Saturday, February 25, 2023

ብሉጽ ህያብ ካብ ብሉጽ ሰብ

Drawing by Hani Michael
 ‘’ክስእል ከለኹ፡ኣብ ህይወተይ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ከማልኦ ዘለኒ ነገር ንሱ ስለዝኾነ ዓቢ ትርጉም እህበንን ባህ እብለንን። ኩሉ ስምዒታተይን ርድኢተይ ዘፍስሰሉ ናጽነት ዝህበኒ መድረኽ'ዩ።’’

ሃኒ ሚካኤል
ወሲኹ ውን ‘’ ከም ፍቃድ እግዚኣብሔር ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ናተይ solo exhibition ክህልወኒ'ዩ፡ ወይ ውን ምስ ገለ ብጾት፡ ናይ ሓጺር መደባተይ'ዩ እዩ፡ ከምኡ ውን እቲ ድቃስ ዝኸልኣኒ ናይ ትምህርቲ መደባተይ ኣብ ዝተረጋአ ቦታን ኩነታትን ኮይነ ክቅጽሎ ዘቃጽል ድሌት ኣለኒ፡ ናይ ነዊሕ መደባተይ ድማ ኣነ ኣዝየ ብዝዓብዮ ቁጽሪ ንብዙሕት ኣሕዋተይ ሕልሞም ዘስምሩሉ ናይ ኣርት ኢንስቲትዮት ኣብ ዓደይ ኤርትራ ምኽፋትን፡ ሰናይ ሓሳባተይ ኣብ ዓለም ምሉእ ብምዛር ብቅብኣታተይ ምስባኽ እዩ።’’ ይብል። ሓሳብ ልብኻ የምረልካ !

ስነ-ጥበብ ረቂቕ ሓይሊ ኣለዎ። ብኢድ ዝተሳእለ ስእሊ ካብ ብካሜራ ዝተሳእለ ንላዕሊ ስምዒት ናይ ምሃብ ዓቕሚ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ግዜ ስምዒት ዝተሳእለ ሰብን እቲ ስነ-ጥበባዊን ኢኻ ተንብቦ። ነዚኣ ብልጽቲ ስራሕ ከም ህያብ ዝሃበኒ ስነ-ጥበበኛ Hani Michael ካብ ልቢ አመስግኖ።

One reason why drawings can feel lively is that they often have a sense of immediacy and spontaneity that can be harder to achieve in other mediums like painting or sculpture. Because drawings can be done quickly and with relatively few materials, artists are able to experiment and play with different ideas and techniques without worrying too much about making mistakes. 
Drawing by Hani Michael 




Thank you, my friend, Hani Michael for this amazing gift.

En effet, l'art a souvent le pouvoir de provoquer des émotions et des sentiments inexplicables, et c'est ce qui en fait une forme d'expression si puissante. Merci mon ami pour ce beau dessin.

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...