Saturday, November 2, 2019

ምልኣት ባህልናን እቲ ሓያል ወግዒኡን!



     ድሕሪ ናጽነት እታ ቁምጣ መሊሳ ካላሽን ኣብ መንኮባ ተሓንጊጣ ዝኣተወት ተጋዳሊት ከይተረፈት’ያ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ናብ ዙርያ፡ ንግደት፡ ባህላዊ ቡንን ጥልፋን ክትምለስ ዝረኣና…….. እቲ መልሲ ድማ ሓይሊ መበቆላዊ ባህሊ ናይ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ኣብ ስደት ብዙሕ ግዜ ብገለ ሰባት ዝደጋገማ ካብ ዘድከማኒ ዘረባታት፡ ‘ኣነ ኩሉ ረሲዐዮ’የ ሂወተይ እየ ዝገብር’ ክብሉ ምስኣ ኣልግብ ኣቢሎም ‘ኣነ ኢንተርናሽናል ሰብ’የ’ ዝብላ እየን
     እንተኾነ ግን እዞም ከምዚኦም ዝብሉ ሰባት ኮሊሎም-ኮሊሎም ናብ ባህሊ ኣቦታቶም ክምለሱ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ንኣሽሓት ዓመታት ዝኸደ ክቡር ባህሊ ንሕና ኣብ 10ታት ዓመት ክንልውጦ ስለ ዘይንኽእል። ካብዚ ባህሊ ወጺኡ ክኸይድ ዝፈተነ’ውን ደኺሙ ግዜኡ ወዲኡ ተነጽሎ ተሰሚዕዎን ናብቲ ክቡር ክብርታት ኣቦታቱን ኣያታቱን ክምለስ ትርእዮ። ‘ማንቲለ’ሲ ዘሊላ-ዘሊላ ናብ መሬታ’ ድዩ ዝበሃል።
     ህዝቢ ኤርትራ ብዓበይቲ ዓዲን ሽማግለታትን ካህናትን ሼኻትን ዝተጠርነፈ ናይ ምምሕዳር ቅርጺ ኣለዎ። መርዓ፡ ሓዘን፡ ምትሕግጋዝን ካልእን ድማ በዞም ኣካላት እንዳ ተመርሐን እንዳ ተቐለሰን’ዩ ዝካየድ። ከም ኣጋጣሚ ኣብ ናይ ቤተሰብ ወይ ዓዲ ኣኼባ ተሳቲፍኩም እንተነይርኩም……… ኣዝዩ ኣገራሚ ኣገባብ ምርድዳእን ጽፈትን ዘለዎ ምዕቡል ባህሊ ከምዘሎና’ዩ ዘረድእ። እዚ ምርጫ’ዶ ወላ ዲሞክራሲ ዝብልዎ ኩሉ ኣብ ባህልና ኣሎ። ደፊሩ ከይትብሉኒ እምበር ካባና ዝተወስደ’ዩ ምበልኩ። ኣቦታትና ‘ኩስቶ ኢኻ ትመርሓና’፡ ኩስቶ ድማ ‘ዳይና ክትኮነና መሪጽናካ’ ኣሎና ኢሎም ሸሙ። 
ኣኼባ ዓዲ Traditional villagers meeting in Eritrea.

    እዞም ኣብዚ ግዜ ብተደጋጋሚ ንሰምዖም ዘሎና ቅዋም፡ ሕጊ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካል  ዝብሉ ካብ ግሪኽ ምስ ዲሞክራሲ ዝብል ቃል ዝመጹና ዘይኮኑ’ስ ቅድሚኦም ንጥቀመሉ ዝነበርና ቅርጺ ምምሕዳር ዓዲታት ኤርትራ’ዩ።
·       ሓጋጊ ኣካል፦ ምስ ግዜ ደፋእታዊ ለውጢ እንዳተገብረሎ ዝኸይድ ሕጊ ዓዲ ወይ ኣከባቢ ንኣብነት፡ ሕጊ ኣምስተልጋ፡ ሎጎጭዋ፡ 7ዓንሰባ፡ ደምበዛን፡ ሃብ-ስሉስ-ገረ-ክርስቶስ፡ ሜምሃዛ…..ወዘተ

·       ፈጻሚ፦ ወከልቲ ዓዲ ዝበሃሉ ሰባት ዝመርጽ ኣካል

·       ፈራዲ፦ ዳይና ዓዲ ምስ መማኽርቱ

·       ቤተ ክህነት፦ ካብ ክብሪታት’ዚ ህዝቢ ወጻኢ ግብሪ ዝገበረ ሰብ እትግዝት ኣዝያ ሓያል ጽልዋ ዘለዋ ኣካል

·       ኣነባበርቲ ዓዲ፦ Executive committee 

·       መጋባእያ ዓዲ፦ ባይቶ እንዳባ

     ስለዚ እዚ ኣብዚ ግዜ ዓለም ማዕቢላ ተባሂላ ልዑልነት ሕጊ ዝበሃል ዘረባ ነዓና ጋሻ ዘረባ ኣይኮነን።
ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ታሪኽ ሃገሮምን ከባቢኦምን ዘይፈልጡ ሓሱሳት፡ ኣነ’የ ክመርሓኩም ክብሉ ንሰምዖም ኣሎና። ኣብ ሓንቲ ሬስቶራንት ተኣኪቦም፡ ብኹሉ ስእሊ ክውሰዶ ዝኽእል ኩርናዓት ስእሊ ወሲዶም ሃገር ምሉእ ዝተኣከበሉ መጋባእያ ከምስሉ ይፍትኑ። መራሒ ናይ ደምበ’ዶ ፓርቲ ክብሉ ኣጽሚሞሙና። እንታይ ደልዎ ዘምን’ዩ? ምቕናይ ጥራይ!
     ኣብ ዓድና ወከልቲ ዓዲን ሽማግለታትን ኣብታ ትሕቲ  ገረብ ‘ድማ’ (Baobab) ወይ ሰራው ወይ ውን ሳግላ(Bush fig) እዮም ምእካብ ዘዘውትሩ። ኣብ 5 ናቕፋ ዘላ ዳዕሮ ውን ነዚ ሕብረት’ዚ እያ እትውክል። ኣቦታትና ሓጺርን ቁምነገር ዘለዎን ቅርጡው ዘረባ’ዮም ዝጥቀሙ። እንተነዊሑ ድማ ተዛራቢ እግናሕ። ሃናጺ ርእይቶ ይፈስስ። ነቐፌታን ርእሰ-ነቐፌታን ይግበር። ኩሉ ይስማዕ፡ ዓበይቲ ዓዲ ምስ ካህናት መኺሮም ውሳኔ ይህቡ። ዝቃወም’ውን የለን። እሞ በሉ ናብ ማሕረስና ንኺድ ይበሃል።
     ዝኾነ ዝሕገዝ ወይ ዝተሸገረ ኣካል ሕብረተስብ እንተሃልዩ ድማ፡ ኩሉ ሰብ ዓቕሙ ከምዝሕግዝ ይግበር። ከም ባህሊ ድማ ዝኾነ ሰብ ሓግዙኒ ከፊኡኒ ኣይብልን’ዩ፡ ኣብኡ ከይበጽሐ’ዩ እቲ ሕብረተሰብ ፍታሕ ዝገብረሉ። ሎሚ ድማ ብ ‘Go Fund me’ ጸሚምና።
     ኣብ ባህልና ሓገዝ ምስ እትደሊ ምስ ኣያታትካን ሓወቦታትካን ኣኮታትካን ትመክር። ንሶም ድማ መኺሮም ዓቕሞም እንተኾይኑ ባዕሎም፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ናብ ሓለፍቲ ማሕበር ወይ ዓበይቲ ዓዲ የሕልፍዎ። ዕቁብ ናብዚ ሓውና/ሓብትና ይውረድ ይበሃል። ኮታስ ክሳብ እግሪ ትተክል እቲ ቤተሰብ፡ ዓዲ፡ ማይቤት፡ ጎረቤት ዓዲ፡ ከባቢ፡ ሃገር ምሳኻ’ሎ። እዚ ብኸምዚ ኣገባብ ዝትግበር ምትሕግጋዝ ኣዝዩ ውጽኢታዊን ግብራዊን’ዩ። እቲ ብገንዘብ ክሕግዝ ዘይክእል ኣካል ሕብረተሰብ ድማ እኽሊ ብሕፍንቲ፡ ክፋሎ፡ ርብዒት ….ወዘተ ይልግስ ጎበዝ እንተኾይኑ ድማ ግራት ጽጉማት ይጽይህ ወይ ይሓርስ። ኣውደኣመት እንተኮይኑ ድማ ጽጉም ከም ሰቡ ሕሩድ ኣውዲቑ ከምዝውዕል ይኸውን። እዚ ኣብ ኤውሮጳ ንርእዮ ዘሎና ስርዓተ ሕጊ liberal Socialism ካብዚ ዝፍለ እንተኾይኑ ኣረድኡኒ?!
     
ዓበይቲ ንነኣሽቱን መንእሰያትን ትምህርቲ እንዳሃቡ Elders teaching youngsters.
ከምዚ እንዳበለ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ስድራ ስውኣት፡ ስድራ ጽጉማት፡ ስድራ ዓበይቲ ጠዊሩን ሰቲቱን ዝኸይድ። ባቓ ክፉት ልቢ፡ ፍርሂ ፈጣሪ፡ ዝረኸባ ተቋዲስካ ምብላዕ’ያ በረኸቱ። እዚ ከም ኣብነታዊ ዝግለጽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ እስራኤልን ኢራንን፡ ብሓጺር ኣገባብ ምስ ባህሊና ኣተኣሳሲረ ክገልጾ እንተኾይነ ወፈራ ዓዲ ምበልክዎ።
ዓበይቲ ከዕልሉ እንከለዉ፡ ሓደ ወዲ መረብ ምላሽ ምሉእ ዝገብሮ፡ ባህሉ ምስ ዘኽብር፡ ልክዕ ከምዚ ዝተባህለ ምስ ዓዱ ዝሓምም ምስ ዓዲ ዝጥዕይ’ዩ እምበር። ምስ መንግስቲ ኮርየ ኢሉ መንነቱ ዝጻረፍ’ሲ ኣይግድን። እዚ’ስ ይተሓተት ደኣ?
     ዓዲታት ምስ ተቓጸለ፡ ኣደታትናን ኣዋልድና ምስ ተደፍራ’ዩ ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ ዝተባህለ። ኣጉባዝ ዓዲ ድማ ‘ወዲ ኣይተ’ዶ!’ ኢሎም ዋኒኖም ገዲፎም ጠኒኖም’ዮም ናብ ሓዊ ኣትዮም። ስለዚ ድማ ‘ዩ ‘መርሃዊ’ዶ ኣብ ሓዊ’ ዝተባህለ። ከምዚ እንዳበለ ድማ እቲ ባህሊን ሕብረተ-ሰብን ንኣሽሓት ዓመታት ከም ማይን ጸባን ከደ።
     ስለዚ’ስ ሓድሽ መንነት ኣየድልየናን’ዩ። ንሕና ካብ ኣመጋግባ ኣትሒዝና ክሳብ ቋንቋን ፊደላትን ዘሎና ወነንቲ ባህሊን ክብርታትን ኢና። ታሪኽናን ጽግኢናን ትልሚናን ረውሒናን ንፈልጥ ህዝቢ ኢና።




2 comments:

  1. Wawwwww leka zdengoka nezi bahli nmxbaq u znebere jayet wede buu

    ReplyDelete
  2. ኩብር ሓው ወይ ኩብር ኣቦ ልክዕ ኣለካ መንነትና ባህልና ከምቶም ቀዳሞት ኣቦታትና አቲ ደሞክራስት ዶ ቅዋም ቀደም ኣቦታትና ይሰርሕሉ ነሮም ስለዝስ አዝ ሕጅ ዘክይደና ዘሎ ተርፉስ በቲ ቀደም ኣቦሓጎታትና ዝምርሕሉ ዝነበሩ ክንከይድ ተስፍ ኣለኒ

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...