዲና ብዙሕ ክንዝትየሉን ክንመራመረሉን ዘሎና ነገር እንከሎ ንምንታይ ኢና ተናጢርና ዓዲ ካልእ ሰብ ነቋምት ዘሎና።

ንዑመ ደኣ ዓደይ ህዝበይ ንበል ደኣምበር እዚ’ስ ኣይግድን።

These days, few Eritreans are more concerned with Ethiopian politics than with their own. We squander time and energy worrying about things that should not bother us. I recognize that many Eritreans have relatives in Ethiopia, but I don't see why the politics of my neighboring country should disturb me to the point that I forget about my people's real-life difficulties. I acknowledge that Eritrean politics is complicated, but this complexity does not need to be worsened by the political concerns of other neighboring nations.

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...