Monday, January 8, 2024

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ


ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ዕድሚኦም ከለና ካብ ዝገበርናዮ ጌጋታት ክንርሕቁ ክንመርሖምን ክንሕግዞምን ግዴታ ኣሎና።

ኣርኣያ ምዃን ማለት ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ሓላፍነት ምውሳድ ማለት እዩ። ስለዚ’ስ ምምዓድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጽቡቕ ኣብነት ምዃንውንዩ። ወላ ብሒደት ዓመታት ንምርሓዮም፡ ኣብ ልዕሊ ናኣሽቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ጽልዋ ኣለና፡ ነዚ ጽልዋ ድማ ኣወንታዊ ክኸውን ኣገዳሲዩ። ሓላፍነት ዝስምዖን ሓላዪን ኣኽባሪን ሰብ ምዃን ይጽናሓለይ ዘይበሃል ዕማምና ይኹን።

No comments:

Post a Comment

Mekdes Woldu Shatters French Marathon Record at Barcelona

Mekdes Woldu, the French-Eritrean athlete, has made headlines by breaking a national record for France in the Barcelona Marathon, finishing ...