Monday, September 18, 2023

Ikigai፣ ጃፓናዊ ፍልስፍና ኢኪጋይ እንታይ ማለት`ዩ ?

ኢኪጋይ ጃፓናዊፍልስፍና ህይወትኮይኑ ኣብ ህይወትና ትርጉም ምርካብ፣ ሚዛን፣ ንግሆ ተንሲእና ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሓጎስ ክንቅበላ ምኽንያት ምርካብ ዝሕግዝ ስነ-ሓሳብ እዩ።


ካብ ikiህይወት gaïዋጋ ዘለዎ ይትርጎም። ጃፓናውያን ክትርጉምዎ እንከለዉ ከኣሕጉስ ሂወትምኽንያት ናይ ምንባር እዩ።

ኣምር ኢኪጋይ ኣርባዕተ ቁልፊ ባእታታት ኣለዎ፤

1.     እቲ እትፈትዎ (ፍቕርኻ) እቲ ብሓቂ ትፈትዎን ኣብ ህይወት ክትነብሮን ዘሐጉሰካ ነገር ምግባርን እዩ። ፍናን ዝህበካ ነገር ከኣ`ዩ።

2.     ኣብ ምንታይ ንፉዕ ምዃንካ (ሞያኻ) እዚ ክእለትካን ዓውድታት ሞያኻን የመልክት። ኣብኡ ክትዓቢን ንዓለም ኣበርክቶ ክትገብር እትኽእል ማለት`ዩ።

3.     ዓለም ዘድልያ (ተራኻ ምጽዋት) እዚ ንጠለባት ሕብረተሰብ ወይ ብሓፈሻ ዓለም ዝውክል እዩ። ንዝዓበየ ሰናይ ዘገልግል ዕላማ ወይ ተልእኾ ምርካብ እዩ።

4.     እንታይ ክኽፈል ከም ዝኽእል (ተልእኾኻ) እዚ ባእታ እዚ ምስ መነባብሮኻ ምምራሕን ካብ ጻዕርታትካ ኣታዊ ምርካብን ዝተኣሳሰር እዩ።

ኢኪጋይ ንነብስኻ ብዙሕ ሕቶታት ከይሓተትካ ሂወትካ ምምራሕ ማለት`ዩ። ንዝኾነ ሕቶ ብቕጽበት ፍጹም መልሲ ክትረክብ ዘይምጽባይ`ዩ። መልሲ ሕቶታትካ ድሕሪ ዓመታት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ ኢኪጋይ ግዜ ምውሳድ ኣዝዩ ጠቓሚ ባእታ ምዃኑ ይእመነሉ።

ጃፓናውያን ንኢኪጋይካ ወይ መልሲ ሕቶታትካ ብኣግኡ ምርካብ ሕማቕ ዕድል ከም ዘምጽእ ይኣምኑ! መልሲ ምድላይ ማለት ውን  ክትጋገን ሓደጋ ምእታው ማለት እዩ ይብሉ።

ኣብ መወዳእታ ናብኢኪጋይ’ካ ዝመርሓካ ጉዕዞ ኣደናቒ`ዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ብሓቂ ቅኑዕ ምርጫታት ክትገብር ክሕግዘካን ኣብ ህይወትካ ትርጉም ሒዝካ ንቕድሚት ክትስጉም ኣዝዩ ሓጋዚ`ዩ።

ጽቡቕ ሰሙን ይግበረልኩም ኩሉኹም!

No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...