Tuesday, June 30, 2020

ኣስመራ

Asmara the Capital of Eritrea 
ኣብታ ፍቕራዊት ከተማ ተወሊደ ምዕባየይ ነዓይ ዓቢ ጸጋ’ዩ። ኣስመራ ነዓይ ኩሉ’ያ፡ ፍቕረይን ሰላመይን ዝስተማቕረላ፡ ብጋህድን ብሕልምን፡ ህርፋነይን ጽጋብይን እያ። እስመራ ኩሉ ነገራ ተናፋቒ'ዩ። እቶም ነዋሕቲ ኣግራብ ስየ፡ እቶም ጻዕዳ ሕብሪ ዝልበጡ ኣግራብ ሽባኻ፡ እተን ናኣሽቱ ካፌታታ፡ እቲ ስሩዕ ኣርተ-ዴኮ ህንጻታታን ጡዑም ኣየራን። እተን ከዕልላኻ ዝሓፍራ ኣዋልዳ ከኣ እሞ ቀመም ኣስመራ እየን። ኣብ ልበይ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ። ኣብ ዶቪል እትበሃል ዓቢ ዓለምለኻዊ ናይ ፊልም ፌስቲቫል ዝካየደላ ናይ ፈረንሳይ ከተማ ኣብ ዝተዛወርኩሉ ግዜ፡ ኣዝየ’የ ሰምቢደ። ንኣስመራ ብመልክዕ ሕብራዊ ፎቶኮፒ ረኺበያ። ምስ ሓንቲ ፈረንሳዊት ኣብ ሓደ ካፈ ተራኺብና ነዕልል ነበርና’ሞ፡ ስእሊ ናይ ኣስመራ ብዘርኣኽዋ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዚ ዓይነት ክላሲክ ከተማ’ ብምባል ተገረመት። ሓውኹም ከኣ ሰናፍ መዓስ ኮይነ….. ጉዳይ ዩኔስኮ ሓዊሰ ዱድ በልኩ። ከመይ ድየ ኣዝማሪኖ ምዃነይ ዝኾርዕ!!

ሰላም ናይዛ ከተማ ምስ እተን ንግሆ ተንሲኤን ጻዕዳ ነጸላ ተጎልቢበን ንቤት ኣምላኽ ዝሳለማ ለዋሃትን ሕያዎትን ኣደታትና ጸሎት ዝተኣሳሰር’ዩ። በቃ ብጸሎተን መሬት ትበርህ፡ ብጸሎተን እዝጊ ይምሕር። ታሪኽ ኣመሳራርታ ከተማ-ኣስመራ መጽሓፍቲ ገናጺልና ምስ ንመራመር ውን፡ ኣንስቲ እየን ሰሚረን ነዛ ከተማ መስሪተናኣ። እቲ ስም ውን ካብኡ ዝተወስደ’ዩ ‘ኣስመራ’……..
ኣብ መወዳእታ ድማ ነዛ ሽኮር ከተማን ንዓድና ኤርትራን ሰናይ ክራማት ይምነ።
ምስ ናፍቖት ኣስመራ ሽኮር ኣስመራ ቤላ!!

1 comment:

Happy Bastille day! Vive la France!

  For a decade, France has been my cherished abode, a land that has captivated my heart with its unparalleled charm. The vibrant tapestry of...