Thursday, February 16, 2023

ካፈታት ናይ ከተማ ፓሪስ፣ ሙዚቃ ጃዝ፣ ድያሪ

 

ኣብዛ ምጭውቲ ከተማ ፓሪስ ብሕት ኢልካ ቡን ምስታይ ሓደ ካብ ደስ ዝብለኒ ነገር`ዩ። መጠዓዓሚ ከኣ ሓንቲ ክሮሰንት ውስኽ እንተ ኣቢልካላ ከመይ ግርም`ያ መስለኩም። መዓስን ብኸመይ ለሚደ ወልሓንቲ ኣይርደኣኒን`ዩ ግን በቃ ግልል ኢለ ከምኡ ክገብር ካብ ዝጅምር ሓያለ ኮይኑ`ዩ።

Rungis 

ብዙሕ ናብ ፓሪስ ክዛወር ዝመጽእ ሰብ ብዛዕባ እተን ቀንዲ ናይ ቱሪስ ቦታታት ይግደስ ወይ ኣብአን ከይዱ ክሰኣይል ይመርጽ። መቐረት ፓሪስ ግን ኣብ ውሽጢ ውሽጣ`ዩ ዘሎ። ብፍላይ ኣብቶም ናይ ቀደም ካፈታታ ቡን ከይሰተኻ፣ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ ቴራሳት ናይ ባራት ፓሪስ ኮፍ ኢልካ ቆናጁ ፓሪስ ረቂቕ ክዳውንቲ ወድየን ካብን ናብን ክብላ ከይረኣኻ፣ ኣብ ፒያኖባራት ጃዝ ዝዓይነቱ ሙዚቃ ከይሰማዕካ ፓሪስ ሪአያ ክትብል ከቢድ`ዩ። ፓሪስ ንግስቲ ኩለን ከተማታት`ያ! ንመገሻ ንሒደት መዓልቲ ምስ ወጻእካ ብናፍቖት ፓሪስ ክትሕመስ ትጅምር`ሞ ሽዑ ድማ`ዩ ፍቕሪ ፓሪስ ከምዝሓዘካ ዝርደኣካ።

ናብ ጉዳይ ብሕት ኢልካ ቡን ምስታይ ክመልሰኩም። ኣብ ክላሲክ ናይ ቀደም ካፈ ናይ ፓሪስ እትው ምስ እትብል ቀዳማይ ዝቕበለካ ነገር ሃንገፍታ ናይ ቡን`ዩ፣ ኣብኡ ከሎኻ ከኣ መቐረት ናይቲ ቡን ክትግምት ኣይእግመካን። ቀጺሉ ከኣ ህድእ ዝበለ ጃዝ ዝዓይነቱ ቅዲ ሙዚቃ ይቕበለካ። ንውሕ ዝበለ ግዜ ኮፍ ትብል እንተኾንካ ከኣ ሙእሙእ ኮፍ መበሊ ቦታ ተቋምት። ምናልባት ላፕቶፕ ትጥቀም እንተኾንካ ከኣ ሶኬት ዘለዎ ቦታ ተናዲ።

ዝድውለለይ ሰብ ከምዕድሉ ደሓር ክድውለልካ ዝብል መልሲ`ዩ ዝወስድ፣ ካብ ማሕበራዊ ሜድያ ይእለ፣ ካብ ህሉው

Franconville

ክውንነት ወጺኤ ናብ ሕልሚ ዓለም ይከይድ። ከይሓሰብኩ ከኣ ዳያሪ ኣውጺኤ ክሕንጥጥ ይጅምር። ጽሒፈ ምስ ወዳእኩ ከኣ ጋዜጣ ወይ መጽሔት እግንጽል። እዘን ነገራት ከም ሓደ ስርዓተ ሃይማኖት ከይሓሰብኩ’የ ብቀደም ተከተል ዝገብረን። ዝኣኽለኒ ግዜ ምስ ወሰድኩ ከኣ ካብ ሕልሚ ዓለም ወጺኤ ብዛዕባ ስራሕን ትምህርቲን ገንዘብን ክሓስብ እጅምር።

እዚ ልምዲ ካብ ኣስመራ ሒዘዮ ዝመጻእኩ`ዩ። ማለት ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ቴራስ ባር ኣሜሪካ ኮፍ ኢልካ ሻሂ ምስታይ ሓደ ካብ ደስ ዝብለኒ ዝነበረ ነገር`ዩ ነይሩ። ጽቡቓት ኣዝማሪኖታት ጎራዙ፣ ደስ ዝብል ኣቀባብላ ኣሳሰይቲ፣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ`የ ዝዝክር። ምናልባት ጥዑም መጽሓፍ እንተተረኺቡ ከኣ ኣይጽላእን። 

ኣብ ፓሪስ ካብ ዝመጽእ ኣብ ዝኾነ ክፋል ናይዛ ከተማ ብስራሕ እንተ ብትምህርቲ ብዝተዛወርኩሉ ኣጋጣሚ ኣብ ከባቢ ዝርከብ ጽምው ዝበለ ካፈተርያ ሓንቲ ቡን ከይጠዓምኩ ኣይምለስን`የ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ እርግ ዝበሉ ወነንቲ ካፈ ምስኦም ዕላል ይኸፍት`ሞ ንሰዓታት ዓጀው ንብለሉ ኣጋጣሚ ውን ሒደት ኣይኮነን።

ይቕጽል…

 

 

 

 


No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...