Saturday, October 5, 2019

ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ሓጺር መጻኢ ኣብ ጎግል?

ቋንቋ ትግርኛ ንምድኻም እንታይ ዘይተገበረ። ብጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ኣምሓርኛ ብግዴታ ተመሃሩን ብኡኡ
ተዛረቡን ተባሂሉ ግን ክኸውን ኣይከኣለን። ሕጂ ድማ  ነዚ ብሰንኪ ጸላእቱ ክምዕብል ዘይከኣለ ቋንቋ ብስነ-ጥበብን
ስነ-ጽለላን ወራር መጺእዎ።

ብዙሓት ኣስተማቐርቲ ጥበብ ኢና በሃልቲ፡ ትግርኛ ንፍቕሪ ኣይገልጽን እዩ ኢሎም ንዕቑዳት መዲሮም። ገለ ሰዓብቲ ውን ረኺቦም። ብዙሓት ኤርትራውያን ምሁራን ድማ ቋንቋ ትግርኛ ዓውደ Physics; Chemisrty, Rocket science ወላ Computer science ከምህር ብቕዓት የብሉን ዝብሉ ውን ኣይሰኣኑን። ከም በዓል ፐርስያን ወይ ፋርሲ ዝኣመሰለ ቋንቋታት ከማን ስነ-ዓውዲ ኑክሌስ ኣብ ኢራን ከም መወከሲ ቋንቋ ይጥቀማሉ ኣለዋ? እሞ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ፊደላት ዘይብሉ ቋንቋታት!
ትግርኛ ካብ ግእዝ ዝማዕበለ ጥንታዊ ቋንቋ ኮይኑ ብዕድመ ካብቲ ዓርሞሽሽ ቋንቋ እንግሊዝ እንተዘይ በሊጹ ኣይንእስን’ዩ። ነገር ግን ከምቲ ዝግባኦ ኣይማዕበለን፡ እታ ቐዳመይቲ  ናብ ሕትመት ዝበጽሐት መጽሓፍ ናይ ትግርኛ ‘ወንጌል ቅዱስ ናይ ጎይታና ናይ ምድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ’ እትብል ኮይና ኣብ 1830 ብ ደብተራ ማቲዎስ ዝተተርጎመት ኮይና ኣብ ከተማ  Basle, Switzerland ብ1866 ‘ያ ተሓቲማ። 
ቋንቋ ኩሉ ግዜ እንዳተለወጠን እንዳ ማዕበለን’ዩ ዝኸይድ፡ እንተኾነ እዚ ብሰንኪ መግዛእቲን ብዙሕ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ሽግራትን ዕድል ዘይገበረ ቋንቋና ንኸይጠፍእን ክዕቀብን ተጻዒሩሉ’ዩ። እንተ ክምዕብል ግን በዚ ዘሎ ወለዶ ክስርሓሉ ይግባእ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዙሓት ግዱሳትንን ክኢላታት ዓውደ ስነ-ፍልጠት ኮምፕዩተር ነዚ ቋንቋ ኣብ ጎግል (google) ንምእታው እጽዕሩ ኣለዉ። ኣዝዩ ባህ ዘብል ነገር ድማ’ዩ።
ካብ ዝተፈላለየ ቋንቋ፣ ናብ ትግርኛ ዝቱርጉማ ብዙሓት ፕላትፎርምታት በብግዜኣኡ እምዕብላ ከምዘለዋ ድማ ይፍለጥ።
ቅድሚ ሕጂ ውን GeezIME ትበሃል ብኤርትራውያን ዝተሰርሐት ኣፕሊኼሽን/ሶፍትዌር ካብ ኢንተርነት ብነጻ ኣውሪድካ ክትጥቀመላ ከምትኽእል ካብ እትኸውን ብዙሕ እፎይታ ፈጢራ’ያ። ንሰራሕታ ድማ ምስጋና ይብጸሓዮም። ድሒራ ውን ኣዝያ ምዕብልቲ ዲክሽነሪ www.geezexperience.com ኣብ ኢንተርነት ካብ እትዝርጋሕ ብዙሕ ተጠቐምቲ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
  ብዙሓት ብኤርትራውያን ዝካየዳ ወብ-ሳይት ብዓምዲታት ዝተመዓራረየ  ናይ ሰለስተ ቋንቋ ጽሑፋት ከቕርባ ጀሚረን ንርእየን ኣሎና። ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ክኢላታትን ድማ ተጠርኒፎም ንታሪኽን ኩሉ ኣድላይ ዝበሃል ሓበሬታ ብዛዕባ ኤርትራ ብቋንቋ እንግሊዝ፣ ትግርኛን ዓረብን ክጸሓፍ ካብ መጽናዕቲ ሓሊፉ ናብ ምጅማር ኣንፊቱን ምህላዉ ድማ ዓቢ እፎይታ’ዩ። ስለዚ’ስ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሓተካ ሰብ ኣድለይቲ ሊንክ ምስዳድ ጥራይ ይኸውን ማለት’ዩ። እምበር ኣብ ስደት ከምዚ ከማይ ብዛዕባ ኤርትራ ክትገልጹ ደኺምኩም’ዶ ትኾኑ?!
ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ብሉጻት ጽሑፋት ትግርኛ ብብዝሒ ክቀላቐሉ ጀሚሮም ኣለው። ብመንጽሩ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ሰውራ ናይ ንባብ ብትግርኛ፡ ምትርጓም ኣገደስቲ መጽሓፍቲ ድማ እቲ ኣዝዩ ደስ ዝበለኒ ነገር’ዩ። ገለ ብሉጻት ብቐሊሉ ክንጥቀመለን እንኽእል ፕላትፎርም ናይ መሸጣ መጽሓፍቲ ውን ጀሚረን ኣብ ስራሕ እርከባ። ንኣብነት https://semayat.com/home/
እቶም ተሰዲድኩም ኢኹም’ሞ ጠፊእኩም ትብሉ ጸላእቲና ድማ በዚ ዘገም እንዳበለ ዝኸይድ ዘሎ ለውጢን ምዕባለን ቅርጽ ኢልኩም ሕደሩ። ነዚ ኣደታትና ጸሎት ገይረን ዝናብ ዘህርማሉ ቋንቋ ንምምዕባልን ንምዕራግን  ዝኾነ ጻዕሪ ገይርኩም ዘይትፈልጡ ተወራዘይቲ ድማ በጃኻትኩም እዛ ዕላልኩም ሰብ ድለዩላ።  “ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትነኣ ትናፍቕ ዩ ነገሩ!!”

ተስፋ እገብር ኣብ ቀረባ መጻኢ እዞም ኣብ ፈቐዶ ደብሪታት ዘለዉን ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ገዳማት ተዓቂቦም ዝጸንሑ ናይ ብራና መጻሕፍቲ ከከም ኣገዳስነቶም ናብ ሕትመት በቒዖም፣ ንቋንቋ ትግርኛ ከሀብትምዎ። እዞም ኣብ ብራና ብጥንታዊ መቀባብኢ ዝተቐለሙ ጽሑፋት፡ ብረቂቕ ጸጋ ዝተጻሕፉን ንኣማኢት ዓመታት ብኣገራሚ ጥበብ ዝተዓቀቡን’ዮም። እዞም ብራናታትን መጽሓፍቲን ናብ ዲጂታል ክቕየሩን ብግቡእ ክዕቀቡን ድማ ኣለዎም።
ቀዳሞት ስድራና ካብ ባዶ ተበጊሶም ነዚ ሕጂ 'ድሑር' ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ቋንቋ ትግርኛ፣ ንክትኣምኖ ብዘጸግም ናይ ምርምር ስራሕ ፊደላት ሰሪሖሙሉ። ከብዶም ንዓና ክወልድ ከሎ፣ ሓንጎሎም ድማ ነዞም ፊደላት ወሊዱ። መወከሲ ኣብ ዘይነበረሉ ዕጹው እዋን ምኻኑ ድማ ኣዝዩ ኣገራሚን ብቕዓት ጥበብ ኣባሓጎታትና እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ዘመስክር’ዩ። እሞ ሰንሰለት ተቐባበል ውርሻታት ምህዞ፣ ኣባና ክትበጽሕ እንከላ ብትኽትኽ ክትብል ከላስ ኣየተሓሳስብን’ዶ? ካልእ’ሲ ኣይንግበር፣ ግን እንተወሓደ ኣይነነኣእስ። እቲ ''እዚ ፊደላትን ቋንቋ ናይ ጸላእተይ''' ኢሉ ዝኣምን ኣይተጋገየን። እቲ 'ናተይ'' ዝብል ግና ይጋገ ኣሎ። 

ቋንቋ ትግርኛ ክሳብ ክንደይ ሃብታም ምዃኑ ብግቡእ ክትፈልጡ ንእትደልዩ ከኣ ብሓያል ጻዕሪ ደራሲ ተክአ ተስፋይ ዝተዳለወት መዝገበ ቃላት ምውካስ ኣድላይ ኮይኑ እስመዓኒ። 
ኣብ መወዳእታ ከም ለበዋ ከሕልፎ ዝደሊ፣ ኩሎም ኣብ ስነ-ቋንቋን ስነ-ጥበብን ሃገርና ተዋፊሮም ዘለዉ ግለ ሰባት ይኹኑ ትካላት፣ ነዚ ሃብታም ዝኾነ ቋንቋ ከማዕብልዎን ከይተሓለሉ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሕዎን እዋናዊ ግዴታኦም’ዩ ሞ ኣይትተሓለሉ ክብሎም እደሊ። 

ምስጋና ንጋዜጠኛ መንገሻ ሃብተ 

ኤዲተር፡ ተመስገን ኣብርሃ









1 comment:

  1. ቋንቋ ትግርኛ ልክዕ ኣለኻ ብዙሕ ተጎዲኡን ክምዕብል ዘለዎን ቋንቋ ድማ ኢዩ። ኣነ ናይ መጀመርያ ዩቱብ ቪድዮ ብዛዕባ GeezIME ኣጠቓቕማ ዝገበርኩ - https://www.youtube.com/watch?v=0ysAJ3a31BI - ኢየ። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ፍልጠት ዝትንኪ ነገራት ኣውን ኣብ ዎርድፕረስስ (Wordpress blog page) ብቋንቋ ትግርኛ ኣለኒ። አብ ጉግለ ብሎግ (google blogger) እውን ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ጀሚረ ምስ ጊዜ ዘይምርካብ ኣይቀጸልክዎን።

    ይኹን እምበሪ ኣብ ኣራኣእያኻ ጌጋ ኣለካ። ጥንታዊ ፊደል ምህላውካ ከም ግድን ዘማዕበልካን ፊደል ዘይብሎም ከም ዝደሓሩን ወይ ድማ ድሩትነት ከም ዘለዎም ዘስምዕ ጽሑፍ ጽሒፍካ። ፊደል ሃልዩካን ዘይሃልዩካን ዘይኮነ እቲ ሕቶ - ወይ ክሳብ ክንደይ ጥንታዊ ኢዩ ፊደልካ ዘይኮነ እቲ ሕቶ - ክሳብ ክንደይ ሰኒድካሉ (ወይ ሓሳባት ዓቚርካ ኣስፊካርካ) ንነዊሕ እዋን ኬድካ ኢዩ እቲ ዋና ነገር። ኩሎም ላቲን ፊደል ዝጥቀሙ ቋንቋታት ከም ኢንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ዴንማርክ፣ ሆላንድ፣ ኢጣልያ፣ ቸክ ወዘተ (ኮታ ኩሉ ምዕራብ ኤውሮጳ) እቲ ፊደል (ላቲን) ናቶም ዘይኮነ ምስ ምስፍሕፋሕ እምበራጦርያዊ ግዝኣት ጥንታውያን ሮማውያን ዝኣተወ ናብ ሃገሮም ኢዩ።

    ኣንሲ ኣብዚ ኣርእስቲ እንተ ኣቲና ዋላ እቲ ላቲን እውን ንባዕሉ ብኢትራስካንን (ጥንታዊ ክፋል ዓዲ ጥልያን) ብጽርኢን (ግሪኽ) ጌሩ ዝመጸ ኮይኑ ንሶም እውን ካብ ፍንቄያውያን (Pheonicians) - ሴማዊ ህዝቢ - ዝወሰድዎ ኢዮም። ስለዚ እዚ እንጥቀመሉ ዘመናዊ ፊደላት ኢንግሊዝ መበቆሉ ካብ ፍንቄያውያን ኢዩ።

    ብዝኾነ ፊደል ናይ ትግርኛ ኣዝዩ እርኑብን ቅጡብን ኮይኑ ትኽ ብትኽ ዘየጋጊን (very phonetic) ውርጹጽን ኢዩ። ግን ስኣን ኣርሒቕካ ዘይምጥማት ድዩ ዋላ እንታይ ኣይፈልጥን ከም ዝግብኦ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ወይ ሜዳታ ከም ስነ-ጽሑፍ፣ ታሪኽ፣ ስነ-ልቦና (ፍልስፍና)፣ ቁጽሪ፣ ጆግራፊ ወይ ምስናድ ጉዕዞ፣ ስነ-ጠፈር (astronomy)፣ ወዘተ ኣይተደፍኣሉን - እዚ ምስቲ ቀጥታ ርክብ ዝነበረናን ጥንታዊ ከባቢናን ማእከላይ ምብራቕ ኣራኣኢኻ - እሞ ምስቲ ዘለዎም ሃብቲ ኣብ ናይ ስነ-ጥንቲ ወይ ስነዳ ኣራኣኢኻ - ዜገርም ኮይኑ ትረኽቦ።

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...