Tuesday, June 30, 2020

ናይ ሕማመይ ዝምረሩ ወለዶ ድዮም?


ኣቦታትኩም ጀጋኑ’ዮም። ኣቦታትኩም ጻዕራማት’ዮም። እቲ ምኽንያት ድማ ንሶም ንኣቦታቶም ስለ ዝመሰሉ’ዮም ስለዚ’ስ ንኣቦታትኩም ምሰሉ!
ናይ ዩቱብን Facebook Liveን ሓኔታታት ንንኡሳን ወለዶ ናይ ሕማመይ ከም ድላዮም ገይሮም ከዳኽምዎም ንርእይ ኣሎና። ኣንቱም ነቃፎ ቅድሚ ምንቃፍኩም ብዓቕምኹም ነዞም ወለዶ ዝገበርኩሞ ሓገዝ እንተሎ ኣብ ናይ ወተግ ክሳድኩም ጁባ ሃሰስ በሉ። ስለምንታይ ከ ናይ ሕማመይ ክለዓል እንከሎ ባእሲ፡ ወልፊ ጥፉእን፡ ትሩፍን ዝብል ቐቢጸ ተስፋ ዝቅጀለኩም? ሕብረተ-ሰብ ምሉእ ከተጸልሙ እዚ ክእለት ካበይ መጸ? "ገንዘብ ቡዙሓት ብላዕ፡ ሓው ቡዙሓት ኣይትውቃዕ" ከምዝበሃል ገለ ዶ ኣብ ሓሳብኩም ይህሉ። ናኣሽቱ ኣሕዋትና ኣይኮኑን ድዮም? ወላስ ኮምኡ እንት ኢልኩም ኢኹም ብዛዕባ ነብስኹም ጽቡቕ ዝስመዓኩም። እቶም ኣብ ፖለቲካ ንነጥፍ ኢና ኢልኩም እትሓስቡ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ተጻረፍቲ ምጽራፍ ተጻረፉ ግን ናይ ሕማመይ ግደፉ። ጸላእቲ ነብሶም ኣይትኹኑ፡ ብኢድኩም ክሳድኩም ኣይትሕነቑ …
ናይ ሕማመይ ኣብ ዝነብሩሉ ሃገር ወይ ኣከባቢ ልዑል ናይ ምምስሳልን ቀልጢፍካ ናይ ምምላኽን ክእለት ከምዘለዎም’ዩ ዝፍለጥ። እንተኾነ እቶም ኣያታቶምን ወለዶምን ግን ኣብ ስደት እንዳነበርኩም ቋንቋ ናይቲ ሃገር ውን ኣይለመድኩምን።
ነዚን ካልእን ኣስፍሕ ኣቢለ ኣብ ዩቱብ ኣብ THE DON DINAR SHOW ኣቕሪበዮ ኣለኹ። ምክትታልኩም ብኽብሪ ይዕድም።
ሳብስክራይብን ላይክን ከኣ ኣይትሕመቑ።
ደገፍኩም ኣይፈለየኒ፡ የቐኔለይ።
https://youtu.be/mHV43Con5Ak

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...