Saturday, September 8, 2018

ስደተኛታት ቀደምን ሎሚን

ኣብ ሰማንያታትን መጀመርያ ተስዓታትን ናብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝተሰደዱ፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ሓጺር ስረ መሊሶም፡ ኣብ ከብዶም ዝእሰር ቦርሳ ዘዘውትሩ ዝነበሩ ናይ ደገ እንዳ ተባህሉ ዝጽውዑ ዝነበሩ፡ ደሓር ድማ ፎር-ኤን ዝብል ስም ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ትዝክርዎም’ዶ?
እዞም ብርክት ዝበሉ በራሓት ዝርከብዎም ህዝርጥ ዝበሉ ወለዶ፡ ኣብዚ ግዜ ደሃይ ከምዘጥፍኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜኦም ን ኣስመራ ‘ki ki, do you love me ‘ ዝዓይነቱ ገይሮም ዋካ’ የብልዋ ነይሮም። ኩላትና ከም ንዝክሮ፡ ምስ ጠሊ ናይ ክራማት ኤርትራን ኩነታት ኣየር ኣስመራን ዘይከይድ ኣከዳድናን ከምኡ ውን ዘይሰትይዎ  ማይ  ወይ ለስላሳ ሒዞም ጎደናታት ኣስመራ ሸናዕ ይብሉ ከምዝነበሩ ይዝከር፡፡

Asmara, the Capital city of Eritrea

መብዛሕትኦም ካብዞም ወለዶ ኣብ መወዳእታ 80ታትን መፋርቕ 90ታት ናብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝኣተው ኮይኖም፡ ቅድሚ ምእታዎም ግድን ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝነበሩ እዮም። ኣብዚ ግዜ ከም ኣጋጣሚ ኣብ ኣውሮጳ ወይ ኣመሪካ ብወዝቢ ተራኺብካ ኣብ ተዕልለሉ ግዜ ዝደጋግምዋ ዘረባ እንተሃልያ፡ ‘ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኤርትራውያን ብብዝሒ ምስዳድ ካብ ዝጅምሩ ክብረትና ኣዝዩ ሓሲሩ’’ እትብል ሓረግ'ያ። እዚ መበሊኦም ከኣ ኣብ ኣስመራ ዝነበሮም ዓብላልልነትን ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሮም ጀለጠ ስለ ዝሰኣንዎ ክኽዉን ከምዝክእል ይጥርጠር።
 መብዛሕትኦም ካብዞም ናይ 90 ታት መናእሰይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ማእከላይ ዕድመ ዘለዎም ወለዶ፡ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝወፍሩ ኮይኖም፡ ብዙሓት ካብዚኦም ኣብ ጥዑም ግዜ ዝተጠረየ ገዛውቲን ትካላትን ኣብ ኤርትራ ከም ዝውንኑ ይንገረሎም። ንነብሶም ድማ ኣዝዮም ጻዕራማትን ምሁራንን ገይሮም ከምዝሓስብዋ ካብ ትንታነታቶምን ዕላላቶምን ምምልካት ይከኣል። ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝመጹሉ ዝነበሩ ግዜ ድማ፡ ተጣፊኦም እንግሊዝ እንዳሓወሱ (ወላ እቶም ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይዝረበለን ሃገራት ዝመጹ)ፈሊጦም እንዳጸየፉ ከም ዝዛረቡ ዝነበሩ ይዝከር።
YPFDJ conference

ካብዚኦም ወለዶ ዝተፈንጨሉ ዘይሕዉሳትን ሃተውተው በሃልቲን ጉጅለ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ከኣ ዕላላቶም ናይ 70 ታት ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፡ ወላ ውን ከም ለውጢ ሕክያ ናይ 90ታት ወይ ድሕሪ ናጽነት ከም ዘየዘውትሩ ይንገረሎም። ብ ዘመን ዉበ ዝጸመመ …… ብከምዚኦም ዓይነት ሰባት ርእሱ ዝተቶከሰ ሓደ ዓርከይ፡ ንኣዉሮጳዊ ሕብረት ክሲ ክምስርት ከምዝሓሰበ'ዩ ዝዛረብ።
ምስ እዚ ዝብለኩም ዓርከይ ሓደ ግዜ ነዚ ኩነታት ዘኪርና ኣብ ነዕልለሉ ዝነበርና ግዜ፡ ‘ስማዕ እስከ፡ እዞም ኣብ ኣስመራ ናይ ወጻኢ ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ ገዘፍቲ ድዮም ነይሮም ወይሲ ህዝብና’ዩ ቀጢን ነይሩ እንዳበለ ደጋጊሙ ክሓተኒ እዝክር። ደሓር ከኣ መብዛሕትኦም ስቋራትን ቁንናትን እዮም ነይሮም’ ብምባል እዩ ዘስተንትን!
እዞም ወለዶ ከም ተወሳኺ ብ ሓፊስ ኮንፈርት ዝተሓጸበ ልባስ ክዳውንቲ ብሰማያዊ መርቢላት ናብ ቤተሰቦም እንዳሰደዱ ንኣስመራ የጨንቕዋ ከምዝነበሩ ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ተማሃሮ ኣብ ዕላላቶም ይዝክርዎ። ተማሃሮ እንከለና፡ ደቂ ክላስና እዚ ጨና ናይ ክዳነይ ናይ ወጻኢ እዩ፡ ርሳሰይ፡ መደምሰሰይ፡ መጽረበይ ናይ ወጻኢ……..ክብሉ ዝዝክሩ ብዙሓት እዮም። (ዋላ እቲ ካብ ሹቕ ንገዝኦ ኣብ ወጻኢ ዝተሰርሐ ምዃኑ ዘይምፍላጦም ዩ ዝገርመኒ)………
ኣንስቲ ኣስመራ ከኣ ቀንጠመንጢ መሊኡ ዝመጽእ ሰማያዊ መርቢላት/ፊስቶታትት፡ ማይ መሊአን ኣብ ኮንቸሎ ዘው የብላኦ ‘ሞ ክረኣየለን ን ማዕጾ ናይ ካንቸሎ ጋሕ ከምዘብላኦ ዝነበራን፡ ብዙሕ ግዜ ንንፋስ የላግባሉ ምንባረን ይዕለለን። ጃህራ ኣብ ገዛውቲ ከም ምዕባለ ተሓሲቡ ያኢ።
Ngdet in Eritrea. (Photo from google)

ኣብዚ ግዜ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ወደብ ሮተርዳም ኣዝዩ ይገርሞም ነይሩ ይኸውን’ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ 90ታት ናብ ኤርትራ ዝስደድ ዝነበረ ንብረት ዝጸዓነ መራቢል ማስቲካ፡ ኮራሜለ፡ ዓሲር፡ ፓስታ፡ ካብ ቦንዳ ዝተገዛአ ኣልባሳትን ካልእን ዝኣመሰለ ዘይጠቕም ንብረታት ጥራይ ስለ ዝሰዱ ዝነበሩ።

ኣየወ ኣብ 90ታት ዝነበረ ጉራ፡ ዝኾነ ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ ኣብ ደገ ዝነበሮ ሰብ ክዝክር ከለኹ ገለ ‘ንዘይፈልጦ ሜስ የጥርጦ’ እትብል መጽሓፍ ድረስ እዩ ዝመጻኒ። ኣቦይ ሓሪቑ ጉንዲ እዝነይ እንተጸፍዓኒ ሰንከልከል ኢለ ናብ ተለቭዥንና ምስ ዴካ ኢየ ዝወድቕ፡ እንተደገመኒ ናብ ፍሪጅና፡ እንተቐልዓኒ ናብ ቴሌፎንና ክበሃል ከሎ ይዝከረኩም’ዶ። ኣየወ ኣብ ግዜኡ ንብረት ገዛ መርኣያ ሃብቲን መወራዘይን እዩ ነይሩ።
ብመተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ኣስመራ VHS ቪድዮ ካሴት ተሰኪሞም ኮለል ዝብሉ ዝነበሩ መናእሰይ ከይዘከርና ክንሓልፍ ደስ ኣይብልን። ኣብ ኣስመራ ኣለዋ ዝበሃላ ካፈታት ኮፍ ኢሎም ኣብ’ቲ ጣውላ ከም ዝዝሕዝሕዎ ዝነበሩ ይዝከር። ምስ ከምዚኦም ሰባት ኣብ ተዕልለሉ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ካብ ደገ ዝተሰደደሎም ንብረት accessories ከይገለጹ ክሓልፉ ከምዘይደልዩ ይንገር።

ብ ኣየር ወይ ብ መስርሕ (Process) ኢና ኣቲና ዝብሉ ስደተኛታት ናይ 2010ታት ድማ ኣብ ፖርቶፎልይዮኦም ቪዛ ዝረከቡላ ወረቐት ወይ ድማ ናይ ቪዛ ረሲት ሒዞም ከም ዝዛወሩ ይንገረሎም። ኣብ ኣድላዩ ኩነታት ወይ ድማ ምስ ጨረሙ ክፍክሩ ምስ ዝደልዩ፡ ኣነ እኳ ብ ኣየር እየ ናብ ኣውሮጳ መጺኤ ክብሉ ከምዝስምዑ ይፍለጥ።
ብኻልእ ሸነኽ እዞም ብ ጀላቡ ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ ዘመናውያን ስደተኛታት፡ ሓይሎም ኣብ ምልኣኽ ተክኖሎጂካዊ ንብረታት ከም ሞባይል፡ላፕቶፕ፡ ታብለትን ካልእን ከም ዝኾነ ይፍለጥ። እዚ ዘገርም ነገር ግን ክንደይ ሓይሊ የድልዮ ወላ ገለ ከይተመራመሩ እዮም ዝሰዱ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ጸዓት መመንጨዊ ማእከል ንንውሕ ዝበለ እዋን ሕጽረታት ዘጋጠሞ። ካብቲ ዘገርም ከኣ ሓደ'ኳ ዝንበብ መጽሓፍ ዝሰድድ ዘይምህላዉ'ዩ።

 ኣብ ኣመሪካ ምዃኑ'ዩ፡ ሓደ ወዲ ኣስመራ እየ ባሃሊ ሓድሽ ስደተኛ፡ ኣነ እኳ ማኪና ይሕዝ ነይረ’የ፡ ከማይ ገይሩ ን ኣስመራ ዝረጋገጻ የሎን እንዳበለ ሕክያ ጀመረ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጀምዓ ምጽዋር ስለ ዝሰኣንዎ፡ ብ ኡበር/ታክሲ ምዝወር ኣዝዮም ዝተዳኸሙ ሰባት፡ ሓውና ናዓ በጃኻ ተሰተር። ኣብ ኣስመራ ኣብ 10 ዓመት ዝኸድካዮ ኣብዚ ኣብ ሰሙን ክትከዶ ኢኻ በልዎ ንብለኩም።


መብዛሕትኦም ካብዞም ብሊብያ ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኤውሮጳ ንዝኾነ ዝጋጠሞም ሽግር ምስ ሊብያ ከምዘተኣሳሰርዎ ይንገር። እንታይ ኮንካ ቋንቋ ዘይትመሃር፡ ክላ ርእስና ኣብ ባሕሪ ሃፊፉ። ዘይ ከም ኣያታቶም ድማ ስራሕ ኣይበዓልቲ ለይቶምን ኢያ።
እንታይ ኮይንካ ዘይትሰርሕ ትብል ሕቶ ዘልዕለሎም ሰብ፡ ክላ ጭንቀት፡  ማራ ናይ ሊብያ  ዝሓለፍክዎ ሽግር ዉጥረት ገይሩለይ ኣሎ ክሳብ ሕጂ ኢሎም ክምልሱ ከም ዝስምዑ ይፍለጥ። እዚ ድማ ሓደ ካብ ዘተሰደድካሉ ዕላማ ረሲዕካ ካሊእ ዓለም ከም ምድላይ'ዩ።
Eritrean refugees in Europe
እዞም መናእሰይ ብብዝሒ ምስ ጸዓዱ ተጸጊዖም ከም ዝሰኣሉን፡ እቶም ዝበዝሑ ጸዓዱ ድማ ዕድመ ድፍእ ዘበሉ መማህራኖም ምዃኖም ኣብ ፈይስቡክ ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።
 ገለ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ስግንጢር ኣተሓሳስባ ከምዘለዎም ይፍለጥ። ኣብ ቀዳማይ ዓለም ዘሎ ዲሞክራሲን መሰል ደቂ ሰብን እንዳተጠቕሙ፡ ክማሃሩ፡ ከይሰርሑ፡ ክናበሩ፡ ደቆም ክዕብዩ ዕድል ተዋሂብዎም ክንሱ፡ ኣብ ባሕሪ ጸቢብነትን ኣፋላላይን ክሕምብሱ ምርኣይ ኣዝዩ እዩ ዘስደምም። ሓደ ዓርከይ ነዚ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ ፡ ‘ብሕብሪ ወላ ብ ጂኦግራፊያዊ ኣቃምጣ ምሳኻ ዘይራኸብ ሰብ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኣሚኑ፡ ኣብ ዓዱ ተቐቢሉ እንዳ ኣናበረካስ እዚ ጸሊም’ዩ፡ እዚ ኣብ እምኒ ይኣምን፡ እዚ ኣብ ጎቦ እዩ ዓዱ፡ እዚ ጽርግያ ጥራይ እዩ ዓዱ እንዳበለ ኣፋላላይ ኣዝዩ እዮ ዘገርም’ ይብል። እዚ ድማ ጽምብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነት ምድሪ ከደነት ኮይኑ ነገራቱ። እቲ ዘገርም ከኣ እቶም ክንደይ ሽግርን መከራን ሓቢሮም እናተቛደሱ ሰሃራን ባሕሪን ሰጊሮም ዝመጹ መንእሰያት ኣብቲ ምዕቡል ዝበሃል ዓለም ምስ ኣተዉ ብጸቢብነት ክፋጠጡ ምርኣይ እዚ ወለዶ ገና ሲቪካዊ ትምህርቲ ኣዝዩ ከምዝውሕዶ ይበርሃልካ። ካብዚ ኣተሓሳስባ ንምውጻእ ድማ እንተወሓደ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ወይ ውን ናይ ንባብ ልምዲ ብምዝውታር ነብሶም ከማዕብሉ ከምዘለዎም ክኢላታት ስነሕብረተሰብ ይመኽሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ እዞም ብጃልባ ንኣውሮጳ ዝኣተዉ መንእሰያት፡ ነቶም ንስድራቤቶም ክብሉ ነብሶም ዝረስዑ ናይ ስደት ኣያታቶም ብዙሕ ሂወት የብሎምን፡ ኬፋት ውን ኣይግጥምዋን እዮም በሃልቲ ምዃኖም ይንገር። ናይ ስደት ኣያታት ብ ወገኖም ፡ ክላ ናይ ሕጂ ስደተኛታት ኣይኮነን ንስድራኦም ን ነብሶም ዘይኮኑ ሰነፋት እዮም በሃልቲ እዮም።
ወደሓንኩም!!!

ምስጋና ንኣሰናዳኢ ተመስገን ኣብርሃ 

Tourists and journalist in Asmara

Eritrean Diaspora in Asmara
Eritrean ministry of tourism

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...