Friday, June 19, 2020

20 ሰነ መብጸዓና ነሐድሰላን ነብስና ንፍትሸላን ዕለት!

ህላዌና ምስ ክቡር ደም ስውኣትና ዝተኣሳሰር’ዩ። ካበይ ከምዝመጻና እንተዘይፈሊጥና፡ ናበይ ንኸይድ ውን ኣይክንፈልጥን ኢና!!
ኣፍሪቃውያን ሃገራት ናጽነተን ኣብ ጣውላ ክወሃበን እንከሎ። ኤርትራውያን ግን መሰልና ተነፊጉና፡ ብዝተሓለለኸ ፖለቲካ ናይ ሓያላን መሰልና ተረቲዕና። ስለዚ ድማ’ዮም ኣጉባዝ ዓዲ ወዲ-ኣይተ’ዶ እንዳበሉ ጠኒኖም ናብ ሓዊ ዝኣተዉን ምስ ሓጺን ዝተራጸሙን። ንመስዋእቲ ከም ሓበን ተቐቢሎም ብንጹር ዕላማ ንናጽነትን ክብረትን ተጋዲሎምን ተሰዊኦምን። ንሰላምን ክብረትን መንነትን ክብሉ ንዓርሞሽሽ ንጸላኢ ብርሃጾምን ብደሞምን ስዒሮም። ተፈጸመ ድማ ተባህለ!
ታሪኽ ስውኣት ኤርትራ፡ ታሪኽ ትእምርቲ 20 ክፍለ ዘመን’ዩ። ባንዴራን ሰንደቕ ዕላማን ዘማእዘነ ገዚፍ ዕላማ። ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ ዝብል፡ ዘኢት-ነገር ዝምስጢሩ ነበልባል ሓድነትን ፍቕሪን ዝተሰረተ ምስጢር። ካብ ሂወት ንላዕሊ ዝዓቢ የለን። ሂወት ንሃገር ክኽፈል እንከሎ ከኣ ልዕሊ’ዚ ካልእ ክቡር ታሪኽ የለን።
ስዉእ ኤርትራ ክቡር’ዩስዉእ ኤርትራ ህያው’ዩ
ስዉእ ኤርትራ ዘልኣለማዊ’ዩ
ስውኣትና ሕልሞምን ስርሖምን ኣርኣያ’ዩ
ወትሩ ከኣ ኣብ ልብና ኣለኹም
ዓቢ ሕድሪ! ዓቢ ሕድሪ!
ዘልዓለማዊ ዝኽሪን መጎስን ንስውኣትና!

20 June: Remembering our fallen heroes
No one will ever be able to fully explain it. No one has been able to describe Eritrean martyrdom in its core significance. They have paid in full & we will respect our martyrs forever.
It is an altruistic act that we rarely see in other communities. In Eritrea, people live and die for each other. Eritrean martyrs defeat death by scarfing their lives for peace and stability of their people.
Glory to our Martyrs! As we commemorate in unison, our fallen heroes. Our brothers, sisters & fathers, our heroes who paid the greatest price for us to have a sovereign country.
#ERITREA #ERITREA
Glory to our Martyrs!!
Photo design: Yuel Tekle

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...