Thursday, June 4, 2020

ፈረንሳ፡ ኣብ ዝሓለፋ 3 ኣዋርሕ ሓደ ሰብ ብገምጋም ከባቢ 2.5ኪሎ ሚዛን ወሲኹ!

ብሰንኪ ኮቪድ-19  ንከባቢ ሰለስተ ወርሒ መመላእታ ድሕሪ ምውሻብ፡ ኣብ ፈርንሳ ሓደ ሰብ ከባቢ 2.5ኪሎ ሚዛን ምውሳኹ፡ መጽሔት ል-ኦብስ ‘L’Obs’ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራቶ ኣላ። እዚ ‘ብዳርዊን ኑትሪሽን’ ዝበሃል ትካል ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ቀንዲ ምኽንያት ምውሳክ ሚዛን፡ ብዙሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምዝውታርን፡ ከምኡ ውን ኣብ ገዛ ብምውዓል ዘስዓቦ ጸቕጢ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከኣ ዝኾነ ሰብ ጸቕጢ ወይ ጭንቀት ምስ ዘጋጥሞ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቡ ከም ዝዝሕትል ክኢላታት ሕክምና ይገልጹ።
ኣብ ገዛ ምውዓል ብተደጋጋሚ ናብ ክሽነ ምምልላስ ከምእተብዝሕ ፍሉጥ’ዩ፡ እግርኻ ናብ ክሸነ ብዝመርሓካ ቁጽሪ  ገለ ዝቑርጠምን ዝሕየኽን ከምኡ ውን ከሺንካ ወይ ኣውዒኻ ናይ ምብላዕ ተኽእሎ ስለ-ዝዓቢ ሚዛን ምውሳኽ ግድን ይኸውን። ኣብዚ ዝተገብረ መጽናዕቲ ካልእ ኣዝዩ ኣገራሚ ነገር ነይሩ’ዩ፡ እቶም በይኖም ዝነብሩ ፈረንሳውያን ሚዛን ኣካላቶም ክጎድል’ዩ ተራእዩ። ትህኪት ሕሱም!
ኣብዘን ኣዋርሕ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ደቂ-ተባዕትዮ ጸጉሮም ክላጽዩ ተራእዮም። ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝኣተወ ኣሳእል ናይ ማይ-ደይ(myday) ብዙሓት ማጓ ዝተላጸየ ኣራእስ ከምዝተቐላቐለ ናይ ዓይኒ መሰኻኸር ይሕብሩ። እዚ ድማ ከይተሰከፉ ነቲ ኣብ መጻኢ ከጋጥሞም ዝኽእል ብርሒ ከምምልምማድ ዝሓሰብዎ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣብዚ ናይ ምውሻብ ግዜ ኣብ ፈረንሳ እተን ዝበዝሓ ዝተበጽሓ መርበብ ሓበሬታት ጉግል፡ ዩቱብ፡ ኔትፍሊክስ ከምኡ ውን መግዝኢ ካልኣይ እብረ ንብረት ዝጠቅም መርበብ ሓበሬታ lebononcoin.com ለቦን-ኩዋን-ዶት-ኮም ክኾና እንከለዋ።  ማሕበራዊ ሜድያታት ብፍላይ ድማ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ፈረንሳውያን ብዙሕ ሰዓታት ዝሕክሉለን ዝነበራ መርበብ ሓበሬታ ምንባረን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብቲ ወርሓት ናይ ጾታዊ ርክብ ፊልም ዘርእዩ ድሕረ-ገጻት (website) ድማ ብልዑል ቁጽሪ ክብጻሕ ከምዝቐነየ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዝሒ ዘለዎ ጠለብ ናይ መናውሒ ስጋዊ ርክብ ከኒና (Viagra) ብምንባሩ ኣብ ትካል ኣማዞን (amazon) ነቲ ከኒና ክእዝዝ ዝደለየ ሰብ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ክጽበ ይሕበሮ ከምዝነበረ ድማ እሙናት ምንጭታትና ኣረጋጊጾሞ ኣለዉ። እዝስ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ዶ ኣይኮነን?
N.B -ንእግረ መንገደይ ክላበዋ ዝደሊ፣ እዚ መናውሒ (viagra) ኣብ ጥዕናና ኣሉታዊ ሳዕቤን ከኸትለልና ከምዝኽእል ክኢላታት ሕክምና ይሕብሩ። ስለዚ ዘይምጥቃም ይምረጽ።
እዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሰብ ሓዳር ኣሉታውን ኣወንታውን ጽልዋ ከምዝነበሮ’ውን ተሓቢሩ’ዩ። ምኽንያቱ እቶም ምስ-ስድራቤቶም ግዜ ዝውሕዶም ዝነበረ እኹል ግዜ ክረኽቡ እንከለዉ ብኻልእ ወገን ከኣ እቶም ምስ መጻምድቶም ኣብ ገዛ ተወሺቦም ዝነበሩ ብብዝሒ ናይ ፍትሕ ወረቐት ኣጽሒፎም ኣብያተ ፍርዲ ክኽፈተሎም ይጽበዩ ከምዘለዉ ይንገር። ኣይረድ!!!                                                                                                                                                                                                                                                                                            ኣብዚ ግዜ ኣብዛ ሃገር ኩነታት ኮቪድ-19 ደሓን እንዳኾነ ምስ ምኻዱ፡ ትካላት በብሓደ ክኽፈት ጀሚሩ‘ሎ። እንተኾነ ቁጠባ ፈረንሳ ብ 11% ከምዝዳኸም ሚኒስትሪ ፋይናንስ ፈረንሳ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ግን ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ጽልዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ 2019  ናይ ዶሞዝ ምውሳኽ ዝጠልብ ነብሲ ወከፍ ቀዳመ-ሰምበት ዝግበር ዝነበረ ኣድማታት ውን’ዩ።  እዚ ኣድማታት ድማ ምንቅስቓስ ሰብ ‘ብጫ-ጅለ’ ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። እቲ ምኽንያት ከኣ እዞም ኣድመኛታት ብጫ ዘንጸባርቕ ናይ ስራሕ ጅለ ወድዮም ናብ ጎደናታት ፖሪስ ብምውጻእ ዓበይቲ ኣድማታት የካይዱ ስለዝነበሩ’ዩ።
ፈረንሳውያን ኣድማ ምግባር ኣብ ዓለም ካብተን ቀዳሞት ከምዝስርዑ ትፍልጡ’ዶ?


No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...