Saturday, April 27, 2024

መርሃዊ ቁዱስ ኣፍሪቃዊ ኣርኣያ!


ኣብ ዓለም ፕሮፌሽናል ቅድድም ብሽክለታ፡ ምስ ብቕዓትን ተጻዋርነትን ናይቲ ንፈትዎ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዝመጣጠኑ ስፖርተኛታት ውሑዳት እዮም። ብዓወታቱ ብዙሕ ናእዳታትን ዘትረፈ፡ ብሓቂ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብሉጻት ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣመስኪሩ እዩ። እቲ ብሓቂ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ኣብ ብሽክለታ ዘለዎ ክእለትን ዓወትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ትሕትናኡን ፍሽኽታኡን ኣብ መላእ ዓለም ልቢ ደገፍቲ ዝትንክፍ ምኻኡኑ እዩ።


ምስ ኩሉ ዓወታቱ፡ ወትሩ ትሑት እዩ። ግዜ ወሲዱ ንደገፍቲ ሰላምታ ክህብ፡ ኦቶግራፍ ክፍርምን ምስ ቲፎዞኡን መንእሰያት ተቐዳደምቲ መተባብዒ ሓሳባት ከካፍልን ድሉው ኢዩ። ኤርትራዊ ኣርኣያ ምዃን ሓሊፉ ድሙቕ ኮኾብ ናይ ኣፍሪቃ ክኸውን ዝበቕዐ መንእሰይ እዩ፣ መርሃዊ ቁዱስ።

No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...