Thursday, July 2, 2020

ኤርትራውያን ኣወዳት ሮማንቲክ/Romantic ኣይኮኑን፡


    ፍቕሪን ሮማንስን (Love & Romance) ተመላላእትን ካብ ነንሕድሕደን ክንፈልየን ዘይከኣልን እየን። ብሓጺሩ ፍቕሪ ኣብ ውሽጥና ዝስመዓና ዘቃጽል ናይ ስምዒት ሃልሃልታ ክኸውን እንከሎ። ሮማንስ ከኣ ፍቕርና ንምግላጽ ንጥቀመሉ ረቛሒታትዩ። ሮማንስ ንፍቕሪ ዘሐድስ ናይ ፍቑራት ጸወታ ትባሂሉ ውን ይግለጽዩ።
ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ልቦና፣ ስነ-ስርዓት፣ ስራሕን ካልእን ብልጫታት እንተሃለወና፡ Romance ዝብልዋ ኣርእስቲ ግን ኣብ ዲኽሽነሪና  የላን።  ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት፣ ኣብ ሂወትና ካብ ግምትና ንላዕሊ ብኣተዓባብያና ስለ እንጽሎ እዩ።  መብዝሕትኡ ኤርትራዊ ሕብረ-ተሰብ ኣብ ትሑት ደረጃ ቁጠባን ናብራን ሰለ ዝነብር ካብ ኣብ ምትዕርራይ ባህርያት ብዝያዳ ኣብ ምቕራብ መሰረታዊ ነገራት ዘተኩር። ነታ ዘማሓድራ  ሓዳር ዝኾነ ከይጎደላን  ቀጻልነታ ንከውሕስን ኣበርቲዑ ብምጽዓር  ፍቕሩ ብግብሪ እዩ ዝገልጽ።(ንሓዳሩ ገበል ጎቲቱ ዝኣቱ) ክበሃል ንሰምዕ ኢና።

ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ Metro ባቡር ዝረኸበካያ ጓል፡ዋው ጽብቕቲ ኢኺምስ እትብላ ገለ ካልኢታት ጸኒሓ ፍሽኽታ ሓዊሳ የቐኔለይ ተሓጒሰ ክውዕል ትብለካ። እዚ ኣድናቖት ወይ compliment ደቂ-ሄዋን ማዕረ-ክንደይ ደስ ከምዝብለን ዘርእይ። ኤርትራውያን ደቀ-ኣንስትዮ  ውን ብተመሳሳሊ ዘድንቐን ወዲ መዓስ ምጸላኣ ደኣ። ዋላ ከምዚ ናይ ጸዓዱ የቐኔለይ ኣይበላ ኣብ ሞራለን ግን ለውጢ ኣለዎ።  ሕፍረት ውን ኣይጽላእን  ናይ ባዕሉ ጽባቐ ስለዘልዎ። ገለ ሒደት ውን እንታይ ደልዩ ጽብቕቲ ዝብለኒ ዝብላ ኣይሰኣናንየን። ( ስለዘይለመደኦ እዩ።)
 እንተጢዒሙወን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብሉጽ ቁመናን መልክዕን እዩ ዝውንና፣ ኣነ ኣብዚ ዝነብረሉ ሃገር ፈረንሳ ጸዓድኦም ጸለምቶም ወላ ውን እቶም ብመልከዖም ዝምኩሑ ዓረብ፡ዋው ኣዋልድኩም ክጽብቓጥራይ ክብሉ ዝሰምዕ። ምናልባት ምሳኻ ዘሎ ወርቂ ከም ጨርቂ ኮይኑና ከይከውን።  እሞ እዘን ምቁራት ፍጥረት ካብ ደቂ ዓደንን ኣሕዋተንን ኣብ ቅንፍ ሰበኡተን romantic moment ናይ ምቅብጣር እዋን ክስእና ይግባእ ዶ?  ሚዛን ክማዕራረ መታን ኩሎም ባእታት ሚዛን ክማዓረዩ ኣለዎም፣ ዋላ ጽቡቕ ይኹን ኣብ ሓደ ጥራይ ከንዘዙ የበልናን።
ከም ዝርደኣኒ ኤርትራውያን ዝያዳ ኣብ ምክብባር ኢና ንጸቅጥ። ኣብ ስድራና ኣቦና ንኣደና የፍቅረኪ እየ ክብላ ሰሚዕና ሰለዘይንፈልጥ እዩ መስለኒ። ይኹን እምበር ኣደ እንተሓሚማ ሰብኣይ ተብተብ ኢሉ ገዛ ክመጽእ ሕክምና ክወስዳ፡ ዘድልያ መድሃኒታትን ፍሩታታትን ገዛ ክመልእ ተዓዚብና ኣሎና። ኣቦታትና ዝያዳ ኣብ ተግባርዮም ፍቕሮም ዝገልጹ። ንሱ ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ ምስ ዘመን ተወሰኽቲ ፈጠርቲ ባህታ ንምርካብ ዳህሳስ እንተገበርና እሞ እዚ ሮማንቲክ ዝብል ስነ-ሓሳብ እንተረኸበናዮ እንታይ ከይብለና…….
ሮማንስ ብቡዙሕ መነገዲ ክግለጽ እንኳ እንተተኻእለ፣ እቲ ናይ ኣካል ምንቅስቃስ ንጎኒ ገዲፈ፣ ካልኦት ልቦና ጥራይ ዝሓቱ ነጥብታት ክጠቅስ።  ሓደ ወዲ ሮማንቲክ ንኽኸውን እታ ናይ መጀመርያ ክገብራ ዘለዎ ነገር፡ንነብስኻ ምምሳልእያ። ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ክእለት ድማ ስዒባ ትመጽእ ጸላዊት ነጥቢያ። ሳልሰይትን ኣዝያ ኣገዳሲት ነጥቢ ድማ ህድእ ምባልያ። ነዘን ነገራት ዝመለኸ ወዲ ከኣ ንብጸይቱ ባህታኣ ክካፈል ድልውነቱ የርኢ ኣሎ ማለት እዩ።  ብተፈጥሮ ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ምዝራብ ድሌት ኣለወን፡ ወላ ኣገዳሲ ነገር ኣይኹን ንተሳትፎ ጥራይ ውን ቃላት ይውርወራየን። ልዕሊ ወዲ-ተባዕታይ ድማ ብስምዒታት  ምርድዳእ የዘውትራን ይጥቀማን። ናይዚ ኣብነት እንተ ደሊኹም፡ ኣብ ስድራቤት ንሓወን ወኪለን ዝካትዓ ኣዋልድ እየን። ወዲ ንሓፍቱ ክካትዓላ ምርኣይ ዘይዝውቱርዩ። ስለዚ እዝኑ ከፊቱ ጽን ኢሉ ዝሰምዐን ወዲ ተባዕታይ ዝበለጸ ኣፍቃሪ ክኸውን ይኽእልዩ።
ንጓል ሄዋን ግዜ ዝህባ ወዲ ኣዝዩ ዘገድሳ፡ ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ከኣ ኤርትራውያን ኣወዳት ዛሕልታት ነሪኢ  ኢና! ድሌታት ኣፍቃሪትካ ብትዕዝብቲ ኣጽኒዕካ ብሓባር እትገብሮም ነገራት ምርካብ ኣገዳሲዩ። ግድን ኣይኮነን ኣብ ሓደ ሬስቶራንት ብሽምዓ ክትድረር።  ኣብ ገዛ ብሓባር ፊልም ምርኣይ፡ ብሓደ ኣብ ፓርክ ንፋስ ምውሳድ። ኣብ ሳዕሪ ዘለዎ ቦታ ኣንጺፍካ ኮፍ ምባል ‘Picnic’ መደብ ሰሪዕካ መገሻ ምኻድ፡ ሓቢርካ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ብሓደ ስፔዛ ምሽማት ገለ ካብ ደቂ ኣንስትዮና ባህ ዝብለን ነገርትዩ። ኮታስ ምስ ብጸይትካ ሓቢርካ ዝተፈላለዩ ነገራት ምግባር ምልክት ሮማንቲክ ወዲዩ።
ፍቕሪ ማለት ዕምባባ ምግዛእ ወይ ህያብ ምግዛእ ማለት ኣይኮነን። ወይ ከኣ ከምቲ ኣብ ፊልምታት እንርእዮ ነገራት ጥራይ ኣይኮነን። ፍቕሪ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እቲ ዝዓበየ ነገር ተባሂሉ ዝግለጽ። ብመንጽሩ ድማ እቲ ኣዝዩ ዝተሓላለከ ነገርዩ። ምኽንያቱ ምስ ፍቕሪ ዝተኣሳሰሩ ከም እምነት፡ ሕድገት፡ ልግሲ፡ ሓልዮት፡ ግብሪ፡ ቅንዕናን ካልኦት ነገራትን ስለ ዘጠቓልል።
ሜድያን ፊልምታትን ኣብ ፍቕሪን-ሮማንስን ዝገበሮ ጽልዋ ኣየናይ ሕልማዊ ኣየናይ ሓቂ ምፍላይ ተሳኢኑናዩ። ልክዕ ከም ኩሉ ሓዳር ናይ ገዛእ ርእሱ  ምስሊ ዘለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዝምድና ናይ ገዛእ ርእሱ ሜላ ኣፈቓቕራ ኣለዎ። ስለዚ ካብ ካልእ እንና ተማሃርና ዘዝሰማማዓና ጥራይ ምውሳድ ከድልየናዩ።
ኣብ ፍቅሪ ህድእ ዝበለ ወዲ ኩሉ ግዜ ዕዉትዩ። ህዱእ ሰብ ንከባቢኡ ናይ ምቁጽጻር ክእለት ኣለዎ፡ ኣብ ገዛኹም ድሙ እንተሃልያትኩም፡ ሓደ ህዱእ ሰብ ክመጽእ እንከሎ እታ ድሙ ኣብ እግሪ ጋሻ ክትጻወት ወይ መቺእዋ ክትድቅስ ተዓዚብኩም ትኾኑ እዚ ድማ ዓሊይዋ ማለትዩ። ሰባት ውን ብተመሳሳሊ ከም ናይ እንስሳታት ባህርያት ዘሎና። ደቂ-ኣንስትዮ ብወገነን ካብ ሓደ ሾልቂ ዝኾነ ሰብ ሓደ ህዱእ እየን ዝመርጻ።
ኤርትራውያን ኣወዳት ኣብዘን ዝተዛረብናለን ነጥቢታት ብዝያዳ ክሰርሑን። ሕፍረት ንምሽፋን ተባሂሉ ምጥቃም ተረርቲ ቃላት ኣወጊድና፡ ህድእ ኢልና ክንረዳዳእን ባህርያት መጻምድና ከነጽንዕ ግቡእና ምዃኑ ተረዲእና፡ ዓቲብና ንስረሓሉ። ምስ ልምዲ ዘይማሓየሽ ነገር የልቦን።



No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...