Tuesday, June 30, 2020

ክናዘዝ'የ!


ኩሉ ነገር ነይሩን ይሓልፍን ኣሎ። ነታ ምስኪን ሂወተይ ናብ ዘይንቡር ምንባር ቀይረ፥ ኣብ ደምዛዝ ንጹርነት ኣንፈት ዕላምኡ ዝሰሓተ፥ ብፍጥነት ክመርሓ ምጽንሐይ " ተመሊሰ ዳግመ-ተሃድሶ ንምግባር ብልቢ ናብ ትሕተይ ተደፊኤን ደም ነቢዐን ባዕለይ ንዉሽጠይ ይቕሬታ ይሓታን ይልምናን ኣለኹ። ወላ' ነቲ ጨካን ሕሱም ዘይስነ-ምግባራዊ ዝለመደ ባህረይን ኣመለይን ይቕሬታ ዘይግብኦን ዘይምልከቶን እንተኾነ" ድሕሪ ሕጊ -ሙሴ ዝመጸ ሓዲሽ ቺዳን መጽሓፍ "ቑዱስ" ምስ ነበብኩ' ናይ ሕድገት ፈጣሪ ከም ዘሎና ዝተረደኣኩ። ስለዝኾነ ከኣ ይቕሬታ በልኩ…….. ዋላ'ውን ኣነ ምስ ዉሽጠይ ዕርቒ እንተኣወጅኩ ሕልናይ ግን ብመግናሕቲ ኣልባበይ ኣጥፋኣለይ። እታ መተካእታ ኣልቦ ህያብ ፈጣሪ ዝኾነት ልበይ፥ በቲ ብዕሉግ ስነ-ምግባረይ ኣዝያ ደምያን ጨቅያን ከም ዝጸንሐት፣ ኣብዚ ዘመነ ቅሬታን ሕድገትን ናብ ንቡር ምምላስ ብምእባያ ብቐሊሉ ክትልለ ከኣለት። እሞ'ኸ ድኣ? ክሳብ ክንድዚ ድየ ካብ ምስለይን ሰብነተይን ሃዲመ፥ ኣብ ናይ ሓጥያት ከተማ ተኻርየ ክነብር ጸኒሐ"! ሓዘነይ ዉሽጠይ መተንፈሲ ሰኣንኩሉ። ዝምዕቆበሉ ስፍራ፡ ዝወሓሰኒ ኣካል ክሳብ ዘይረኸብኩ ደኣ'ምበር ነዛ ኣካለይ ኣዝየ ፈንፈንኩዋ። ሕማቕ ተግባራተይ ስጋይ ጊሂጹ፡ ደመይን ኣንጉዐይን መጽዩ፡ የዕጽምተይ ክቖራጥሞ ተፈለጠኒ። ኣብዚ ግዜ' መንፈሰይ በኒኑ፡ መልኣኸይ ሃዲሙ፡ ኣዒንተይ ቖርቊሩ፡ ኣእዛነይ ተገቲሩ፡ ምስለይ ተለዊጡ ኣብ ናይ ሓሶት ዓለም ዑቕባ ሓቲቱ፡ ንዝጸንሐ ህዋሳተይ፡ ናብ' ሓዳሽን ጽርይትን ቀዳመይቲ ሂወተይ ንምምላስን ንምትዕራቑን ኣብ ሞንጎኛ ሸምጋሊ ኮይነ ይርከብ። ኣብ ንቡር ሂወት ክመልሳን ከሐድሳን ነቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ፉንፉን ታሪኽ ብዕሊ ተረዲኤ ክጉሕፎን ክጽየኖን እነሀኹ ሓዲሽ ምዕራፍ እኸፍት። ስለዚ ሰላመይ ዘሪገ ሰላምኪ ከውሕስ ቅኑዕ ዉሳኔ ኮይኑ ክሳብ ዘይተረኣየኒ ክርሕቐኪ ደምዲመ። እቲ ምንታይ ቆልዓ ብንእሱ፡ ቆርበት ብርሕሱ" ከም ዝብሃል፣ መሬት ብእዋኑ ኣንፈት መጻኢ ሂወትኪ ንኽትገብሪ ከምዝሓገዝኩኽን ብዙሕ ተሞኩሮ ኣጥሪኽን ክትኮኒ ኣበይ' ይገብረለይ! እወ" እምበኣረከስ ኣነ ብናይ ሓዘንን ቁዘማን ብሕትዉነትን ተኸቢበ ኣብ ዕንክሊል ጉቡእ መቕጻዕተይ እንዳወሰድኩ" ንስኺ ልዕሊ ሰብኪ ኮይንኪ"እታ ናይ ብሓቂ ጡዋስ ብርሃን ሂወት ወሊዕኪ፣ ኣብ ናይ ሓጎስን ሰሓቕን ምቑር ሂወት ተጸሚድኪ ክሪኤኪ ኣበይ' ናተይ ይስማዕ ምበር፥ ክኣቱን ክወጽእን ዝጽልዮን ዝትምነዮን ኢዩ። ዘይርሳዕ ታሪኽ ዘይሕከኽ ዝኽሪ ሕልናዊ በደል፡ 
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዕለተ መዓልቲ ከሳቕየኒ መታን ክነብር ግቡአይን ብጺሒተይን ክወስድ መታን ደሓን ንስኺ ሕድገት ኣይትግበርለይ! ግን ሕድገት ብዘይ ምግባርኪ ዉሽጥኺ ከይትህሰዪ እፈርሓልኪ። ጽቡቕኺ እብህግ። ሰላምኪ ይናፍቕ። ኣብ ሂወትኪ ሩፍታ ክስመዓኪ ርግኣት ልብን ኣእሙሮን ከተንግሲ ባህገይ ኮነ። ይግበረለይ ፈጣሪ ከም ባህገይ!
ኣነ ብመሰረቱ ኣጻብዕትኺ ክትንክፍ ብቕዓት ዘይብለይ ኣዳም ክንሰይ ምሉእ ሂወትኪ ክዘርግ ኪኢለ። ድርብ ጓሂን ሓዘንን ኮነኒ። ዘይስገር ፈለግ ዘየምልስ ገደል ማዕቲንኒ ስለዘሎ ነዓኺ ዘይኮንኩ ሕልናይ ከም ዝኸሰሰኒ ክትርድእለይ ጽቡቕ ምኾነ። ምስ ሕልናይ ዕርቂ ክገብርን ንስኺ ናጻ ክትኮንን ግን ኣብ ብርክኺ' በየናይ ብቕዓተይ " የድጋ ኣብ መሬት በጥ' ክልምነኪ ፍቓድ ክሓተኪ ምደለኹ"! ዘይሕከኽ በሰላ፡ ዘይወጽእ በሰር ዘይእለ ማዳ ኣብ ኩሎም ብሉጻት ህዋሳትኪ ጸያዪቐ ከብቅዕ ሕጂ ይቅረን ሰላምንታን እንተበልኩ አኽፈኣለይ... አሕፍረኒ.. አነጽለንን ስለዘሎ ኣብ ዉሽጠይ ገሃጽ-ሃጽ ዝብል ብርቱዕ ጓህሪ ይእጎደኒ...የቃጽለኒ... አንድደኒ... በቓ የሕርረኒ ስለዘሎ " ከም ዓቢ ናይ ተሞኩሮ ዩኒቨርስትኺ ቀሪጽኪ ክትጥቀምለይ ብስነ-ምሕረት ክልምነኪ እፈቱ!

ዕለት 06-29-2020 ተኽሉ ተስፋገርጊስ
@Teklu Tesfagergish

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...