Monday, March 27, 2023

ሓሳብ ልብና ዝሰምረሉ ወቕተ-ጽድያ ይግበረልና!


 ወርሒ ጽድያ ምውጻእ ቁሪን ምብራቕ ጸሓይን ዝተኣሳሰር ወቕቲ`ዩ። መዓልታት እንዳ ነውሐ፣ ለይቲታት ከኣ እንዳሓጸረ ዝኸደሉ እዋን`ዩ።  ስለዚ እዚ ወርሓት ተስፋ ዝዓስለሉን ጽቡቕ ምብራቕ ጸሓይ ዝረኣየሉ



እዋን ምሕዳስን`ዩ። ብካልእ ኣበሃህላ ንኩሉ ነገር ናይ ገዛእ ርእሱ ግዜ ከም ዘለዎ ዘተስፊ እዋን`ዩ።

ብፍላይ እቶም ዕምባባ ምርኣይ ባህ ዝብለኩም፣ ዝጭጭብ ዕንባባታት ዝቀላቐሉሉ፣ ዝነቐጹ ኣቑጽልቲ ሂወት መሊሶም ቀጠልያ ዝቕየሩሉ ባህታ ዝህብን እዋን`ዩ።  እቶም ብሽክለታ ምዝዋር እትፈዉ ከኣ እንቋዕ ኣብቀዓኩም (ብፍላይ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን እትቕመጡ)፣ ምኽንያቱ ብዛሕሊ ኣብ መኽዘን ክትምርት ቀሪባ ዝነበረት ብሽክለታ ዘድልያ ምትዕርራይ ጌርኩም ናብ ጽርግያ እትመልስዋ እዋን` ስለ ዝኾነ።

ወርሓት ጽድያ ኣብ ዓድና ጸሓይ ዝበዝሖን ብብዝሒ ንፋስ ዘለዎ ናብ ክረምቲ ዘሰጋግር ወቕቲ`ዩ። ከም ልምዲ ወሓይ ጾም ኣርባዓ ዝበሃል እዋን ውን ነዚ ወቕቲ ዝገልጽ`ዩ።

Spring is a time of renewal and rejuvenation after the cold and dark winter months. As the snow melts away and the days grow longer, the world begins to come alive again. Trees that were once barren begin to sprout leaves, and the ground that was once frozen and lifeless becomes fertile and full of new growth. For many people, the arrival of spring is a sign of hope and renewal, a reminder that even in the darkest of times, life can always find a way to flourish.


 

 

 

 

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...