Tuesday, July 28, 2020

1ይቲ መዓልቲ፡ Day 1

ጸለውቲ ካብ ዝብሎም መጽሓፍቲ፡ ብቐደም ተኸተልን 7 መዓልታት ንክሰምዮም ብ Kibri Kebari ዝተገብረለይ ጻውዒት መሰረት: ሎሚ ኣሃዱ ኢለ እጅምሮ ኣለኹ።
እቲ ኣብ ቀዳማይ ዝሰርዖ መጽሓፍ፡ መጽሓፍ ቁዱስ’ዩ። እዚ መጽሓፍ ብዘምበብኩ ኩሉ ግዜ ሰላምን ምጽንናዕን ደስታን ምድዕዓስን ኣብ ሓደ እዋን’ዩ ዝስመዓኒ። ሂወት ኩሉ ግዜ ጥጥሕቲ ኣይኮነትን ተለዋዋጢት ውን እያ። ቅዱስ መጽሓፍ ግን ኩሉ ግዜ ኣይልወጥን’ዩ።
ብዙሓት ሰባት ቅዱስ መጽሓፍ ብጌጋ ይርድእዎ እዮም። እዚ መጽሓፍ ምስ እግዚኣብሄር ክትራኸብ ደሊኻ ጥራይ ከተምብቦ ኣለካ! እንተዘይኮይኑ መኪና ዘይብልካ ወይ መካኒክ ዘይኮንካ ማንዋል ናይ ማኪና ከም ልቢወለድ ምንባብ ማለት’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ትረኻ ገጸባህርያትን ንድፊን Plot ጽቡቕ ዘይኮነ ክትብል ኢኻ ማለት’ዩ። እታ ዝፈትዋ ጥቕሲ ናይ’ዚ መጽሓፍ ከኣ
‘ፊሊጲ 4:13 ''በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ብክርስቶስ ንዅሉ እኽእሎ እየ። ‘’ እትብል እያ።

No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...