Friday, February 3, 2023

Ting: ቻይናውያን ብዛዕባ ምስማዕ እንታይ ይብሉ

ምስማዕ ስነ-ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ጥበብ እዩ። ኣብ ዘመናዊ ስነ-ሓሳብ መሪሕነት leadership ምስማዕ ወሳኒ ባእታ ምኳኑ`ዩ ዝግለጽ። ናይዚ ግዜ ኣካየድቲ ዓበይቲ ትካላትን ፖለቲከኛታትን ከመይ ጌርካ ትሰምዕ ኣሽሓት እንዳከፈሉ ክመሃርዎ ይግደዱ። ቅዱስ መጽሓፍ ሮሜ 10:17 እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ፣ ይብል።

tīng – to listen-ምስማዕ፣

ኣብ ዓመተ 1200 ቅድሚ ልደት ክርስቶስ  ኣብ ጥንታዊት ቻይና ብዛዕባ ምስማዕ ክትኣምኖ ዘጸግም ዝተራቐቐ መጽናዕቲን ኣፍልጦን ነይሩ።
ብኣጻሓሕፋ ቋንቋ ቻይና ‘’Ting’’ ምስማዕ እትብል ቃል፣ ንጉስ፣ እዝኒ፣ ዓሰርተ ኣዕይንቲ፣ ከምኡ ውን ሓንቲ ልቢ ዝብላ ቃላት ተጠቓልል። ምስማዕ ክንብል እንከሎና ብዙሕ ባእታታት ዘጠቓለለ መስርሕ`ዩ። ኣቓልቦ፣ ተሳትፎ፣ ትሕትና ከምኡ ውን ርጡብ ግብረመልሲ ዝሓትት ጥበብ`ዩ።
ብቋንቋ ትግርኛ ወይ እንግሊዝ ምስማዕ/ Listen ሓንቲ ትርጉም እዩ ዘለዋ። ንሳ ከኣ ቃል ቃላ እያ ትትርጎም። ኣብ ቋንቋ ቻይና ግን ምስማዕ ኣብ ውሽጣ 6 ቃላት ዘጠቓለለት እያ።

ěr – Ear- እዝኒ

ምስማዕ ብእዝኒ ስለ ዝጅምር ጥንታውያን ቻይናውያን ነዛ ቃል ክጽሕፉ እን
ከለዉ
ብእዝኒ ጀሚሮም። እቲ እትሰምዖ ግን ቃላት ጥራይ ዘይኮነ፣ እንተላይ ቃና ናይቶም ቃላት ውን`ዩ።

wáng – King- ንጉስ

ነቲ ትሰምዖ ዘሎኻ ሰብ ከም ንጉስ ስምዓዮ። ብካልእ ኣበሃህላ ሓደ ንጉስ ክዛረብ እንከሎ ምሉእ ኣቓልቦኻ ኢኻ ትህቦኻን ትሕትናን ክብረትን ኢኻ ትሰምዖ፣ ስለዚ ንኩሉ ሰብ ምሉእ ኣቓልቦኻ ሃቦ ንምባል`ዩ።

十目 shí mù - Ten Eyes-ዓሰርተ ኣዕይንቲ

ጥንታውያን ቻይናውያን ዓሰርተ ዓዕይንቲ ክብሉ እንከለዉ፣ ምሉእ ኣቓልቦን ትዕዝብቲን ንምባል ዝጥቀምሉ ኣበሃህላ`ዩ። እዚ ከኣ ብቃላት ዘይዝረቡ ብናይ ገጽ ኣገላልጻ፣ ወይ ውን ናይቲ ሰብ ምንቅስቓሳት ብደቂቕ ምዕዛብ ማለት`ዩ።

一心 yī xīn - One Heart- ሓደ ልቢ

እዚ ብሂል ብልብኻ ምስማዕ ማለት`ዩ። ብልብኻ ምስማዕ ማለት ምሉእ ኣተኩሮ ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ብሂል`ዩ። ስለዚ እቶም ዝዘራረቡ ዘለዉ ኣካላት ክልቲኦም ልቦም እንተተዋሂቦም እቲ ምርድዳእ ንጹርን ስሉጥን ይኽውን ማለት`ዩ።

ting ብምልእታ ክንጥቀመላን ኣብ ግብሪ ከነውዕላን እንተ-ኪኢልና ኣብ ሂወትና ርኡይ ለውጢ ከነምጽእ ኢና።  
ኣብ ልብና የሕድሮ...

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...