Wednesday, July 15, 2020

መጻኢ ፕረዚደንት ኤርትራ ወዲ ኣባሻውል እንተዝኸውን፡ Abashawl for President





ወዲ ኣባሻውል ምዃነይ ንዓለም ብኻልእ ኩርናዕ ክርእያ ኣኽኢሉኒ’ዩ። ትርጉም ሂወት፣ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ብፍቕርን ብርሃንን ንቕድሚት ምኻድ ምዃኑ’ያ ምሂራትኒ - ኣባሻውል! ሂወት እንተሸጊሩካ፡ ፈተና ምስ ዝጽንክረካ፡ ሒደት ኣንጎሎ ተጠዊኻ ንማርያም ኣስመረይቲ ኣብ ቤታ ኬድካ ተዕልላ። በቃ ተራፒ ዝበሃል ኣየድሊን’ዩ፡ ገለ ክብድብድ እንተኢሉካ ኣብዚ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ዝበራ ኣዕዋፍ እንዳረኣኻ ምስ ፈጣሪ ተዕልል’ሞ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ኩሉ ሓሳብ ልብኻ ከምዛ ዋዛ ይሰምረልካ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ናጽነት ኤርትራ ኪዳነ-ምሕረት መዓልቲ ዓርቢ ግንቦት 1991 ዝመጽአት።
Asmara the Capital of Eritrea. Abashawl area.
ኣባሻውል ብኹሉ መለክዒኣ ንእሽቶ ኤርትራ’ያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሞዴል ወይ ንድፊ ኤርትራ’ያ። ከም ወዲ ኣባሻውል ገይሩ ኩሩዕ ኤርትራዊ ውን ርእየ ኣይፈልጥን’የ። ምኽንያቱ ወዲ ኣባሻውል ነብሱ እንከላሊ ብፍሽኽታ ተሓጒሱ’ዩ ኣነ ወዲ ኣባሻውል’የ ዝብል።
 በቃ ኣባሻውል’ያ ባዕላ ቃላት ተመንጩ፡ ቃላት ተሐድስ፡ ባህሊ ትዕቅብ፡ ጥበብ ተዕቢ፡ ንባዕላ’ውን ጥበብ’ያ ሻውለይ-መለይ። ኣብ ውሽጣ ኩሉ ዓይነት ሰብ ኣሎ። ኩሉ ከኣ ብፍቕሪ ወፊሩ ብሓጎስ ይምለስ።


መዓልቲ-ኣውደኣመት እቶም ጸበብቲ ናይ ሓመድ ጎደናታት ኣባሻውል ማይ ተረብሪብዎምን ተኾሳቲሮምን ካብ ጽርግያ ቅጥራን ንላዕሊ መልክዕ ከም ዝህልዎም’ዮም ዝኾኑ። ጎራዙ ደቂ-ኣባሻውል ከኣ ባህላዊ ክዳውንቲ ምስ ነጻላኡ ተኸዲነን ሰቲ ሓቊፈን ካብ እንዳማርያም ሽነን እንዳበላ ክወርዳ እንከለዋ ዘለወን ግርማ ርኢኻ ዘይጽገብ’ዩ። እዘን ጎራዙ ፈቃራት’የን፡ ከፍቅራ እንከለዋ ንቋንቋ ገይረን ዝራቐቓሉ፡ በዓል A Midsummer Night's Dream ዝኣመሰላ ናይ Shakespeare ክሳብ ሕጂ መወዳድርቲ ኣልቦ ናይ መድረኽ ድራማ ወልሓንቲ ዋጋ የብለንን። ኣየ’ወ ሽዑ ዝስማዕ ቅጽላት . . . . ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ዘለኻ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓካ።
መጻኢ ፕረዚደንት ኤርትራ ወዲ ኣባሻውል ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ወዲ ኣባሻውል ልቦናኡ ብፍቕሪ ዝተመልአ፡ ናይ ጽጋብ ሸንዳሕዳሕን ትሕትናን ዝፈልጥ፡ እምበረመጠን ሰብኣዉነት ዘለዎ፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ዘይፈላሊ፡ ኣውራጃዊ ጸቢብነት ዘይብሉ፡ ዝብላዕ እንተሰኣነ ወይ ምስ ጎረቤቱ ተኻፊሉ ወይ ፍቕሪ ተደሪሩ እናሰሓቐ ዝሓድር ኩሩዕ ህዝቢ ስለዝኾነ። ካብዚ ኩሉ ጸዋር ዝኾነ ህዝቢ ኣባሻውል ከኣ ኣንታይ’ዩ እሞ ዘይፈሪ። ካብ ጥበባውያን እንተበልካ ክንደይ ክንብሎም፡ ከም መካኒክ፡ ፈለኛሞ፡ ፋግሮ፡ ባትላሜራ፡ ፈላጻይ፡ ነጋዳይ፡ ነዳቓይ፡ ኤለክትሪሻን፡ ሰራሕቲ ስነ ቁንጅና፡ ባህላውያን እንዳ ስዋታት፡ ዋላ’ውን እእ-እእ እንተደሊኻ!! ኣባሻውል እሞ እንታይ ዘይትጸውር። ካብዚ ኩሉ ሕብራዊ ዝኾነ ህዝቢ ኣባሻውል ዝፈረዩ ምሁራት እንተሓቲትካ ከኣ’ሞ መሊስካ ትድነቕ።  
እዚ ኩሉ ዘስተማቐረን ብኣደታቱ ዝተመረቐን መጻኢ ፕረዚደንት ካብ ማእከል ኣባሻውል ይፍጠረላ’ዛ ዓደይ። ድኽነትን ፍቕርን ስለ ዝፈልጥ - ንኹሉ ሰብ ስራሕ ክፈጥረሉ ምጸዓረ። ተኸባቢርካን ሓቢርካን ምንባር ከምዘሎ እናረኣየ ዝዓበየ ስለ ዝኾነ - ማዕረ ነብስና ዲሞክራሲ ምሃበና። ወዲ ኣባሻውል ጸቢብነትን ኣፈላላይን ይጽይን’ዩ - ነዞም ሃሱሳት ከኣ ጠቕሊሉ መጥፈኣልና! ንእከይ ብቓልዕ ያዕ ዝብል ስለ ዝኾነ - እዞም መንነት’ዶ ናጽነት ዝብሉ ክሳብ ዝሓፍሩ ምገሰጾም። ልዕሊ ገንዘብ ፍቕሪ ዘገድሶ ስለ ዝኾነ - ኩሉ ሰብ ከምቲ ክቡር ባህሉ ኣናተሓባበረ ናብ ጎደና ምዕባለ ከምዘምርሕ ምገበሮ። ልዕሊ ናቱ ብዛዕባ ኣብ ካንቸለኡ ዘለዉ መናብርቱ’ዩ ዝሓሊ። ልቦናኡን ሰብኣውነቱን ምሉእ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ብልሽውና ፍጹም ኣይምተቖማጥዐን። 
ከምዚ ዓይነት ፕረዚደንት እንተዝመጸና ከመይ ብሉጽ ነገር ይመስለኩም። ርእይቶኹም ከኣ ወስ ኣብሉ።

ሻዉለይ-መለይ
ዓደይ ሰዊት ለምለም
ምሳኺ’ሎ ኩሉ ጥዑም


No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...